እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከተማ ካፌታት፡ ምስ ቡን ፍሉይ ፍቕሪ ዘለዋ ከተማ ዓለምና
ዝዀነ ናብ ቻይና ዝገሸ ሰብ፡ ኣብ ጐደናታት ሻንጋይ ከይተዛወነን ንካፌታታ ከይበጽሐን ክምለስ ኣይኽእልን።
ካልኦት እግርኻ ከየዕረፍካሎም ክትሓልፍ ዘይትኽእል ገለ ፍሉያት ከባቢታት ግን ኣለውዋ።
ኣብዛ፡ ኣዝዩ ልዑል ፋይናንሳዊ ልውውጣት እናተኻየደላ እትውዕል ከተማ ሻንጋይ፡ ብዙሓት እንዳ ቡን ስለ ዘለዋ፡ መንግስቲ እታ ከተማ ካብ ዝዀነት ከተማ ዓለም ዝበዝሐ ካፌታት ዘለዋ’ያ ይብል።
ባህሊ ካፈ እታ ከተማ ካብ ዝምዕብል ዓመታት’ኳ እንተኣቑጸረ ድሕሪ ኮቪድ-19 ግን ዝያዳ ዕብየት ኣርእዩ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ መቕርቦምን ቤተሰቦምን ንምርኻብ ዝመርጹዎም ቦታታት ይዀኑ ኣለው።
እዚ ድማ፡ ቀዋሚ ዓሚል ንምሓዝ ሓያል ንሕንሕ ክፍጠር ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ሰብመዚ ሻንጋይ “ኣብታ ከተማ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ካፈታት” ከም ዘለዋ ይዛረቡ።
ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ባህሊ ቡን ሻንጋይ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም፡ 9,553 እንዳ ቡን ከም ዝነበራ የመልክት።
ካልኦት ከተማታት ቻይና ክሳብ ሕጂ ከም ስታርባክስ ዝበሉ ዓበይቲ ሰንሰለታት ቡን ዝርከቡለን ክዀና እንከለዋ፡ ኣበዚ እዋን ካልኦት ትካላት ይዕምብባ ኣለዋ።
ዋና ‘ሂድን ትራክ’ ዝተባህለ ትካል ዶንግ ሻኦሊ፡ ንቡን ዝነበራ ፍሉይ ፍቕሪ ናብቲ ኢንዳስትሪ ክትኣቱ ከም ዝደረኻ ትዛረብ።
ቀሊል ግን ኣይነበረን።
ኣሰራ ክስዕብ ንዝደሊ ሰብ ግን፡ “ይትረፍካ/ኪ” ምበልኩዎ እያ ትብል።
“እዚ ስራሕ ዝሓቶ ወፍሪን ኣታዊኡን ኣዝዩ ዝተፈላለየ’ዩ። እቶም መሽናት ኣዝዮም ክቡራት’ዮም፤ እቲ ገዛ ንምምልኻዕ’ውን ብዙሕ ገንዘብ ኢኻ ተውጽእ። ምስ ካልኦት ኢንዱስትሪታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ኢኻ ትረክብ”።
ኣብዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዝወፍርሉ ዕዳጋ ንክትዕወት፡ ዓማዊል ክስሕበልካ ዝኽእል ፍሉያት ነገራት ከተተኣታቱ ግድን ይኸውን ማለት’ዩ።
‘ሂድን ትራክ’ ቀረባቱ ውሱናት ክዀኑ ክገብር እንከሎ፡ ቅልል ብዝበለ መገዲ ንዓማዊሉ ዘመናዊ ስምዒት ክፈጥር ይሕልን።
ኣብ እንዳ ቡን ክትርአ ምኽኣል፡ ከም ከተመታይ ዝቑጸር ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብብዝሒ መንእሰያት ዓማዊል ዝርኣይሉ ክኸውን ገይሩዎ እዩ።
እተን ካፌታት ክኣ ብዙሓት መንእሰያት ቡን ክሰትዩን ከዕልሉን ዝርኣዩለን ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዀና ገይሩወን ኣሎ።
ነበርቲ ሻንጋይ፡ በቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘማዕበሉዎ ባህሊ ካፌ ኣዝዮም ሕቡናት’ዮም።
“ሻንጋይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ማእከል ዓለምለኻዊ ንግዲ’ያ፤ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኢና ቡን ክንሰቲ ጀሚርና። ንኣሽቱ ከተማታት’ውን በብቑሩብ ዝተፈላለየ ዓይነት ካፈታት ይኸፍታ ኣለዋ” ይብል ሓደ ኣብ እንዳ ሻሂ ኰፍ ኢሉ ዝረኸብናዮ ሰብኣይ።
ሓንቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ውልቀሰብ’ውን፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ባህሊ ካፌታት ቡን ጽኑዕ ባይታ ዝሓዘ’ዩ ትብል።
ኣብ መዓልቲ ክንደይ ፍንጃል ቡን ከም እትሰቲ ምስ ተሓተተት፡ እንዳስሓቐት “ክንዲ ቃሕ ዝበለኒ” ክትብል እያ መሊሳ።
ብዝሒ እተን ካፈታት እናወሰኸ ምስ ከደ ድማ፡ ሸውሃት ጣዕሚ ቡን ክፍትኑ ዝደልዩ ሰባት ወሲኹ።
እቶም ካፌታት ድማ ሓድሽ መኣዛታትን ሓድሽ ኣቀራርባ ቡንን ከተኣታትው ይርኣዩ።
R1070 ዝተባህለ ካፌ ዘመሓድር ዩዋን ጂንግፈንግ፡ እቲ ቡን ካብ ጃፓን ከም ዝመጽእ ይዛረብ።
“ዋጋታተይ ኣዝዩ ኣዝዩ ልዑል እዩ። እቲ ካብ ደገ ዘምጽኦ ቡን፡ ቅዲታት ኣመሪካን ጥልያንን ገይረ’የ ዘቕርቦ፤ ኵሉ ግን ኣብ ዝተዓሸገ’ዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዋጋ ቡን ኣዝዩ ወሲኹ’ዩ። ኣብ የመንን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ኲናታት ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም። እቲ ጽቡቕ ፍረ ቡን እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፤ ቁጽሪ ሰተይቲ ቡን ድማ ይወስኽ” ይብል።
ካልእ ‘ኤሲ’ ዝተባህለ ብምስማዕ ዝተስኣኖም ዝውነንን ምስማዕ ንዝተሳእኖም ዝቘጽርን እንዳ ቡን’ውን ኣሎ።
ያንግ ያንፋንግ – ኣብ ኤሲ ነቶም ብምልክት ቋንቋ ክዛረቡ ዘይክእሉ እትትርጉም – ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ “ሰባት ኣብ እንዳ ቡን ክራኸቡ ድልየት ኣለዎም። ሻንጋይ ድማ ናይ ብሓቂ ጠንካራ ባህሊ ቡን ዘለዋ እያ” ትብል።
“መግቢ ክዘልል እኽእል እየ፤ ቡነይ ግን ክዘልል ኣይክእልን እየ” ኢላ።
ኤሲ ካፌ ጽሙማን ባሪስታታትን ተርጐምቲ ቋንቋ ምልክትን ይቖጽር
ኣብ ሓደ ጽርግያ ኣብ ውሽጢ 200 ሜትሮ ጥራይ 18 ካፈታት ቈጺርና። ኩሎም ኣብ ውሽጦም ብዙሓት ዓማዊል ሒዞም’ዮም ዝርኣዩ።
ብመሰረት ገለ ግምታት፡ ዕዳጋ ቡን ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 260 ቢልዮን ዩዋን (35 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝነበረ ይግለጽ።
እዚ፡ ብ100 ቢልዮን (13 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ክውስኽ ከም ዝኽእል’ዩ ተገሚቱ።
ዕዳጋ ቡን እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ58 ሚኢታዊት ከም ዝዓበየ ፖርታል ቡን ዓለም ሓቢሩ።
ሻንጋይ ኣዝያ ክብርቲ ከተማ ስለ ዝዀነት፡ ሓደ ዓይነት ቢዝነስ ጥራይ ሒዝካ ክትኸይድ ኣጸጋሚ እዩ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዋና እዘን ካፌታት ጽሓይ ምስ ዓረበት፡ ንካፈታቶም ናብ ባራት ይቕይሩወን ኣለው፤ ሓሓሊፉ ድማ ምርኢት ሙዚቃ ይቐርበለን።
“ተስፋ ዘለዎ ሰብ’የ፤ ቁጠባ ቻይና ቀልጢፉ ናብቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ክምለስ ክኣ ተስፋ እገብር። እቲ ቁጠባ ክሓዊ እንተኽኢሉ ሰብ መኽሰብ ክረክብ እዩ” ይብል።