ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝተጀመረሉ ሓለፍቲ ኣቭየሽን ኣብ ወጥሪ ኣትዮም

ናይታ ኣብ 2009 ኣብ ብራዚል ዝወደቐት ነፋሪት ንምጽራይ፡ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ኣብ ፓሪስ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ሓለፍቲ ኣየርባስን መንገዲ ኣየር ፈረንሳን ኣብ ዓቢ ወጥሪ ኣትዮም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እታ ኣየርባስ ኤ330 ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ርዮ ዲ ጃኔሮ ናብ ፓሪስ ኣብ ትበረሉ ዝነበረት’ያ ወዲቓ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተኻየደ ምጽራይ፡ ኣብራሪ እታ ነፋሪት፡ ንፍጥነት ናይታ ነፋሪትን ንንፋስን ዝዕቕን ኣካል እታ ነፋሪት ስርሑ ደው ምስ ኣበለ፡ ነታ ነፋሪት ክቆጻጸራ ስለዘይከኣለ፡ እታ ነፋሪት ክትወድቕ ከምዝኸኣለትን፡ 228 ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ገያሾን ኣባላት በረራን ብምልኦም ከምዝሞቱን እዩ ዝግለጽ።

ስድራቤት ናይቶም ገዳያት፡ ፍትሒ ንክረኽቡ ንዓመታት ብእኩብ ጎስጓሳትን ጥርዓናትን ከቕርቡ ጽኒሖም’ዮም።

ኣብ እዋን ምጅማር መስርሕ ፍርዲ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት መገዲ ኣየር ፈረንሳ ኣን ሪገይልን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤየር ባስ ጉይላም ፋውሪን ናይ መኽፈቲ ቃል ኣብ ዘስምዑሉ፡ ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኸቡ ስድራ ቤት ግዳያት፡ ኡይትኦም ብምስማዕ ሸዲዶሞም።

ጉይላም ፋውሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “መስርሕ ፍርዲ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ትካሎም ንሓቕን ምርድዳእን ዝክኣሎ ከምዘበርክት ገሊጹ።

ኣን ሪገይል ብወገና፡ እቲ ሓደጋ እቲ ዝኸፈአ ነቲ መገዲ ኣየር ዘጋጠሞ ሓደጋ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ከይተገበረሉ ምጽንሑ ‘ሕንከት’ ከምዝስምዓ ኣብሪሃ።

በቲ ሓደጋ ወዳ ዝሞታ ዳንኤላ ላሚ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “13 ዓመታት ነዚኣ ኢና ክንጽበ ጸኒሕና” ብምባል፡ ዋላ ይዶንጊ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምጅማሩ ሞት ውላዳ ፍትሒ ንኽረክብ ተስፋ ከምዝሃባ ሓቢራ።

እታ ነፋሪት ካብ ብራዚላዊት ከተማ ርዮ ዲ ጃኔሮ ምስ ተበገሰት፡ ድሕሪ ሰዓታት እያ ኣብ ውቅያኖስ ወዲቓ።

ነታ ሰነዳት ናይ በረራ ትዕቕብ ‘ብላክ ቦክስ’ ንምርካብ ዓመታት ዝወሰደ ድልያ ድሕሪ ምክያድ፡ መርምርቲ፡ ንንፋስ ዝቖጻጸርን ንፍጥነትነት ናይታ ነፋሪት ዝሕብርን ክፋል ክሰርሕ ስለዘይክኣለ እታ ነፋሪት ክትወድቕ ከምዝኽኣለት ኣብ መደምደምታ በጺሖም።

ብሰንኪ እዚ እታ ነፋሪት ኣብ 11,580 ሜትሮ ብራኽ ኣብ ዝነበረትሉ እቲ ጸገም ከምዝጀመረን፡ እቲ ተሓጋጋዚ ኣብራሪ ነፋሪት እኹል ልምዲ ስለዘይነበሮ እቲ ሓደጋ ክግታእ ከምዘይክኣለ’ዩ ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ፡ ቤት ፍርዲ፡ ንኣየርባስን ንመንገዲ ኣየር ፈረንሳን ብቕትለት እቶም ገያሾ’ኳ ከሲሰሞም እንተነበሩ ድሒሮም ግና ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቀንዲ ክኽሰስ ዝግብኦ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሖም ይዝከር።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ኸኣ ንኽልቲኦም ዘኽስስ መርትዖ የለን ብዝብል ክልቲኡ ክስታት ደው ከምዝብል ኮይኑ።

እንተኾነ እቲ ውሳነ ብኣቤቱታ ስለዝፈረሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ ንኣየር ባስን ንመገዲ ኣየር ፈረንሳን ናብ ፍርዲ ከቐርቡ ወሲኑ።

ክልቲኦም እዞም ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብዚ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ዝክእል መስርሕ ፍርዲ ብዘይካ እቲ ንግዳያት ዝውሃብ ካሕሳ፡ ክሳብ 218 ሽሕ ዶላር ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ብኣግኡ ተገሚቱ’ሎ።