እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ሰብኣይ ሓዲገን ንነብሰን ይምርዓዋ ኣለዋ?
ክሻማ ቢንዱ ጓል 24 ዓመት ተመሃሪት ስነ-ማሕበረሰብን ብሎገርን እያ።
ባህላዊ ስነ-ስርዓት መርዓኣ ኣብ ከተማ ቫዶዳራ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክተካይድን ድሕሪኡ ድማ ንኽልተ ሰሙን ሕጽኖት ናብ ጎዋ ክትከይድን መደብ ሒዛ ነይራ።
እንተዀነ እቲ መርዓ ዓቢ ህዝባዊ ክትዕ ኣበጊሱ። ብዙሓት ሰባት ብውሳነኣ ኣላጊጾም። ነቲ ስነስርዓት ከካየድ ዝተሓሰበ ቀሺ’ውን ሓሳቡ ቐይሩ ኣብዩ።
ቢንዱ፡ ካልኦት 25 ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ሓቲታ ነይራ። ግን ፍቓደኛ ዝኸውን ኣይረኸበትን።
ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ተወሲኽዎ።
ቢንዱ ንኣልጀዚራ ከምዝገለጸቶ፡ ፖለቲከኛ ሰልፊ ባራቲያ ጃናታ ዝዀነት ሱኒታ ሹክላ እቲ መርዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ሂንዱ ክካየድ ከምዘይትፈቅድ ኣዊጃ።
ነዞም ጸቕጥታት ስዒቡ ቢንዱ፡ ካብቲ ዝመደበቶ ዕለት ኣቐዲማ ብ 08 ሰነ ብሚስጥር ኣብ ገዛኣ ተመርዕያ።
መርዓ ግን ስለምንታይ መካትዒ ኰይኑ?
ቢንዱ ዘጕደለቶ ባህላዊ ስርዓት ኣይነበረን፤ ካብቲ መርዓ ዝጐደለ እንኮ ባእታ፡ መርዓዊ እዩ ነይሩ።
“መርዓት ምዃን እምበር በዓልቲቤት [ዝዀነ ሰብ] ክኸውን ኣይደልን” ትብል።
ስለዚ ክሻማ ቢንዱ፡ ንነብሳ “ዝተመርዓወት” እታ ፈላመይቲ ህንዳዊት ኰይና።
ሰባት ግን፡ ከም “ገበን” ዝፈጸመት “ብዘገርም መንገዲ” ከምዝርእይዋ ንኣልጀዚራ ገሊጻ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ክትዕ ኣልዒሉ ነይሩ። ንነብስኻ ምምርዓው ማለት ንገዛእ ርእስኻ ምፍቃርን ንነብስኻ ምቕባልን እዩ ዝብሉ ገለ ደገፍቲ ኣድናቘት ክህብዋ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግን "ዘገርምን ዘሕዝንን ተግባር" ክብሉ ነቒፎም።
ንነብስኻ ምምርዓው፡ "ሕዱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ርእሰ ተገዳስነት" እዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን።
'ሶሎጋሚ' እንታይ እዩ?
ሞኖጋሚ፡ ኣሚናዊ ወይ ምስ ሓደ ሰብኣይ/ሓንቲ ሰበይቲ ዝግበር መውስቦ ክኸውን እንከሎ፡ ፖሊጋሚ ድማ መውስቦ ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ወይ ሰብኡት ከምዝዀነ ይፍለጥ።
ሰባት ንገዛእ ርእሶም ዝምርዓዉሉ ስነ-ስርዓት መርዓ ድማ "ሶሎጋሚ" ወይ "ኣውቶጋሚ" ይበሃል።
ቢንዱ፡ ሶሎጋሚ "ኣብ ጐድኒ ገዛእ ርእስኻ ንኽትከውን፡ ንኽትዓቢን ክትዕምብብን ዝሕግዘካ መነባብሮን ኣነባብራን” ንኽትመረጽ ዘለካ ተወፋይነት እዩ ትብል።
እታ ህንዳዊት ንነብሳ ድሕሪ ምምርዓዋ፡ ጾታዊ ህይወታ ከመይ ከምዝኸውን ብዙሕ ሕቶታት ከምዝቐረበላ ትዝረብ።
“ብዘይካ ነብሰይ ምስ ካልእ ሰብ ከይላለ፡ ዳግማይ ከይምርዖ ወይ ጾታዊ ርክብ ከይገብር ቃል ኣትየ ምህላወይ ሓቂ'ኳ እንተዀነ፡ ድሌታተይ ምሉእ ብምሉእ ከማልእ እኽእል እየ።”
ምስ ገዛእ ርእሳ ሓዳር ዝመስረተት ክሻማ ቢንዱ ጥራይ ኣይኰነትን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጃፓን፡ ኣሜሪካ፡ ህንዲ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያንን ካልኦት ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ተርእዮ እዩ።
ንነብስኻ "ምምርዓው" ዝብል ሓሳብ መጀመርታ ዝተልዓለ፡ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመታት ኣብቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ ኣሜሪካዊ ተኸታታሊ ፊልም ሴክስ ኤንድ ዘ ሲቲ ከምዝዀነ ዝገልጹ ኣለዉ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ሊንዳ ቤከር ዝተባህለት ኣሜሪካዊት ክኢላ ጽሬት ስኒ፡ ኣብ 1993 ንነብሳ ከምዝተመርዓወት ዝሕብሩ ጸብጻባት’ውን ኣለዉ።
ኣብ 2015 ኣብ ብሪጣንያ ሶፊ ታንር ዝተበሃለት ውልቀሰብ ንነብሳ ከምዝተመርዓወት ቢቢሲ ይገልጽ።
ኣብ 2017 ላውራ ሜሲ ዝተበሃለት ኢጣልያዊት ንነብሳ ተመርዕያ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ኰይና ነይራ።
ኣብ 33 ዓመት ዕድመኣ ንነብሳ ዝተመርዓወት ክሪስ ጋሌራ ዝተበሃለት ብራዚላዊት ሞዴል ድማ ድሕሪ 90 መዓልቲ ምስ ነብሳ ተፋቲሓ መዛረቢ ኰይና ከምዝነበረት ይንገር።
ኣብ ጃፓን ካብ 2014 ኣትሒዙ ንንጽል ደቂኣንስትዮ ስነ-ስርዓት መርዓ ዘዳልው ትካል ኣሎ፤ ኣብ ኣሜሪካ ከም Marry Yourself Vancouver ኣብ ካናዳ ድማ IMarriedMe.com ዝኣመሰሉ ትካላት’ውን ሓገዝ ይህቡ’ለዉ።
እቲ ስነ-ስርዓት ሕጋዊነት ዘይብሉ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንነብሶም "ክምርዓዉ" ዝመርጹ ዘለዉ ሰባት ግን ሒደት ኣይኰኑን።
ንምዃኑ ሓደ ሰብ ንነብሱ "ክምርዖ" ዝድርኾ እንታይ እዩ? እቲ ህይወት ብሓቂ እንታይ ይመስል? ሱር በተኻዊ ርእሰ-ፍቕሪ፡ ዝና ምድላይ፡ ኰነ ኢልካ ጽምዋ ምውዳስ ድዩ ወይስ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ሕብረተሰብን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ትጽቢታትን ንምንጻግ ዝግበር ጻዕሪ እዩ?
ቢቢሲ ሪል፡ ብ 08 ሕዳር ኣብ ዝፈነዋ 'Sologamy': The people that marry themselves ትብል ሓጻር ቪድዮ ዘዘራረበን ንነብሰን ዝተመርዐዋ ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታትን ብዛዕባ ሶሎጋሚ ዘለወን ርእይቶ ከምዚ ዝስዕብ ይቕረብ።
ህይወት ሶሎጋሚ እንታይ ይመስል?
ሜይ ሴራኖ ፉርተስ ቅድሚ 11 ዓመት ብዝመስረተቶ ሓዳር ሕጕስቲ እያ። እቲ ምስጢር ድማ – ንባዕላ ስለዝተመርዓወት እዩ።
“ንነብሰይ ክሰምዕ፡ መዓልታዊ እንታይ ከምዘድልየኒ ክሓትትን እቲ ዘድልየኒ ድማ ከቕርብን ቃል ኣትየ። መንነተይ ድሮ ኣብ ውሽጠይ ስለዘሎ፡ ኣብ ደገ ክደልዮ ኣይደልን” ትብል።
ሜይ ሴራኖ፡ ኣብ ስጳኛ ካብ 2011 ኣትሒዙ ብውሑዱ 17 ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ክምርዓዋ ሓጊዛ እያ።
ኰይኑ ግን ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ንገዛእ ርእስኻ ምምርዓው ሕጋዊ ኣፍልጦ የብሉን። ስለዚ፡ እንታይ ንምርካብ እዩ ዝፍጸም?
ኣብ 2011 ኣብ ቢልባኦ ስጳኛ፡ 10 ደቂ ኣንስትዮ ተኣኪበን ርእሰ-ፍቕረን ብግልጺ ብምእዋጅ ንነብሰን ክምርዐዋ እንከለዋ ኣንጻር ባህላዊ ሓዳርን ከምመዘናግዒ ተግባርን ዝተጀመረ ነይሩ።
“ንኽሕጐስ ኢለ እየ ንነብሰይ ክምርዖ ወሲነ። ብዛዕባ ፍቕራዊ ርክብ ህዝባዊ ክትዕ ክንጅምር ጥራይ ነይሩ ድሌትና። ኣብታ መዓልቲ መርዓ ግን፡ ዝዀነ ኣገዳሲ ነገር ንገብር ከም ዘለና ተረዲኡና” ትብል ሜይ ሴራኖ። “ንነብሰይ ዘፍቅራ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዓርከይ ከምዝዀንኩ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ጐነይ ከምዘለኹ እየ ዝሓስብ ነይረ።”
ኣብታ ህሞት ንሳ ግን፡ “ኣብ ቅድሚ 100 ሰባት፡ ንገዛእ ርእሰይ ከፍቅር፡ ክከናኸን፡ ኵሉግዜ ቐዳምነት ንባዕለይ ክሓስብ፡ ንነብሰይ ቃል ምስ ኣተኹላ” እቲ ትሓስቦ ነገር ትፍጽሞ ከምዘይነበረት ተረዲኣ።
“ጾታ ብዘየገድስ ነብስኻ ምፍቃርን ምኽባርን መበገሲ ክኸውን ይግባእ። ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን። ደቂ ተባዕትዮ ድሮ ንነብሶም ከምዘፍቅሩ ኰይኖም እዮም ዝዓብዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ከምቲ ንኻልኦት እነፍቅሮ ንነብስና ምፍቃር ኣድላዪ ከምዝዀነ ኣይረኣየናን” ትብል ፖለቲካዊ ሳይንቲስትን መጽናዕቲ ጾታ ተካይድን ኒውስ ቱርቡ ጆሳ።
ኤስፐራንዛ ቦሽ ፊዮል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደ ለስ ኢለስ ባሌርስ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና እያ፤ “ንገዛእ ርእስና ምፍቃር ምምሃር፡ ብቐዳምነት ኣብ ዓለም ንነብስና ቦታ ክንህባ፡ ካልኣይ ድማ መን ፍቕርና ክረክብ ከምዝግባኦን መን ከምዘይግባኦን ክንውስን እንከለና ዝሓሸ ምምዝዛን ንኽህልወና” ከምዝሕግዝ ትገልጽ።
ከመይ ከም እነፍቅርን ንመን ከም እነፍቅርን ቀስ ብቐስ እናተቐየረ እዩ። ኣብ ስጳኛ፡ ሕጂ’ውን ዓብላልነት ዘለዎም ሰብ ሓዳር ፍሉየ-ጾተኛ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ግን ቍጽሪ ሓዳር ዝምስርቱ ሰባት ይንኪ፡ ናይቶም ዝፋትሑ ድማ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብሩ።
ክልተ ግዜ ዝምርዐዋ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣለዋ። ሁንካል ኣልዙጋራይ ዙሩመን፡ መጀመርታ ንበዓል ቤታ ደሓር ድማ ንነብሳ ተመርዕያ’ያ።
“እታ ሕሳስ ልደ ጓልና ገና ምስ ተወለደት ሃንደበት፡ ንነብሰይ ዝኸውን ቦታ ከምዘይብለይ ተረዲኡኒ። ሁንካል ምዃነይ ተሪፉ ኣደ ፔዮን ሚረንን ኰይነ። ስለዚ ንነብሰይ ክምርዖ ወሲነ” ትብል።
በዓል ቤታ ሰርጅዮ ኢባርጉን ጋራይ ግን በቲ ዘይተጸበዮ ውሳነ ከምዝተገረመ ኣይሓብአን።
“ንባዕላ ከምትምርዖ ምስ ነገረትኒ፡ መጀመርታ ተገሪመ እየ፤ ምኽንያቱ ልሙድ ኣይኰነን። ርእሳ ዝኸኣለት ስለዝዀነት ግን፡ ምስ ነብሳ ሕጕስቲ እንተዘይኮይና፡ ንነብሳ እንተዘይኣፍቂራ፡ በቲ ኵነታት እንተዘይተሓጕሳ፡ ንዓይ፡ ንደቃን ኣብ ከባቢኣ ንዘለዉ ሰባትን ክጸሉ’ዩ። ስለዝዀነ ድማ ብኣጋኡ ተረዲአዮ” ክብል ንውሳነ ሁንካል ከምዝተቐበለ ይገልጽ።
ቅድሚ ዝተወሰነ ዓሰርተታት ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ወይ መኪና ንምዝዋር ኣብ ቤተክርስትያን ክምርዓዋ ይግባእ ከም ዝነበረ ተዘኻኽር ኒውስ ቱር፡ እዚ ኵነታት እናተቐየረ ምምጽኡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ትርእዮ።
ይዅን እምበር፡ “ስድራቤት ቀንዲ ዓንዲ ሕብረተሰብና ኰይና ትቕጽል ኣላ፤ ሕጂ’ውን ከም ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ሰባት እዩ ዝቝጸር” ትብል።
ኤስፐራንዛ ቦሽ’ውን፡ ባህላዊ ሓዳር ንደቂ ኣንስትዮ ማእሰርቲ ኰይኑ ከምዝጸንሐ ትዛረብ።
“ቀንዲ ዕላማ ህይወትና [ባህላዊ ሓዳር] ክኸውን ከም ዘለዎ እዩ ዝንገረና። ሓንሳብ ምስተመርዓና ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዕዮ ገዛን ክንክን ህጻናት፡ ኣብቲ ስድራቤት ዝርከቡ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ብደቂ ኣንስትዮ ከምዝፍጸም ኣሃዛት የረጋግጹ።”
እዚ ጸገም ኣብ ዝተፈላለዩ ማህበረሰባት ዓለም ዝርአ ምዃኑ ብዙሕ ኣየካትዕን። ግን፡ ሶሎጋሚ ነዞም ጸገማት ብኸመይ ይፈትሖም?
“ሶሎጋሚ ፍጹም ዝፈትሖ ነገር የለን” ትብል ኤስፐራንዛ ። ንምሕጓስን ንምዝንጋዕን መመኽነይታ እምበር ብሓቂ እቲ ሕብረተሰብ ንክቕይር ኣገዳሲ ዝዀነ “ፖለቲካዊ ስግረ-ዶባዊነት” ከምዘይብሉ ትሕብር።
ኒውስ ቱር’ውን በዚ ትሰማማዕ። “ሶሎጋሚ መፍትሒ ዝኸውን ኣይመስለንን። ምናልባት መርኣያ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ፍሉየ-ጾተኛ ሕብረተሰብ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ከም ንቡር ዝቝጸር ፍቕርን ስድራቤት-ተኮርን ሞዴል ክልተኣዊ መጻምድት’ዩ ኢለ ይኣምን።”
ኣብ 2017 ብሓባር ዝሕንብሳ 14 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ሓባራዊ ጉጅለ መስሪተን ነይረን። ሎሚ እዛ ጉጅለ ልዕሊ 140 ኣባላት ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ሓይሊን ሓላፍነት ከምዝህብ ኣንስታያዊ ምንቅስቓሳት የመልክቱ።
“ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ክንእከብ ከለና...ሓደ ሰብ እንታይ የጋጥሞ ከምዘሎ ክትሰምዕ ትጅምር። ...ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ እየን ዝብል ሓሳብ ዕማም ናይቲ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ሕብረተሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ብኣንጻሩ’ዩ ዝኸውን ዘሎ - ብሓባር ሓያላት ኢና ንኸውን” ትብል ሜይ።
ንሳ ከምትብሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንነብስን ከፍቅራ እየን ዝጽዕራ ዘለዋ። ከመይ? “ብንኣሽቱ ...ናይ ብሓቂ ኣብ መወዳእታ ንነብስኻ ትፈትዋን ንነብስኻ ትከናኸንን ከምዘለኻ ክስምዓካ ብዝገብሩ ንኣሽቱ ተግባራት’ዩ” ክትብል ትምልስ።
ሁንካል፡ ገለ ሰባት ክርድእዎ ስለዘይኽእሉ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ከምዝዀነ ትኣምን።
“ንነብስና ክንምርዖ ዝወሰንና ዓርስና ጥራይ ከምንፈቱ ስሱዓት ንውቀስ ኢና። እቲ ሓቂ ግን ምስ ነብሰይ ካብ ዝተመርዓኹ ኣትሒዙ፡ ምስ ነብሰይ፡ ምስ ደቀይ፡ ምስ በዓል ቤተይን ምስ ኣዕሩኽተይ ከይተረፈ ዝያዳ ጥዑይ ርክብ ኣለኒ” ክትብል ካብ ሶሎጋሚ ዝረኸበቶ ውጽኢት ትገልጽ።
“ንነብሰይ ኣብ መስትያት እጥምታ፡ እቲ ዝረኣየኒ ድማ ደስ ይብለኒ። ቅድሚ 11 ዓመት ንነብሰይ ኣብ ጐድነይ ከም ዝኸውን፡ ንነብሰይ ከም ዝከናኸና፡ ንነብሰይ ከም ዝሓስብ ቃል ኣትየ ነይረ። መብጽዓይ ሓልየ’የ...ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ድማ ንነብሰይ ኣቓልቦ ክህባን ክሰምዓን ክቕጽል’የ - ሕጕስቲ’የ። በዚ ርግጸኛ እየ” ትብል እታ ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ክምርዓዋ እትሕግዝ ሜይ ሴራኖ ፉርተስ።