እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝቘሰለ ህበይ ንተኽሊ ከም መድሃኒት ክጥቀም ተራእዩ
ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝርከብ ‘ሱማትራዊ ኦራንጉታን’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ገዚፍ ህበይ ኣብ ምዕጉርቱ ንዝነበረ ቁስሊ ንምፍዋስ፡ ካብ ተኽሊ ዝተሰርሐ ልስሉስ መድሃኒት ተጠቒሙ ባዕሉ መድሃኒት ከም ዝወሰደ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
ኣብ በረኻ ዝርከብ ፍጡር ንመጉዳእቱ ብመድሃኒታዊ ተኽሊ ክሕክም ከሎ ክረኣይን ክምዝገብን እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ተመራመርቲ፡ እቲ ህበይ ነቲ ናይ ተኽሊ ልዕጣጥ ኣብ ገጹ ክለኽዮ ድሕሪ ምርኣዮም እቲ ዝተቦዝጐለ ቁስሊ እናተደፈነ ከይዱ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ መሊኡ ሓውዩ።
እቲ ባህሪ፡ ካብቲ ንሰባትን ምስ ደቂሰባት ምምስሳል ንዘለዎም ኣህባይን ዘቀራርብዎም ቀዳሞት ኣበው ዝወረስዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይዛረቡ።
"ናይ ቀረባ ኣዝማድና እዮም። እዚ ከኣ መሊሱ ናብቲ ምስኦም እንካፈሎ ምምስሳላት ዘመልክት እዩ። ካብ ዝፈላልየና ንላዕሊ ምምስሳልና ይዓቢ" ትብል ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ትካል ማክስ ፕላንክ እትሰርሕ ክኢላ ስነ ህይወትን ዋና ጸሓፊት ናይቲ መጽናዕቲን ዶክተር ኢዛቤላ ላውመር።
ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ጉኑንግ ሌውዘር ኢንዶነዥያ ዝርከብ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰነ 2022 እቲ ‘ራኩስ’ ዝብል መጸውዒ ስም ዘለዎ ዓቢ ህበይ ኣብ ምዕጉርቱ ዓቢ ቁስሊ ከም ዘለዎ ርእዮሞ።
ነቲ ቁስሊ ቅድሚ ምርኣዮም ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ዓው ዝበለ ኣውያት ስለ ዘስምዐ ከኣ ምስ ተቐናቐንቁ ተባዕትዮ ኦራንጉታን እናተባእሰ ከም ዝተጎድአ ይኣምኑ።
ብድሕሪኡ ራኩስ ጕንዲን ቆጽልን ናይቲ ‘ኣካር ኩኒንግ’ ዝበሃል ተኽሊ ክሓይኽ እቲ ጉጅለ ረኣዮ።
እቲ ተኽሊ ጸረ ነድሪን ጸረ ባክተርያን ኰይኑ ኣብቲ ከባቢ ሕማም ዓሶን ሽኮርን ንምፍዋስ እውን ዝውዕል እዩ።
ነቲ ፈሳሲ ናይቲ ተኽሊ ንሸውዓተ ደቓይቕ ዝኣክል ብተደጋጋሚ ኣብ ምዕጉርቱ ለኸዮ።
ቁስሉ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝሽፈን እዩ ለኽይዎ። ንልዕሊ 30 ደቓይቕ ድማ ነቲ ተኽሊ ምምጋቡ ቀጸለ።
ድሕሪኡ እቲ ቆጽልን ቅብኣቱን ውጽኢቶም ክረኣይ ጀሚሩ። እቶም ተመራመርቲ ምልክት ረኽሲ ኣይረኣዩሉን፤ እቲ ቁስሊ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ተደፊኑ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ራኩስ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ።
ተመራመርቲ፡ እቶም ኦራንጉታን ብዝብል ዝፍለጡ ኣህባይ ነዚ ፍሉይ ተኽሊ ኣዝዩ ሳሕቲ ስለ ዝበልዕዎ ራኩስ እውን መድሃኒት ይለክይ ምህላዉ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኣብ መደምደምታ ንኽበጽሑ ምኽንያት ኰይንዎም።
"ነቲ ቅብኣት ናይቲ ተኽሊ ኣብ ቁስሉ ብተደጋጋሚ ይለኽዮ ነይሩ። ድሒሩ ድማ ተወሳኺ ደረቕ ተኽሊ እውን ለኽይዎ። እዚ ተግባሩ ንነዊሕ ዝፀንሐ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኢና ኰነ ኢሉ ከም ዝለኸዮ ንሓስብ" ትብል ዶክተር ኢዛቤላ ላውመር።
እቶም ተመራመርቲ፡ ራኩስ ካብቲ ልሙድ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ፡ ልዕሊ ፍርቂ መዓልቲ ዝኸውን ዕረፍቲ ክወስድ'ውን ተዓዚቦም።
እዚ ድማ ድሕሪ እቲ መጉዳእቲ ክሓዊ ይጽዕር ከም ዘሎ የመልክት።
ተመራመርቲ፡ እቶም ምስ ደቂ ሰባት ዝምድና ከም ዘለዎም ዝዝረበሎም ዓሌት ኣህባይ ንርእሶም ንምፍዋስ መድሃኒት ከም ዝጥቀሙ ካብ ቀደም ይፈልጡ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ 1960ታት ተመራማሪት ስነ-ህይወት ጄን ጉድል፡ ኣብ ሰገራ ቺምፓንዚ ምሉእ ቆጽሊ ዝረኣየት ኰይና፡ ካልኦት ድማ እቶም ምስ ደቂ ሰባት ምትእስሳር ዘለዎም ኣህባይ መድሃኒታዊ ባህርያት ዘለዎ ቆጽሊ ክውሕጡ ከም ዝረኣዩ ሰኒዶም።
ካልኦት እንስሳ ዘገዳም ግን ኣብ ቁስሊ ተኽሊ ክለኽዩ ርእዮም ኣይፈልጡን።
ዶክተር ኤዛቤላ ላውመር፡ ራኩስ ነዚ ዓይነት ሕክምና ክፍጽም ከሎ ንመጀመርታ ግዜ ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።