ኣይስላንድ፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ እሳተጐመራ ‘ህጹጽ ግዜ’ ተኣዊጁ

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣይስላንድ ብሰንኪ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ነትጒ እሳተጐመራ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተዋዊጁ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ክሳብ ሕጂ ንራብዓይ ግዜ’ዩ እሳተ ጎሞራ ዘጋጥም ዘሎ።

ዋሕዚ ናይቲ እሳተ ጎሞራ ናባታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣይስላንድ እትርከብ ከተማ ግሪንዳቪክ ገጹ ይቐርብ ምህላዉ ከኣ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ሰባት ካብታ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነት ጥቃ ከተማ ግሪንዳቪክ እትርከብ ከተማ ብሉ ላጉን ወጺኦም ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ሰማይ ኣይስላንድ ብቀይሕ ትክን ዶሮናን’ኳ ተዓብሊኹ እንተሎ በረራታት ኣይተቋረጸን። ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ዝግበር ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራታት ግን ደው ኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ እዚ ሓዲሽ እሳተጐመራ ካብ ትማሊ ቀዳም ምሸት ሰዓት ሸሞንት ጀሚሩ’ዩ ክነቱግ ጀሚሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እምባ ብ8 ታሕሳስ’ውን ተመሳሳሊ ነትጒ እሳተጐመራ ኣጋጢሙ ነይሩ’ዩ።

ተመራማሪ ስነ ምድሪ ቱሚ ጉድሙንሰን እቲ እሳተጐመራ ምስ ኣጋጠመ ብሄሊኮፕተር ነቲ እሳተጐመራ ዝተዓዘቦ ተመራማሪ ኮይኑ እዚ ሕጂ ነቲጉ ዘሎ እሳተጐመራ ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተራኣዩ እቲ ዝሓየለ ከምዝኾነ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ካብቲ ብክልተ ሸነክ ዝፈስስ ዘሎ እሳተጐመራ እቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዝፈስስ ዘሎ ንከተማ ግሪንዳቪክ ብሸነኽ ምብራቕ ተጸጊዕዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ቱሚ ጉድሙንሰን እቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝፈስስ ዘሎ እሳተጐመራ ናብ ባሕሪ ክኣቱ ከምዝኽእል ክገልጽ እንከሎ ኖርወጃዊት ተመራማሪት ባህርያዊ ሓደጋ ኢናራ ቤሲ ጌስትሶን ብወገና እቲ እሳተጐመራ ናብ ባሕሪ እንተኣትዩ ሓደገኛ ጋዛት ክፈጥርን ናይ ምፍንጃር ድምጽታት ክስማዕ ከምዝኽእልን ሓቢራ።

እቲ ናብ ግሪንዳቪክ ገጹ ዝጽጋዕ ዘሎ ዋሕዚ እሳተጐመራ ናብቲ ናብ መላእ እታ ሃገር ውዑይ ማይ ዘቕርብ ‘ጅኦተርማል’ መመንጨዊ ጸዓት ስቫርስንጊ ቀሪቡ ስለዘሎ ናብቲ ፋብሪካ እንተኣትዩ ንመላእ እታ ሃገር ክጸሉ ዝኽልእ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝክእል ተሰጊኡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋታት ኣይስላንድ እቲ ዘጋጢሙ ዘሎ እሳተጐመራ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራኣየ ኣዝዩ ዝበርተዐ ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መከላኸሊ ዋሕዚ እሳተጐመራ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዕርድታት ከይበስዖ ተፈሪሑ ምህላዉ ሓቢሩ።

እታ ቀንዲ በዚ እሳተጐመራ ከይትህሰ ተሰጊኣ ዘላ ከተማ ብሉ ላጉን ኮይና፡ ብቐዳም እቲ እሳተጐመራ ኣብ ዘጋጠመሉ ኣብታ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነት ንእሽቶ ከተማ ካብ 500 ክሳብ 600 ዝኾኑ ሰባት ከምዝነበሩ ኩላቶም ብሰላም ክወጽኡ ከምዝተገበረን ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋታት ኣይስላንድ ሓቢሩ።

ኣይስላንድ 33 ዝኾኑ ንጡፋት እሳተጐመራታት ዘለውዋ ሃገር ኮይና እቲ ሕጂ እሳተጐመራ ዝርኣየሉ ዘሎ ወሽመጥ ረይክጃነስ ቅድሚ 800 ዓመታት፡ ንዓሰርታታት ዓመታት ብዝቐጸለ ተደጋጋሚ ነትጒ እሳተጐመራ ብኽቢድ ተጠቂዑ ዝነበረ ከባቢ’ዩ።

ካብ 2021 ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ነዚ ናይ ትማሊ ሓዊስካ ሸውዓተ ግዜ ነትጒ ናይ እሳተጐመራ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ከባቢ ንዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ወይ’ውን ንዘመናት ዘየቋርጽ እሳተጐመራ ከጋጥመሉ ናብ ዝኽእል ዘመን ኣትዩ ከምዘሎ’ዮም ዝሕብሩ።