ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ እናዓለበት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት

ኣብ ሶማልያ፡ ሓንቲ 36 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ ተራጺማ ድሕሪ ምውዳቓ ከምዝተገልበጠት ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብቶም ተጓዓዝቲ ግን ዝኾነ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ተገሊጹ።

ካብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ጽዑቕ ጸሊም ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

መጥፋእቲ ሓዊ ነታ ምስ ተሓምሸሸት ባርዕ ዘጋጠማ 'ፎከር 50' ዝዓይነታ ነፋሪት ካብቲ ሓዊ ንምግልጋል እናጸዓሩ ዘርእዩ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።

እታ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ጁባ ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ባይዶዋ ተበጊሳ ናብ ሞቓድሾ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ተካይድ ዝነበረት'ያ።

ሰብመዚ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝትን ኣባላት በረራን ኩሎም ከምዝደሓኑ ተዛሪቦም።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ጁባ ነቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ምስተፈልጠ ተወሳኺ ሓበሬታ ከውጽእ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።