እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘተ 'ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኵነት ክጅምር ይግባእ' ኢሉ
መንግስቲ ፌደራል ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝግበሮ ዘተ ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታን ግዜ ከካይዶ ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዘተ፡ ብዘይዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ክጅምር ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ።
ኣማኻሪ ጕዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ምስ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዮስን ብሓባር ብምዃን፡ ንልኡኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ከምኡ'ውን ንኣምባሳደራት ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣያንን ዓባይ ብሪጣንያን መግለጺ ከም ዝሃቡ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ።
ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ዝርርብ፡ ኣቕዋም መንግስቲ ፌደራል ነቶም ተወከልትን ኣምባሳደራትን ሎሚ መዓልቲ መብርሂ ከምዝሃቡ ሓቢሩ።
ንሱ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ዝዀነ ግዜን ቦታን ልዝብ ንምክያድ ድሉው ከምዝዀነ ገሊጽና ኢና ኢሉ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፉ፡ ብተወሳኺ፡ "እቲ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክጅመር ይግባእ፡" ክብል የነጽር።
እቲ ዝርርብ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ኣለዎ ዝብል መርገጽ መንግስቲ ከምዝዀነ'ውን ወሲኹ ገሊፁ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እቲ ልዝብ ብፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ከምዘለዎ እዮም ቅዋሞም ኣፍሊጦም።
እቲ ኣብዚ ቅነ ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ፡ ኣብ ኵናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን ንምፅራይ ዝቘመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ መቐለ ክጓዓዝ ከምዝኽእል፡ ሬድዋን ሑሴን ብትዊተር ሓቢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ጌጋ ምዃኑ መአረምታ ገይርሉ ኣሎ።
ንሱ ድሒሩ ከምዝበሎ፡ እቶም ናብ መቐለ ክኸዱ ተፈቒዱሎም ዝበሎም እቶም መብርሂ ዝተወሃቦም፡ ዲፕሎማስኛታትን ኣምባሳደራትን ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ፡ ምስቲ ኮሚሽን ሓቢሩ ከምዝሰርሕን ፍልልያት ንምፅባብ ዝተሰርሑ ስርሓትን ንተወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ንሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣብሪህናሎም ኢና፡ ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናይ ግድን ክዛተ ከምዘለዎን፡ "ዘይሻራውነቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ከምዘይግባእን" ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣቦ ወንበር ህወሓትን መራሒ ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብዚ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ምዕራብ ትግራይ ናብ ግዝኣት 'ቲ ክልል ክምለስ፡ ዝተቛረጹ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ከምዝግባእ፤ እንተዀነ ዝዀነ ምምሕያሽ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኵሎም ዓይነት መራኸቢታትን ባንክን ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዝርከቡ ኰይኖም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው የጋድዶ ከምዘሎ ይዝረብ።
ኣብቲ ን21 ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾናን ጸብጻባት የመልክቱ።
ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝፀንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ውፅኢት ኣየምፅአን።