ቻይና፡ 132 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ቦይንግ ወዲቓ

ኣብ ቻይና 132 ሰባት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ቦይንግ 737 ከም ዝወደቐት ማዕኸን ዜና ቻይና ጸብጺቡ።

እታ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢስተርን ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ግዝኣት ጉዋንግዢ እያ ወዲቓ።

ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣይተፈልጠን።

እቲ ሓደጋ ኣብቲ እምባታት ዝበዝሖ ዞባ ከም ዘጋጠመን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጫካ ሓደጋ ሓዊ ከም ዝተላዕለን ተገሊጹ።

ቑጽሪ በረራ MU5735 ናብ ግዋንግዦ ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ምዃና ተሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ካብ ኩንሚንግ ተበጊሳ ናብ ግዋንግዦ ትጉዓዝ ነይራ ተባሂሉ።

ጉዋንግዢ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እትርከብ ኮይና ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣገዳሲት ከተማ እያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ሞያ ኣድሕን ህይወት ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩ ማዕኸን ዜና ሲሲቪቪ ጸብጺቡ።

መስመር በረራ ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር23 ናይ መወዳእታ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ቀትሪ ሰዓት 02፡22 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3225 ጫማ ብራኸ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ ጥራይ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይሕብር።