መራሒ ጊኒ ነበር ካብ ዘምለጦ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተመሊሱ

ካፕቴን ሙሳ ዳዲስ ካማራ ኣብ 2022 ናብ ጊኒ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ቡርኪናፋሶ ን12 ዓመታት ኣብ ስደት ጸኒሑ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካፕቴን ሙሳ ዳዲስ ካማራ ኣብ 2022 ናብ ጊኒ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ቡርኪናፋሶ ን12 ዓመታት ኣብ ስደት ጸኒሑ’ዩ

ወተሃደራዊ ገዛኢ ጊኒ ነበር ሙሳ ዳዲስ ካማራ፡ ብዕጡቓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ ዝነበረ ዀይኑ፡ ተታሒዙ ከምዝተመልሰ ጠበቕዑ ሓቢሩ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ትማሊ ቀዳም ንግሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮናክሪ ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምውራር ካፕቴን ካማራን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን እዩ ከመልጡ ገይሩ ነይሩ።

ብዘይካ ካፕቴን ካማራ ካልኦት ክልተ እሱራት እውን ተረኺቦም ኣለዉ።

ብደገፍቶም ተጨውዮም ድዮም ብድሌቶም ሓራ ወፂኦም ነይሮም ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።

ጠበቓ ካፕቴን ካማራ ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መራሒ ነበር፡ ኣብ ስርዓተ ፍርዲ ጊኒ እምነት ስለዘለዎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድም ፈጺሙ ከምዘይፍትን ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ውልቀሰባት ኣብ 2009 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ሞት ልዕሊ 150 ሰባት ምትእስሳር ኣለዎም ብዝብል ክሲ ኣብ ከይዲ ፍርዲ እዮም ነይሮም።

ሰበስልጣን ነቶም ዝሃደሙ ኣብ ዝሃድንሉ ዘሎ እዋን ዶባት እታ ሃገር ተዓጽዮም ይርከቡ።

ሚኒስተር ፍትሒ ጊኒ ቻርለስ ኣልፎንስ ራይት፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሬድዮ ውሽጢ ሃገር ከም ዝሃደሙ ኣፍሊጡ።

"ክንረኽቦም ኢና። እቶም [ዕጡቓት] እውን ክሕተቱ እዮም" ኢሉ።

ኣብ ኮናክሪ ካብ ቅድሚ ወጋሕታ ጀሚሩ ድምጺ ተኹሲ ተሰሚዑ’ዩ። ማእኸል እታ ከተማ ዝተኸበበ ዀይኑ፡ ወተሃደራዊ መካይን እውን ኣብ ጎደናታት ተራእየን።

ሓደ ካብቶም ኣምሊጦም ዝነበሩ ከምዝዀነ ዝተገልጸ ኮሎኔል ክላውድ ፒቪ ዝተባህለ ሚኒስተር መንግስቲ ነበር ኰይኑ፡ ብ28 መስከረም 2009 ኣብ ስታድዩም ኮናክሪ ኣብ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰባት ተሳቲፉ ተባሂሉ’ዩ ተኸሲሱ።

ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ብውሕዱ 157 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተዓሚጸን እየን።

ኮሎኔል ፒቪ፡ ካፕቴን ካማራን ብሰንኪ እቲ ቅትለት ዝተኸሰሱ ካልኦት ትሽዓተ ሰበስልጣን ነበርን ኩሎም ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ይነጽጉ።

ካፕቴን ካማራ፡ ሓላፊ ናይቶም ነቲ ገበናት ፈፂሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ወተሃደራት ብምንባሩ እዩ ተኸሲሱ።

ንነዊሕ እዋን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ዝጸንሐ ላንሳና ኮንተ ኣብ 2008 ድሕሪ ምሟቱ ስልጣን ዝሓዘ እቲ ካፕቴን፡ ኣብ ኮናክሪ ዘጋጠመ ቅትለት ፈተነ ቅትለትን ስዒቡ’ዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ካብታ ሃገር ሃዲሙ።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ካፕቴን፡ ኣብ መስከረም 2022 ናብ ፍርዲ ክቐርብ ቅድሚ ምምላሱ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ይነብር ነይሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጊኒ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ትርከብ። ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዳ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሓያሎ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት’ያ።