እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓረስቶት ትግራይ ሰኣን ዘርእን ድኹዕን እዋን ማሕረስ ከይሓልፎም ፋኦ ኣጠንቂቑ
ሓረስቶት ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ዘርእን ዘመናዊ ድኹዒን እዋን ማሕረስ ክሓልፎም ከምዝኽእል ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣጠንቂቑ።
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ንክረምቲ ክዘርኡ ምእንቲ ዘድሊ እታወታት ክቐርበሉ ከምዘለዎ ውድብ መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
ዘርእን ድኹዒን ኣብ ግዚኡ እንተዘይመፂኡ እቲ ወቕቲ ክውዳእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀገም ውሕስና ምግቢ ዝያዳ ዘጋድድ እዩ ክብል ፋኦ ብ15 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ዝሓሸ ዝናብ ክህሉ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘንቆልቁል ዘሎ ቀረብ መግቢ ንምምሕያሽ ኣገዳሲ ዕድል ከምዝኾነ ይግመት።
ብመሰረት ሓበሬታ ፋኦ ዝበዝሑ ሓረስቶት ትግራይ ሕዚ ናይ ሕርሻ መሬቶም ኣዳልዮም ንዝመጽእ ዝናብ ይፅበዩ’ኳ እንተሃለዉ ውሱንነት ቀረባት ሕርሻ ብፍላይ ዘመናዊ ድኹዕን ምሩፅ ዘርእን ግን ስክፍታ ኣሕዲሩሎም ኣሎ።
ፋኦን መሻርኽቱን፡ ብመሰረት እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኹዒ ንምዕዳግን ንምቕራብን ዘቐመጦ ገደብ ግዘ ብቕልጡፍ ንምቕራብ 96 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮም ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለምን መሻርኽቱን 10 ሚእታዊ ጠለብ ድኹዒ ንምምላእ 11 ሚልዮን ዶላር ከዋህልሉ እንተኽኣሉ’ውን ዝተረፈ እታወታት ንምሽፋን ግና 85 ሚልዮን ዶላር የድሊ።
እቶም ትካላት 60 ሽሕ ቶን ድኹዒን 4 ሽሕ ቶን [ካብቲ ዝድለ 8 ሚኢታዊት ጥራሕ] ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየ ዘርእን ናብ ሓረስቶት ዘቕርቡሉ መንገዲ ይደልዩ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ፋኦ ዘርኢ ዝዝርኣሉ ውሱን ግዘ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም እታወታት ብህፁፅ ምቕራብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።
“ኣብ ትግራይ ንዘሎ ምህርቲ ምግቢ ናይ ምድጋፍ ኣገዳስነት ክንገልፆ ካብ እንኽእል ንላዕሊ እዩ። እቲ ክልል ብዘይ እኹል ዘርእን ድኹዒን ንህዝቢ ዝምግብ ፍርያት ከፍርይ ዝኽእለሉ ተኽእሎ የለን ”ይብል ወኪል FAO ኣብ ኢትዮጵያ ዴቪድ ፔሪ።
ትካሎም ብኵናት ኣብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገብሮ ፋይናንሳዊ፣ ንዋታውን ቴክኒካውን ደገፍ ንምዕባይ ይፅዕር ከምዘሎ እውን ወሲኹ ገሊፁ።
ናብተን ክልላት ምብፃሕ ኣዝዩ ቀሊል እኳ እንተኾነ እኹል ንዋታዊ ደገፍ ከምዘየለ’ዩ ሓቢሩ።
ሓረስቶት ኣብ እዋን ቀውዒ እኹል ደገፍ እንተቐሪቡሎ፡ ፍርያቶም ብምእካብ ኣብ ጥቅምቲ ንብዓሎም ክምገቡ ከምዝኽእሉ ዘመልከተ እቲ መግለፂ፡ ክሳብ ዝቕጽል ግዜ ፍርያት ድማ ውሕስና ምግቢ ዝያዳ ከምዘረጋግፅ ኣረዲኡ።
እቶም እታወታት ሕርሻ ክቐርቡ እንዘይክኢሎም ግና ዝቕጽል ግዘ ሕርሻ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስለዝኸውን፡ ነቲ ዘሎ ጥሜት ንተወሳኺ ዓመት ከናውሖን ኣድላይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ከምዝገብሮን ኣጠንቂቑ’ሎ።
“ዘርኢ ክዝርኣሉ ኣብ ዝግባእ ወሳኒ እዋን ኢና ዘለና። ከቢድ ጥሜት ንከየጋጥም እንኽእለሉ ፀቢብ ዕድል ኣለና። እዚ ክኸውን ዝኽእል ንፍርያምነት እቲ ክልል ብምድጋፍ እዩ። እዚ ድማ ካብ ጥሜት ተወሳኺ ንዘጋጥም ዝለዓለ ተፀባይነት ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ዘትርፍ’ዩ” ይብል ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሓደጋን ተፃዋርነትን FAO ረይን ፖልሰን።
ንነዊሕ እዋን ብዘይ ሓገዝ ዝጸንሐት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ፌደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ምእዋጆም፡ ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ክኣትዋ ጀሚረን ኣለዋ።
ይኹን እምበር ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽንን ባንክን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክሳብ ሎሚ ተቛሪፁ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ዑደት ዘካየደ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርቺች መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክመልሶም ፀዊዑ ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣትው ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዝድለ ከባብታት ንክባፃሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ነዳድን ጥረ ገንዘብን ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።