እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ወኻርያ’ እንስሳ ዘቤት ድያ ነይራ?
ጥንታውያን ደቂ ኣባት፡ ኣኽላባት ቅድሚ ምምጽኦም ነዊሕ እዋን ወኻርያ ከም እንስሳ ዘቤት ገይሮም ይሕዝዎም ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ።
ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነበሩ ጥንታውያን ሕብረተሰባት ደቂ ሰባት፡ ዋላ ምስ ሞቱ ወኻርያ ኣብ ጥቓኦም ይቕበሩ ከምዝነበሩ ይሕብሩ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ፓታጎንያ- ኣርጀንቲና፡ ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 1500 ዓመት ዘቑፀረ መቓብር ደቂ ሰባት፡ ኣዕፅምቲ ወኻርያ ምስ ረኸቡ እዮም ተገሪሞም።
እቲ ዝያዳ ክእመን ዝኽእል ግምታት፡ ወኻርያ ኣዝዩ ዝተኸብረ መቕርብ ወዲሰብ ወይ እንስሳ ዘቤት ምንባሩ እዩ።
መርመራ ዲኤንኤ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ እንስሳ ምስ ቅድመ ታሪኽ ዝነበሩ ሃደንቲ ሓቢሩ ከም ዝምገብን፡ ሓቢሩ ምሰኦም ይነብር ከም ዝነበረን ይሕብር።
ቅድሚ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ካልእ ክፋል ኣርጀንቲና ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ጥንታዎ መቓብር ተመሳሳሊ ዓይነት ቅሪተ-ኣካል ወኽርያ ተረኺቡ። እንስሳ ዘቤት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ኣመጋግባኡ ኣይተፀንዐን።
"እዚ ምስ ሃደንቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ዝመስል ቡኽርያ ምህላዉ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ርኽበት'ዩ" ትብል ዶክተር ኦፌሊ ለብራሰር ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ።
"ካብ ምልክት ንላዕሊ እዩ ነይሩ ዝመስለኒ፤ ብሓቂ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበረ እዩ ዝመስለኒ"።
እቲ ወኻርያ፡ ኣብቲ ኣብ ሓደ እዋን ጉጅለታት ሃደንቲ ዝነብሩሉ ዝነበረ ቦታ ካናዳ ሴካ ኣብ ኣርጀንቲና እዩ ተረኺቡ።
ኣብ መላእ ኣርጀንቲናን ፔሩን ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ መቓብር ደቂ ሰባት ኣስናን ወኻርያ በረኻ ተረኺቡ ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ እንስሳ ምልክታዊ ትርጉም ከም ዝነበሮ ይሕብር።
ኣብ መቓብር ሰብ ዳርጋ ምሉእ ዝኾነ ዓጽሚ ቡኽርያ ምርካብ ግን ኣብ ዓለማዊ መዝገብ ስነ-ጥንቲ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ።
እቲ ሳይንሳዊ መፀዊዒኡ ‘ዱሲዮን ኣቩስ’ ዝዀነ ቡኻርያ፡ ማእከላይ ስፍሓት ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብ 10-15 ኪሎ ግራም ዝምዘን ክብደት ነይሩዎ።
ቅድሚ 500 ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣኽላባት ዘቤት ናብ ፓታጎንያ ምስ መፅኡ፡ ድሕሪ ሒደት ኣማኢት ዓመታት ጠፊኡ።
እቲ መጽናዕቲ ምስ ዶክተር ሲንቲያ ካብ ኢንስቲትዩት ፍልቀት ኣብ መንዶዛ-ኣርጀንቲና ብምትሕብባር ዝተኻየደ ዀይኑ፡ ኣብ መጽሔት ሮያልሶሳይቲ ኦፐን ሳይንስ ተሓቲሙ።