እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ኣይኤስ ተጸምቢራ ዝጸንሐት መርዓት ናብ ኣሜሪካ ክትምለስ ዘቕረበቶ ጥርዓን ተነጺጉ
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ንጥርዓን ናብ እስላማዊ ጉጅለ (ኣይኤስ) ተጸምቢራ ንዝጸንሐት ሕጂ ግና ናብ ኣሜሪካ ክትምለስ ንዝደለየት ዜጋ ነጺጉ።
ሕጂ ጓል 27 ዓመት ኮይና ዘላ ሖዳ ሙታና ኣብ ኣልባማ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣብ 2014 ኣቆፃጭራ ኣውሮጳውያን’ያ ናብቲ እስላማዊ ጉጅለ ንምጽምባር ናብ ሶርያ ከይዳ።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ሖዳ ካብ ሃገራ ወጺኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣሜሪካዊ ዜግነታን ፓስፖርታን ከም ዝሰረዝዎ ብወግዒ ኣፍሊጦም።
ኣቦ ሖዳ ኣብ 2019 እዩ ነቲ ፌደራላዊ ቤት-ፍርዲ ናብታ ሃገር ከይትኣቱ ንዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም ይግባይ ብምባል ጠሪዑ።
ጓል የመናዊ ዲፕሎማት ኣሕመድ ዓሊ ሙታና ዝኾነት ሖዳ፡ ኣብ ኣሜሪካ እኳ እንተተወለደት ብመሰረት ሕጊ ፌደራል፡ ወለዳ ዲፕሎማት ብምዃኖም ብኡንብኡ ዜግነት ኣይተወሃባን።
ኣሕመድ ዓሊ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን ጓሉ ቅድሚ ምውላዳ ካብ ዲፕሎማስያዊ መዝነቱ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ ኣሜሪካዊ ዜግነት ከም ዝግብኣ ሞጊቱ።
ሖዳ ኣብ 2004 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እያ ፓስፖርት ኣሜሪካ ተዋሂባ።
ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ሻሚማ በጉም ዝተባሃለት ተወላዲት ብሪጣንያ’ውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ዜግነታ ተሰሪዙ እዩ።
ሖዳ ኣብ 2019 ናብ ሲኤንኤን ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ካብ ኣሜሪካ ናብ ሶርያ ዝኸደትሉ እዋን “የዋህ፡ ነዳርን ትዕቢተኛን ንእስቲ” ምንባራ ገሊጻ።
ነቲ መገሽኣ ዝኾና ገንዘብ ንምርካብ፡ ትምህርታ ብምቁራጽ ነቲ ንናይ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት ዝዋሃባ ገንዘብ ናብ ቱርኪ ናይ ኣየር ቲኬት ከምዝዓደገትሉን፡ ወላዳ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበሮምን ሓቢራ።
ንሳ ምስቲ ጥሩፋዊ ጉጅለ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስልታት፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ክተተባብዕን ካልኦት ኣሜሪካውያን ናብ ኣይኤስ ክጽምበሩ ትጽውዕ ምንባራን የርእዩ።
ንሳ ኣብ ትዊተር ዝለጠፈቶን ኒውዮርክ ታየምስ ዝረኸቦን ሓደ ልጥፎ፡ “ኣብዚ ብዙሓት ኣውስትራልያውያንን ብሪጣንያውያንን ኣለው፤ ኣሜሪካውያን ግና ኣበይ ኣለኹም፡ ተለዓሉ ኣቱም ጃጀውቲ” ይብል።
ድሒራ ግና ሖዳ ናብ ኣይኤስ ምጽምባራ ከምዘጣዕሳ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ እቲ ናብቲ ጉጅለ ዘለዓዕል ልጥፎታት’ውን ይቕሬታ ሓቲታ።
ኣብዚ እዋን ኣበይ ከም ዘላ ዘይትፍለጥ ሖዳ፡ ምስ ኣይኤስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ዝተላለየቶ ሰብኣይ ሓደ ውላድ ክህልዋ እንከሎ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዝሞተ ይግለጽ።