እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
11 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ሶማልያ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም
ኣብ ሶማልያ ኣብ ከባቢ ቦሳሶ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና 11 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝሞቱ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት [ኣይ.ኦ.ኤም] ኣፍሊጡ።
ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ከምዝሓበሮ፡ እዚ ሓደጋ መኪና ዝሓለፈ ሰሉስ 25 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ምሸት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ብውሕዱ ካልኦት 20 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት በቲ ሓደገኛ መስመር ባሕሪ ናብ የመን ንምስጋር ብምሕሳብ ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ተበጊሶም ብኣሰጋገርቲ ሰብ ናብ ቦሳሶ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ይግለፅ።
እታ ዝጓዓዙላ ዝነበረት መኪና ኣብ መንገዲ ብምግልባጣ ድማ እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ሞትን መጉዳእትን ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝነበሩ ነበርቲ፡ ሬሳታት 11 ሰባትን ብኸቢድ ዝቖሰሉ ስደተኛታትን ናብቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝተጨናነቐ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቦሳሶ ከምዝወሰዱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ሶማልያ ሓላፊ ተልእኾ እቲ ትካል ፍራንዝ ሴሌስቲን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናብ ቦሳሱ ናውቲ ሕክምና ከምዝለኣኸን ነቶም በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ስደተኛታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ይገብር ከምዘሎን ገሊጹ።
ካብ 2019 ጀሚሩ፡ በቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝወስድ "ምብራቓዊ መስመር"፡ ንምስጋር ፈቲኖም ዝሞቱን ደሃዮም ዝተሰኣኑን ስደተኛታት ልዕሊ 1100 ሰባት በፂሖም ኣለዉ።
ይኹን እምበር ቁጽሪ ናይቶም ከምዝሞቱ ተረጋጊፁ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ስደተኛታት ካብቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ሞት ዝወሓደ ምዃኑ ኣይ.ኦ.ኤም ይሕብር።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ካብ ሃገሮም ወፂኦም፡ ግን ድማ ናበይ ከም ዝኣተዉ ከምዘይፍለጥ ብስድራቤቶ ሪፖርት ዝተገበረሎም ሰባት ልዕሊ 50 ሽሕ ይበፅሕ።
እቲ “ምብራቓዊ መስመር” ብዝብል ዝፍለጥ መገዲ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገማት ባሕሪ ሰጊሮም ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ንምእታው ዝጓዓዙሉ መንገዲ እዩ።
ጸብጻብ ኣይኦኤም ከም ዘመልክቶ፡ እቶም በዚ መንግዲ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ብዘይካ እቲ ኣብ ባሕርን ናይ ምድሪ መጓዓዝያን ዝበፅሖም ሓደጋታት፡ ብኣሰጋገርቲ አውን ዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቅያት ከምዝበጽሖም እቲ ትካል ስደተኛታት የመልክት።
ይኹን እምበር እዚ ኩሉ ሓደጋታትን ዘሕዝን ፍፃመታትን እናጋጠመ’ውን በዚ መስመር ዝስደዱ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ እዩ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ጥራይ 21,469 ስደተኛታት ናብ የመን ዝኣተዉ ኮይኖም እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝኣተዉ 14,298 ስደተኛታት ርኡይ ወሰኽ ኣለዎ።
ብፍላይ ካብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ብምብጋስ ብጅቡቲ ወይ ብሶማልያ ኣቢሎም ብኣሰጋገርቲ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋታት ከምዝሞቱ ክጽብጽብ ፀኒሑ’ሎ።