ኣጽዋር ተሰኪማ ናብ ባንግላድሽ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ግሪኽ ወዲቓ

እታ ነተጕቲ ሓዊሱ 11 ቶን ኣጽዋር ሒዛ ናብ ባንግላድሽ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ከም ዝወደቐት ሰበ - ስልጣን ገሊጾም።

እታ ኣንቶኖቭ-12 ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ዝወደቐትሉ ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኪሎ ሜትር ዝነብሩ ሰባት ካብ ገዛኦም ንኸይወጹ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

እታ ነፋሪት ቀዳም ምሸት ኣብ ጥቓ ከተማ ካቫላ ምስ ወደቐት፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።

መሰኻኽር ዓይኒ ዝቐድሕዎ ምስሊ፡ እታ ነፋሪት ክትወድቕን ክትቃጸልን ዝነበረ ባርዕ የርኢ።

እቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ንጥንቃቐ ተባሂሉ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።

ብመንግስቲ ዝውነን ቴለቪዥን ግሪኽ፡ ክኢላታት ነተጕቲ ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ኣቶማዊ ጸዓት ግሪኽ፡ እቲ ቦታ ድሕነቱ ክሳብ ዝረጋገጽ ናብቲ ቦታ ከም ዘይቀረቡ ገሊጹ።

"እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝተገብረ መዐቀኒታት (ኣየር) ኣብቲ ግራት ዝተቓጸለን ስብርባር ነገራትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ነገር ኣየርአን፡" ክብል ካብ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ሰሜናዊ ግሪኽ ሌተና ጀነራል ማሪዮስ ኣፖስቶሊዲስ ሓቢሩ።

"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብርቱዕ ትኪ፡ ሙቐት ከምኡ'ውን ዘይንፈልጦ ጻዕዳ ነገር ስለ ዘሎ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ዕጡቓት ሰራዊት እንታይ ምዃኑን ናብቲ ግራት ክንኣቱ ንኽእል እንተዄናን ክነግረና ኣለዎ" ኢሉ።

ኣብራሪ እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ ምብጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ ጸገም ሞተር ስለ ዝነበሮ፡ ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቫላ ህጹጽ መዕረፊ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ እዩ ዝንገር።

እንተዀነ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ከባቢ ሰዓት 22፡45 ርእዮምዋ ነይሮም።

እታ ነፋሪት ክትወርድ እንከላ ዝረኣየታ ኣይሚልያ ታፕታኖቫ፡ ኣብቲ ገዛውቶም ብዘይምውዳቓ ከም ዝተገረመት ገሊጻ ።

"ትኪ መሊኡ ክገልጾ ዘይክእል ጫውጫው ነይርዎ። በቲ ከረን'ያ ሓሊፋ። ብኡ ኣቢላ ድማ ናብቲ ግራውቲ ተላቲማ። ንዕኡ ስዒቡ ሃልሃልታ ሓዊ ስለ ዝነበረ ፈሪሕና ነይርና። ብዙሓት መካይን'ኳ እንተመጽኣ ቐጻሊ ነትጒ ስለ ዝነበረ ኣይተጸጋዕናን" ኢላ።

ሚኒስተር ጸጥታ ሰርብያ ነቦኽሻ ስቴፋኖቪች፡ እታ ነፋሪት ዳርጋ 11,000 ኪሎ ግራም ኣብ ሰርብያ ዝተሰርሐ ኣጽዋር ናብ ባንግላድሽ ክተብጽሕ ትጓዓዘት ከም ዝነበረት ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ኣብታ ነፋሪት እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ከም ዝነበረ ዝገልጽ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ጸብጻባት ኣሎ።

ሚስተር ስቴፋኖቪች እቲ በረራ "ናይ ሞርታር መዐደንን ናይ (ነተጕት) ስልጠናን ከም ዘጠቓልል" ይገልጽ።

ኣስዒቡ፡ እቲ በረራ "ምስ ዓለምለኸ ስርዓታት ዝሰማማዕ ኣድላዪ ፍቓድ ነይርዋ፡" ኢሉ።

ዳይረክተር ሸያጢ ኣጽዋር ቫሊር እውን፡ ኣብታ ነፋሪት ነተጕቲ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ይዅን'ምበር ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ህዝባዊ ርክባት ባንግላደሽ፡ እታ ነፋሪት ንወተሃደራትን ሓለውቲ ዶብን ንምስልጣን ካብ ሰርብያ ዝተዓደገ ሞርታር ሒዛ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ቤንጋሊ ገሊጹ።

እታ ናብ ርእሲ ኸተማ ባንግላደሽ - ዳካ ናይ መወዳእታ መዓርፎኣ ቅድሚ ምብጻሓ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብን ህንድን ክተላግስ ተሓሲባ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብነፈርቲ ጽዕነት መሪድያን - ዩክረይን ትመሓደር ኰይና፡ ኣብረርታ ዩክሬናውያን ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።