ኣብ ሱዳን ምስ ኣይኤስ ምትእስሳር ዘለዎም 4 ዕጡቓት ተቐቲሎም

ኣብ ሱዳን፡ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ምትእስሳር ኣለዎም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኸስተ ተኹሲ፡ ወተሃደር ሱዳን ዝርከቦም ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሱዳን- ሱና ጸብጺቡ።

"እቶም ግበረ-ሽበራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ናብ ሓይልታትና ተኲሶምሎም። ማቺን ጋንስ፣ ሓውሲ-ሮኬት ዝኾነ ነታጒ፣ ከምኡ'ውን ቦምባታት" ይብል።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ፡ እቲ ክስተት ኣብ ደቡብ ካርቱም ከም ዘጓነፈ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጥርጡር ጉጅለ ግብረ-ሽበራ ኣይኤስ ስጉምቲ ምስ ተወስደ ድሕሪ መዓልታት እዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ።

ሓላፊ ቤት ምኽሪ መሪሕነት ሱዳን፡ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ፡ እቲ ግጭት ዝተኸሰተሉ ከባቢ ከይዱ ከም ዝተዓዘበ ተገሊጹ።