ኢጣልያ ወሲዳታ ዝነበረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣረኪባ

ኢጣልያ ወሲዳታ ዝነበረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1935 ከምዝተሰረሐትን ነታ ሃገር ፈላመይቲ ከምዝዀነትን ዝንገረላ ነፋሪት፡ ንኢትዮጵያ ከምዝተረከበት ኣብ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ዝሳተፍ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ኣብ ግዜ ጐበጣ ስርዓት ፋሽሽት ኢጣልያ ካብ ኢትዮጵያ ተወሲዳ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣቬሽን ኢጣልያ ንምርኢት ክትቀርብ ዝጸንሐት እያ።

ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ እታ ነፋሪት ብዕሊ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ክትርከብ እንከላ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “መዓልቲ ዓቢይ ሓበን ሃገር" እያ ክብል ገሊጹ።

እታ ጸሃይ ብዝብል ስም እትፍለጥን ቀጠልያ፡ ቀይሕን ብጫን ዝሕብራ ነፋሪት፡ ኣብ ግዜ ምሕደራ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብስም ጓሉ ከም ዝተሰየመት ይዝንቶ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ እታ ነፋሪት ንኽትምለስ ልዑል ግደ ከምዝነበራን ነዚ ድማ ልዑል ክብሪ ከምዘለዎን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ‘ኤክስ’ ጽሒፉ።

ኣስዒቡ፡ “ሎሚ መዓልቲ ነፋሪትና ካብ መንግስቲ ጣሊያን ዝተረከብናሉ ዕለት ስለዝዀነ ንኢትዮጵያውያን መዓልቲ ሓበን’ዩ” ኢሉ።

እታ ነፋሪት ኣብ ዘበነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብኣብራሪ ነፋሪት ሃጸይ ሃይለስላሰን ጀርመናዊ መሃንዲስን ዝነበረ ሀር ሉድዊግ ወበር፡ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ዝተሰርሐት ከምዝዀነት ተፈሊጡ።

ኣብ 1888 ዓ/ም [ግእዝ] ኣብ ውግእ ዓድዋ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተሳዒሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢጣልያ ሕነ ንምፍዳይ ዳግማይ ኣብ 1928 ዓ/ም ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተቘጻጸረሉ ግዜ፡ ብዙሓት ሓድጊታት ናብ ሃገሩ ወሲዱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ካብኣቶም፡ ሓደ 28 ሜትር ዝንውሓቱ ካብ ሓደ እምኒ ተፈልፊሉ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣኽሱም ኰይኑ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ኣብ ኣደባባይ ሮማ ቆይሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘካየዶ ዘተ ድማ እታ ኣብ ሮማ ተተኺላ ዝነበረት ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ 2000 ዓ/ም ናብ ንቡር ቦታኣ ተመሊሳ ከምዝተተኸለት ይፍለጥ።