ልኡኻት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሕቡራት ሃገራትን ንዘተ መቐለ ኣትዮም

ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ከምኡ’ውን ፣ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታት ገለ ሃገራትን ምስ መራሒቲ ትግራይ ንምዝታይ ከተማ መቐለ ኣትዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፣ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር ካብ ሞንጎ እቶም ናብታ ከተማ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ እንትኾኑ፡ ምስ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ከም ዝዘተዩ ዝወፅአ ሓባራዊ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንን ሓዊሱ ብርክት ናይ ዝበሉ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት ኣብቲ ዑደት ከምዝተኻተቱ’ውን ፀብፃባት የመልክቱ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ዕልባት ክረክብን ዘላቒ ሰላም ክመፅእን ተላብዮም።

ብክልቲኦም ወገናት ንዘተ ሰላም ቅሩብነት ምርኣዮም ብምንኣድ፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪፆም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ ፀዊዖም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኵሎም ዓይነት መራኸቢታትን ባንክን ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዝርከቡ ኰይኖም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው የጋድዶ ከምዘሎ ይዝረብ።

ድምጺወያነ ከምዝበሎ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር’፡ ንዕኡ ስዒቡ 'ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዊ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት' ከምኡ እውን ‘ዘይዕላዊ ኣዋጅ ክባን ዕፅዋን’ ኣመልኪቱ ካብ መራሕቲ ትግራይ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎም።

ብተመሳሳሊ መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ንሰላም ዘለዎም ቅዋም፣ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መሰረተ-ልምዓትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ብዝምልከት’ውን ዛዕባ እቲ ዘተ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ 28 ሓምለ ኣማኻሪ ጕዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቶም ዲፕሎማስኛታትን ኣምባሳደራትን ናብ መቐለ ክኸዱ ከም ዝተፈቐደሎም ብመገዲ ትዊተር ምግላፁ ይዝከር።

ኣማኻሪ ጕዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ "እቲ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክጅመር ይግባእ፡" ዝበለ ኮይኑ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ከምዝደልይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ።

ብኣንፃሩ፡ ኣቦ ወንበር ህወሓትን መራሒ ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ምዕራብ ትግራይ ናብ ግዝኣት 'ቲ ክልል ክምለስ፣ ዝተቛረጹ ህዝባዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን እቲ ዘተ ብመንግስቲ ኬንያ ክምእኸልን ከምዝግባእ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ን21 ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾናን ጸብጻባት የመልክቱ።

ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝፀንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ውፅኢት እንተዘየምፀአ'ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ፡ ናይሮቢ ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ትፅቢት ይግበር።