ሶማልያ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሰጒጓ- ክልተ ቆንስላታት ድማ ዓጽያ - ሰብ መዚ

አምባሳደር ሙክታር (ብጸጋም) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህቦ ደብዳበ ሹመት ንፕሬዝዳንት ሓሰን ሼክ ሙሐመድ ኣቕሪቡ እዩ

ምንጪ ስእሊ, @THEVILLASOMALIA

መግለጺ ስእሊ, አምባሳደር ሙክታር (ብጸጋም) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህቦ ደብዳበ ሹመት ንፕሬዝዳንት ሓሰን ሼክ ሙሐመድ ኣቕሪቡ እዩ

ሶማልያ፡ ሎሚ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ከም ዝሰጐገትን ኣብተን ሓውሲ ናፃ ርእሰ ምምሕዳራት ዝዀና ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝነበሩ ክልተ ቈንስላታት ከም ዝዓጸወትን ተገሊጹ።

እዚ ሕዚ ዝተወስደ ኣምባሳደር ናይ ምስጓግ ስጉምቲ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝስዓበ ምውጣጥ ዝመጽአ ምዃኑ ክልተ ሰብ መዚ ሶማልያ ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ)፡ 20 ኪሎ ሜትር ገምገም ባሕሪ ሶማሊላንድ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሰነድ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመት ይዝከር።

እታ ሶማልያ ከም ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማሊላንድ ካብ 1991 ዓ.ም ጀሚሩ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ሕጊ "ሓድነትናን ልኡላውነትናን ከምኡ'ውን ግዝኣታዊ ምሉእነትና ንምሕላው" ኣገዳሲ እዩ ክብል ገሊጹ።

ንሶማልያ “ብመግዛእቲ ዝተፈጥረት” ሃገር ብምባል “ሶማሊላንድ ኣህጉራዊ ስምምዓት ናይ ምፍራም ብጭቡጥን ሕጋዊን ስልጣን ዘለዋ ናጻ ሃገር እያ” ክብል ተዛሪቡ ዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ሙክታር መሓመድ ዋረ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ።

ኣብቲ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክጎድእ ፈጺሙ ከም ዘይሓሰበ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ይቕሬታ ምሕታቱ ነቲ ብዛዕባ ምስጓጉ ዝነበረ ቅጽበታዊ ስክፍታታት ኣህዲእዋ ዝነበረ ይመስል።

እንተዀነ፡ ሶማልያ ሎሚ ኣብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዋላ'ውን ምኽንያቱ እንተዘይተገልጸ ነቲ ኣምባሳደር ከም ዝሰጐገቶ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ፑንትላንድ፡ ኣብ ሞቓድሾ ንዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ እትህቦ ኣፍልጦ ከም ዝኸልአት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣፍሊጣ እያ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ድማ፡ ኵለመዳያዊ ዝምድና ንምዕባይ ተሰማሚዐን።እዚ እቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተገብረ ሰነድ ስምምዕ ፈጢሩዎ ዝጸንሐ ወጥሪ ከም ዘጋደዶ ይግለጽ።

መንግስቲ ሶማልያ ድማ፡ ሎሚ ኣብተን ሓውሲ ናፃ ርእሰ ምምሕዳራት ዝዀና ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝነበሩ ክልተ ቈንስላታት ከም ዝዓጸወ ተሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካቢነ ሚኒስተራት መንግስቲ ፑንትላንድ ብቐዳም 30 መጋቢት 2024 ድሕሪ ዝገበርዎ ህጹጽ ኣኼባ፡ እታ ብኸፊል ንርእሳ እተመሓድር ግዝኣት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ፈደራል እምነት ስለ ዝሰኣነት፡ ነቲ ንፈደራል መንግስቲ ክትህቦ ዝጸንሐት ኣፍልጦ ከተልዕል ከም ዝወሰነት ገሊጻ።

እዚ ውሳነ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ባይቶ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ቅዋም እታ ሃገር፡ ኣካታዒ መስርሕ ንምምሕያሽ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።

ብቀዳም 30 መጋቢት፡ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ባይቶታት ሶማልያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናይ ምሻምን ምስጓግን ስልጣን ዝህብ ውሳነ ዝርከቦም ነቲ ቅዋም ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ውሳነ ኣጽዲቝ።

መንግስቲ ፑንትላንድ፡ ነቲ ቅዋም ንምምሕያሽ ዝተወስደ ውሳነ፡ እቲ መስርሕ ምምሕያሽ ን"ፈደራላዊ ስርዓትን ሃገራዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ብዘእቱ መንገዲ ስለ ዝተኻየደ ነቲ ውሳነ ብትሪ ከም ዝቃወሞ ኣፍሊጡ።

ፑንትላንድ፡ ድሕሪ ደጊም ካብ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ወጻኢ ንረብሓታታ ንምግልጋል ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ከምእትዋፈር’ውን ገሊጻ።

ብሓደ ጥሪ 2024 ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመትን ኣብኡ ሓይሊ ባሕሪ ክተቕውም ከም እትደሊ ምግላጻን ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ነቲ 'ዘይቀያዲ' መዘክር ምርድዳእ ፈሪሞም እዮም።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ወደብ ክትረክብ እያ። ሶማሊላንድ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ብጽሒት ከም እትረክብ መንግስቲ ገሊጹ እዩ።

ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደት ሶማልያ፡ እቲ ስምምዕ "ፍጹም ቕቡልነት የብሉን" ክትብል ነጺጋቶ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተቐረበ፡ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።

ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማልያ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂን ዝተኸተመ ስምምዕ ብምቅዋም ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስሓባ ዝዝከር እዩ።