ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጸብጸቡ ጋዜጠኛታት ቱርኪ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, MIR ALI KOÇER'S PERSONAL ARCHIVE
ጋዜጠኛ ሚር ዓሊ ኮቸር፡ ቱርኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥማ ካሜራኡን ማይክሮፎኑን ሒዙ ንቶም ዝደሓኑ ሰባት ቃለ መሕትት ገይሩ።
ኣብ ትዊተሩ ድማ ዝተፈላለዩ ዛንታታት ዘርጊሑ።
ሕጂ ግን "ናይ ሓሶት ዜና" ብምዝርጋሕ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ መርመራ ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል'ዩ።
ንሱ ሓደ ካብቶም ብውሕዱ ኣርባዕተ ዝምርመሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት እዩ።
ጉጅለታት ናጽነት ፕረስ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ከምዝተኣሰሩ፡ ከምዝተሃስዩ ወይ ጸብጻብ ከይህቡ ከምዝተኸልከሉ ይገልጹ።
ሰበስልጣን ቱርኪ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ኮቸር ኩርዳዊን ኮይኑ ኣብ ደገፍቲ ተቓወምቲ ዝኾኑ መርበባት ዜና ኣበርክቶ ክገብር ጸኒሑ እዩ።
ኣብታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመላ ምሸት፡ ካብ ዲያርባኪር ተበጊሱ ናብ ከተማ ጋዚያንቴፕ ከይዱ።
በቲ ዝነበረ ዕንወትን ግዳያትን ኣዝዩ ሰንቢዱ። ኣብ ጋዝያንቴፕ ብውሕዱ 3 ሽሕ ሞይቶም’ዮም።
ካሜራ ሒዙ ቃለ መሕትት ክገብር ከሎ "ንብዓተይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን" ይብል ኮቸር።
ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየ ከባቢታት ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ "ናይ ሓሶት ዜና" ዝዝርግሑን "ማሕበራዊ ህውከት ዘስዕቡን፤ ተኹተዂቲ" ዝበሎም ሰባት ክኽሰሱ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኮቸር፡ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየ ዞባ እናጸብጸበ እንከሎ፡ ፖሊስ ዲያርባኪር ኣብ ገዝኡ፡ ናብ መደበር ፖሊስ ከይዱ ቃሉ ክህብ ዝእዝዝ ደብዳበ ከም ዝገደፉ ይዛረብ።
ኣብቲ ጣብያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተኣታተወ ሕጊ ሓሶት ሓበሬታ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑ ተነጊርዎ።
ብዛዕባ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝምልከቱ ሕቶታት ከምዘቕረበሉን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ከምዝተኸሰሰን ገሊጹ።
እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ቱርኪ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ከም ገበን ዝቝጸር ኮይኑ፡ መንግስቲ መርበባት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንምቁጽጻር ኣዝዩ ዝሰፍሐ ስልጣን ክህልዎ ገይሩ’ዩ።
ሕጋዊ ተቖጻጻሪ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዝኾነ ኮሚሽን ቬኒስ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ጣልቃ ዝኣቱ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ተቓወምቲ ውድባት "ሕጊ ሳንሱር" ይብሉዎ ኣለዉ።
ኮቸር ኣብ ስርሑ ስሉጥ ምንባሩን ካብ ዝደሓኑ ክሳብ ፖሊስ፡ ጀንደርን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ንኹሎም ወገናት ቃለ መሕትት ከምዝገበረን ይገልጽ።
"ብዘይ ዕሙቕ ዝበለ መፅናዕትን ትንተናን ሓበሬታ ኣይዘርጋሕኹን" ይብል።
ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF)፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኮቸር ዝተኻየደ መርመራ "ዕሽነት" ብምባል፡ ሰበስልጣን ከቋርጽዎ ኣተሓሳሲቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተጣበቕቲ ጉጅለ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ብውሕዱ ተወሳኺ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ብገበን ተኸሲሶም ኣለዉ።
መርዳን ያናርዳግን ኤንቨር ኣይሰቨርን ኣብ ኢስታንቡል ዝመደበሮም ፍሉጣት ፖለቲካዊ ወሃብቲ ርእይቶ ኮይኖም፡ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣለዎም።
ክልቲኦም ነቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ነቒፎም’ዮም። ክልቲኦም ድማ ከም ኮቸርን መህመት ጉለሽን ኣብ መርመራ ይርከቡ።
መህመት ጉለሽ፡ ነቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዝነቕፍ ወለንተኛ ቃለ መሕትት ብምግባር "ጽልኢ ኣለዓዒሉ" ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ድሒሩ ከምዝተፈትሐን ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዝሒ ናይቶም ካልኦት ኣብ ምጽራይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንጹር ኣይኮነን።
ብሰሉስ ፖሊስ፡ 134 ሰባት ብሰንኪ "ዘለዓዕሉ ጽሑፋት" ከምዝሓዙን ካብኣቶም እቶም 25 ከምዝተኣሰሩን እኳ እንተገለጸ፡ መንነቶም ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ገለ ካብቶም ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ስደተኛታት እዩ።
ነቐፍቲ ግን እቲ ማእሰርቲ ካብ ጎዳኢ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝሓለፈ ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢስታንቡል ቢልጊ ዝምህርን ክኢላ መሰላት ሳይበርን ዝኾነ ያማን ኣክደኒዝ፡ "መንግስቲ ካብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመጽእ ሓበሬታ ንምዕፋን ይጽዕር ኣሎ" ይብል።
እዚ ማእሰርቲ፡ ፕረዚደንታዊ ዳይረክቶሬት መራኸቢታት ቱርኪ፡ ነቲ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ "ቀታሊ ግጉይ ሓበሬታ" ከይዝርጋሕ ምጥንቃቑ ስዒቡ እዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ብተወሳኺ እቲ ዳይሬክቶሬት፡ "ኣገልግሎት ጸብጻብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ" ዝበሃል መተግበሪ ብምትእትታው ሰባት ብዛዕባ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝገልጹ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ክጥቁሙ የተባብዕ ኣሎ።
"ሰበስልጣን [ቱርኪ]ን መንግስትን ኣብ ዝኾነ እዋን ክንቀፉ ኣይፈትውዎን እዮም" ይብል ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ጋዜጠኛ ኣርዙ ጌይቡላ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቶም መርመራ ዝግበረሎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ብጉጅለታት ተጣበቕቲ መርመራታት ከቋርጹ ዝቐረቡ ጻውዒታትን ብዝምልከት ካብ ፕረዚደንታዊ ዳይረክቶሬት መራኸቢታት ቱርኪ ርእይቶ ክረክብ’ኳ እንተፈተነ፡ ዛጊድ መልሲ ኣይረኸበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







