ንእስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ ቪድዮ ፕሮፓጋንዳ ዝሰርሐ ካናዳዊ፡ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ንፕሮፓጋንዳ እስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ ዝኸውን ቪድዮታት ዘዳለወን ዘዘንተወን ካናዳዊ ዜጋ ንሕለፈት ክእሰር ወሲኑ።

እዚ ኣብ ስዑድያ ዝተወልደ መሓመድ ኸሊፋ ዝበሃል ሰብ፡ ነቲ እስላማዊ ጕጅለ ደገፍ ንምሃብ ውዲት ብምእላሙ እዩ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ።

እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝዀነ ኸሊፋ፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕሽ "ሓያል ሰብ" ከምዝነበረን ክልተ ምሩኻት ሶርያውያን ወተሃደራት ከምዝቐተለን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ።

እቲ ብ IS ዝፍለጥ እስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ 2017 ብሕቡራት ሓይልታት ዒራቕ፡ ሶርያን ኣሜሪካን ብሕሱም ከም ዝተወቕዐ ይፍለጥ።

እንተዀነ ዳዕሽ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃን ኣፍሪቃ ከም ዝንቀሳቐስ ይግለጽ።

ኸሊፋ፡ መጥቃዕቲ ንምልዕዓልን ንኻልኦት ናብቲ ጕጅለ ንምእካብን ተባሂሎም ዝተዳለዉ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዘኽብሩ 15 ቪድዮታት ፕሮፓጋንዳ፡ ብእንግሊዝኛ ከም ዘዘንተወ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ቶሮንቶ ዝዓበየ ኸሊፋ፡ ኣብ ጽድያ 2013 ናብ ሶርያ ከይዱ ኣብ ሕዳር ከኣ ምስ እስላማዊ ጕጅለ IS ተጸንቢሩ። ክሳዕ መወዳእታ 2018 ድማ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ጕጅለ IS ሰሪሑ።

ኣብ 2014 ጥራይ እቲ ኣሃዱ መራኸቢ ብዙሓን ጕጅለ ዳዕሽ፡ ጄምስ ፎሊን ስቲቨን ሶትሎፍ ከምኡ'ውን ብሪጣንያውያን ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝዀኑ ኣለን ሄኒንግን ዴቪድ ሃይነስን ርእሶም ክስየፉ ዘርእዩ ቪድዮታት ዘርጊሑ እዩ።

ኣብ ጥሪ 2019 ኸሊፋ፡ በቶም ብኣሜሪካ ዝድግፉ ኩርዳውያን ዝመርሕዎም ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ ተታሒዙ።

ሰለስተ ቦምባን ሓደ ክላሽንን ሒዙ ኣብ ኣቡ ባድራን ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ ንበይኑ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ይገልጽ።

ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስ ሓደ ወተሃደር ኣብ መደያይቦ ተዅሲ ቅድሚ ምግባሩ፡ ሓንቲ ቦምባ ኣብ ናሕሲ እቲ ህንጻ ደርብዩ።

ኸሊፋ መብዛሕትኡ ጠያይቱ ክሳዕ ዝውድእ ተታዂሱ ኣብ መወዳእታ ኢዱ ሂቡ።

ጸኒሑ ቤት ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ ኣሜሪካ ከም ዝርከብዎ ተገይሩ።

ኸሊፋ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተኸሰሰሉ ክሲ ግብረ-ሽበራዊ ገበነኛ ምዃኑ ኣሚኑ እዩ።