እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑድ ዓረብን እስራኤልን ውዕል ሰላም ንምኽታም ተቓሪበን
መራሒ ስዑድ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሃገሩ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ምስ እስራኤል ዘለዋ ምቅርራብ ተደልድሎ ከምዘላ ገሊጹ።
ኣብ መንጐ እዘን ንነዊሕ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘይነበረን ሃገራት ዝግበር ስምምዓት ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ እቲ ምስ ማዕከናት ዜና ብዙሕ ቃለ መሕተት ዘየካይድ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብቲ ብመንጐኛነት ኣሜሪካ ዝግበር ርክባት [ስዑድያን እስራኤልን] ጉዳይ ፍሊስጤም ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ነቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዝግበር ዘተ ኣመልኪቱ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካን እስራኤልን፡ ስዑድያ ብግልጺ ዩራንየም ነኸተፍሪ እትክእለሉ ውጥን ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ዩራንየም ኒዩክለር ንመስርሒ ዝውዕል ባእታ’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት ኒዩክለር ምስ ዝዓጥቓ ዘስዕቦ ሓደጋ ገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ብስትሪት ዎል ጆርናል ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ግን ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን ኣብቲ ኣብ ኒውዩርክ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንእግረ መንግዶም ተራኺቦም ምስ ተዘራረቡ’ዩ እዚ ብፎክስ ኒውስ ዝተኻየደ ቃለ መሕተት ናይ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተቓሊሑ።
ክልቶም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ስዑድ ዓረብን ንመጀመርታ ግዜ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽጅመር ከምዝተዘራረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ዩ።
ኣሜሪካ ምስ እስራኤልን ምስ ስዑድ ዓረብን ጥቡቕ ርከብ ዘለዋ መሓዛ ክልቲኤን ሃገራት’ያ።
እስራኤል ድሕሪ ርክብ ቤንያሚን ነታንያሁን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ኣብ ዘውጽአቶ ወግዓዊ መግለጺ እቲ ዘተ “ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ስዑድ ዓረብን ታሪኻዊ ውዕል ሰላም ንምኽታም ዝዓለመ’ዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጐ ኣዕራብን እስራኤልን ዝጸንሓ ግጭት ንኽመሓየሽ ዘኽእል’ዩ” ኢላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኢሊ ኮሀን ምስ መደበር ራድዮ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፤ እቲ ውዕል ሰላም ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ክኽተም ከምዝኽል ብምግላጽ “እቲ ዘሎ ፍልልይ ክጽገን ዝኽእል’ዩ፡ ግዜ ክወስድ’ዩ እንተዀነ ምምሕያሻት የርኢ ኣሎ” ኢሉ።
ምምሕዳር ባይደን ከምዚ ዓይነት ገደብ ግዜ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ - ብፍላይ ኣብቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዝመርሖ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ብብዙሕ ሸነኻት ስለእትንቀፍ፡ ነዚ ከዐውቶ እንተኽኢሉ ጆባይደን ኣብ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊስኡ ርኡይ ስራሕ ከምዝሰርሐ ምስክር ክዀኖ ይኽእል’ዩ።
ስዑዲ ዓረብ ከም መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ምስ ፍልስጤማውያን ዘለዋ ምትሕግጋዝ ንምርኣይ ንእስራኤል ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ተቘጢባ ዘላ ሃገር’ያ።
እንተዀነ ኣሜሪካ ነዚ ንምጽጋን ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚራ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።
ከም መርኣያኡ ኣብ 2020 ብመንጎኛነት ኣሜሪካ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከምኡ ከኣ ባሕረይን ታሪኻዊ ክልትኣዊ ስምምዕ ክፍረም ተኻኢሉ’ዩ።
እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ከም ዓብላሊት እትግለጽን ቀንዲ ማእከል እምነት እስልምናን እትውሰድን ስዑድ ዓረብ፡ ከም መባድልቲ ምስ እስራኤል እትገብሮ ርከባት፡ ካብ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ሓገዛት ክግበረላ፡ ንሲቪላዊ መዓላ ዝኸውን ኒዩክለር ከተፍርን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ሕድገታት ክትገብርን’ያ ከም ቅድመ ኵነት ትሓትት ዘላ።
ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብቲ ምስ ፎክስ ኒውስ ብእንግሊዝ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ “ንዓና ጉዳይ ፍሊስጤም ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ፡ እዚ ክንፈትሖ ኣለና፡ ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ መዛተዪ ስትራተጂ ኢና ሒዝና ዘለና” ኢሉ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ መራሕቲ ፍሊስጤም ናብ ሪያድ ብምኻድ፡ ምስ ሰብስልጣን ስዑድ ዓረብ ተራኺቦም፡ ኣብቲ ስዑድያ፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝሳተፋኦ ዘተ ዘለዎም ጠለባት ከምዘቕረቡ ይዝከር።
ሰብ መዚ ፍልስጤም፡ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክወሃቦምን ኣብቲ እስራኤል ተቘጻጺራቶ ዘላ ምዕራባዊ ገማግም ዝያዳ ናይ ምቍጽጻር መሰል ክህልዎምን ከምዝሓተቱ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።
ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብሓባር ናይ ምስራሕ መደብ እንተሃልይዎ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ፍልስጤማውያን እቲ ዝግባኦም ክወሃቦምን እቲ ዞባ ክረግእን ዘኽእል ስምምዕ እንተበጺሕና፡ ምስ ዝዀነ ኣብኡ [እስራኤል] ዘሎ ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና” ኢሉ።
ብዙሓት ኣባላት ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ፡ ነቲ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምፍታሕ ዝብል ሓሳብ ብጽኑዕ’ዮም ዝቓወምዎ።
እቲ ዝግበር ውዕላት ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ ቓዛን፡ ጐድኒ ጐድኒ እስራኤል ናጻ መንግስቲ ፍልስጤም ክትፈጥር ዘኽእልን፡ ርእሰ ከተማኣ ድማ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ንኽትከውን ዘፍቅድን’ዩ ብምባል’ዮም ነቲ ሓሳብ ብትሪ ክነጽግዎ ዝርኣዩ ዘለዉ።
ብዘይካ’ዚ፡ 11 ሓገግቲ ኣካላት ናይቲ በንያሚን ነታንያሁ ዝመርሖ የማናይ ክንፊ ሰልፊ ሊኵድ፡ ነታንያሁ ብሽም ምስ ስዑድያ ዝገብሮ ውዕል መሬት ንፍልስጤም ኣሕሊፉ ክህብ’ዩ ብምባል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ኣለዉ።