እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ 10 ዜጋታት ኮንጎ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ሞይቶም
ሰበስልጣን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ በቲ ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 10 ካብ ዜጋታቱ ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዜጋታቱ ኣብቲ ኣህጉራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪቃ (International University of Africa.) ከምዝተቐትሉን ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ምስናይ ክቱር ሓዘን ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ክሪስቶፍ ሉቱንዱላ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያንን ዘይዕጡቓትን ሰባትን ኣብ ዝነበርሉ ኣከባቢ በቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ከም ከምዝተፈጸመ ዘርኢ ምልክታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብቲ ኩነታት ተወሳኺ መብርሂ ክህቡ ይጸበ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኮንጎ፡ ንዝቖሰሉን ካልኦት ገና ኣብ ካርቱም ተዓጽዮም ንዘለዉን ዜጋታቱ ንምውጻእ ዘኽእል ሰብኣዊ ኣፍደገ ክህሉ ጸዊዑ።
ኣብታ ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚራ፡ ዓውደ ውግእ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኮይና እትርከብ ካርቱም፡ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ኪኾኑ እንከለዉ ብዙሓት ድማ በቲ መስቀላዊ ተኹሲ ተቐርቂሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
ነቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ደው ንምባል ብመንጎኝነት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ፈተነ ምቁራጽ ተዂሲን፡ ነቶም ክልተ ተቀናቐንቲ ሓይልታት ናብ ምርድዳእ ምብጻሕን ዝዓለመ ዝርርባት ኪካየድ እኳ እንተጸንሐ ዛጊት ግን ኣይተዓወተን።
እታ ንብዙሓት ስደተኛታት ብምዕቋብ'ውን እትፍለጥ ሱዳን፡ ኣብቲ ዞባ ልዑል ተስፋ ዝተገብረላ ሃገርኳ እንተነበረት ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ይትረፍ ንወጻእተኛታት ዜጋታታ እውን ቀሲኖም ክሰፍሩላ ዘይትኽእል ሃገር ኮይና ኣላ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርታ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክሃድሙን ክሰደዱን ይረኣዩ ኣለዉ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ኬንያ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ከምዝበሎ፡ እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ኬንያ ንምውጻእ ተባሂሉ'ዩ ተኸፊቱ ክቕጽል ጸኒሑ።
ሕጂ ግን እቲ ኩነታት እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ክዕጾ ከምዝተወሰነ እቲ ሚኒስትሪ ኣነጺሩ'ሎ።