እታ ኣብ ግሪኽ ዝጠሓለት ጃልባ 100 ህጻናት ከም ዝነበርዋ ይንገር ኣሎ

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ እታ ጃልባ ቅድሚ ምግልባጣ ዝተወሰደ ስእሊ ዘርጊሑ

ምንጪ ስእሊ, HELLENIC COAST GUARD

ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፡ ክሳብ 100 ህጻናት ከም ዝነበሩ ካብቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ ዝደሓኑ ውጻ'እ መዓት ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝኸፍአ ቅዝፈት ስደተኛታት ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ሓደጋ፡ ብውሑዱ 78 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብታ መርከብ ክሳብ 750 ሰባት ተሳፊሮም ምንባሮም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ ብምህላዎም ግን፡ ደሃይ ብዙሓት ኣብቲ ባሕሪ ጠፊኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።

ተሌቪዥን ግሪኽ፡ ብምስጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠሩ መብዛሕትኦም ግብጻውያን ዝዀኑ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ኣቃሊሓ።

ሓለዋ እቲ ገማግም ባሕሪ ኣቐዲሙ ዝግባእ ሓገዝን ምትእትታውን ብዘይምግባሩ ክንቀፍ እንከሎ፡ ሰብመዚ ግን ዘቕረብዎ ሓገዝ ከምዝተነጽገ ይገለጹ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ ካብ ገማግም ንደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 50 ማይልስ ርሕቐት ሓደጋ ዘጋጠመሉ ክፋል ባሕሪ ኣለሻ ዝገብሩ ዘለዉ ኰይኖም፡ ብዙሓት ብሂወት ናይ ምርካብ ተስፋኦም ማህሚኑ ኣሎ።

እታ ካብ ግብጺ ጥርሓ ዝተበገሰት መርከብ፡ ኣብ ሊቢያ ወደብ ቶብሩቕ ናብ ኢጣልያ ንምኻድ ዝጽበዩ ስደተኛታት ከም ዝነበርዋ፡ ማዕከናት ዜና ግሪኽ ይገልጻ ኣለዋ።

ዝተወስደ ኣሳእል እታ ጃልባ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ኵሉ ክፍልታታ ብጻዕቂ ሰባት ተጠርኒቓ ነይራ። ኣብታ ጃልባ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ሓበሬታ ግን፡ ካብቶም ውጻእ መዓት ንዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ዝሓከሙ ዶክተራት ዝተረኽበ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካላማታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ 100 ህጻናት ኣብታ ጃልባ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ልቢ ዶክተር ማኖሊስ ማካሪስ፡ “ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ከም ዝነበሩ ነጊሮምና፡” ኢሉ።

ክልተ ተሓከምቲ ግምታዊ ኣሃዝ ከም ዝሃቡ ድማ ሓቢሩ።

“ሓደ፡ ኣስታት 100 ህጻናት ከም ዝነበሩ ነጊሩኒ፣ ካልእ ድማ 50 ነይሮም ኢሉ። ስለዚ እቲ ሓቂ ኣይፈልጦን፤ ዝዀነ ይዅን ግን ብዙሕ እዩ” ክብል፡ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ዶክተር ማካሪስ፡ ኣብቲ ሓደጋ ክሳብ 600 ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይኣምን።

“ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት 750 እዮም። እዚ ቝጽሪ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ዝነገሩኒ ልክዕ ኣሃዝ እዩ” ኢሉ።

ስድራ ናይቶም ደሃዮም ዝጠፍኡ ግብጻውያን ህጻናት፡ ምስ ሓከሞም ከለልዮም እዩ ብዝብል ተስፋ፡ ስእሊ ከም ዝለኣኽሉ ዶክተር ማኖሊስ ማካሪስ ይሕብር።

“ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። ኵሉ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ሰብ ነዚ ኵነታት ክቕበሎ የብሉን። ዝዀነ ነገር ክንገብር ኣለና። ዳግማይ ንኸየጋጥም ኵሉ ሰብ ዝዀነ ነገር ክገብር ኣለዎ” ክብል ተማሕጺኑ።

ሪፖርተር እቲ ካብ ግሪኽ ዝፍኖ ተሌቬዥን ኤኤንቲ1 ንሓደ ውጻእ መዓት፡ ኣብታ ጃልባ 100 ህጻናት እንተነይሮም ሓቲቱ፤ እቲ ግዳይ ድማ፡ “እወ” ክብል ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ነቲ ቍጽሪ ከረጋግጾ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ትካል ገባሪ ሰናይ 'ህጻናት ኣድሕን' ግን ንገለ ካብቶም ዝደሓኑ ተወኪሱ ኣረጋጊጽዎ'ሎ።

ስድራቤታት እቶም ዝጠፍኡ ሰባት፡ ሃለዋት ዝፈትውዎም ንምርካብ ናብ ካላማታ ይመጽኡ ኣለዉ።

ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጸ ኣፍታብ፡ ብውሑዱ ናይቶም ካብ ፓኪስታን ዝነቐሉ ኣርባዕተ ኣዝማዱ ደሃይ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

“ኣዝማደይ ኣብታ ጃልባ ነይሮም። መረጋገጺ ረኺብና ኢና። ሓደ ካብኦም ኣብ ማእከል ሂወት ኣድሕን ረኺብናዮ። ካልኦት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይረኸብናዮምን” ኢሉ።

ካብ ኔዘርላንድስ ዝመጸ ሶርያዊ ድማ፡ ደሃይ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝሰኣነ ሓቢሩ።

ቓስም ኣቦዚድ፡ “ሰብመዚ ሬሳኦም ኣብቲ ባሕሪ ይደልዩ ኣለዉ... ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብ መንጐ ዝሞቱን ብህይወት ዝተረፉን ሰባት ይደልዩ ኣለዉ” ኢሉ።

ግሪኽ ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመ መዓት፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።

ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቴንስ፡ ተስሎንቄን ካልኦት ከባቢታትን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም።

ግሪኽ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ዝኣትውሎም ቀንዲ መስመራት እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቶም ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓይሊ ከም ዝሰጐጎም ዝገልጽ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ነቐፌታ ከም ዝወረዶ ይፍለጥ።