እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ኣካላትና ካብ ዝበሃሉ ሓሙሽተ 'ጽዋታት' እንታይ ንፈልጥ?
ቢቢሲ ፊዩቸር ካብ ቅርጺ ‘ቍጽሪ ሸሞንተ’ ኣትሒዙ ብዛዕባ መበቈል "ጡብ ወዲ ተባዕታይ" ኣመልኪቱ ብዛዕባ ኣካላት ወድሰብ ዝበሃል ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝጸንሐ ጽዋታት፡ ከም ሓዲስ ከም ዝቃነ ገይሩ'ሎ።
ረጐድቲ ሰባት ድንጕይ ሜታቦሊዝም ኣለዎም (ውሑድ ካሎሪ ዘቃጽሉ ሰባት፡ ምእንቲ ከይረጕዱ ውሑድ ምግቢ ክምገቡ ኣለዎም።) ካብ ግቡእ ንላዕሊ ዝገዘፈ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ጸዓት ዘህልኹ ዓበይቲ ክፍሊ ኣካላት ኣለዎም።
ልክዕ እዩ፡ ጭዋዳታት ካብ ስብሒ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ሓይሊ ይጥቀሙ። ዋህዮታት ካልኦት ክፍሊ ኣካላትና ግን ካብዚ ንላዕሊ ይጥቀሙ እዮም። ስቡሓት (ረጐድቲ) ሰባት ምስቶም ቀጠንቲ ክወዳደሩ እንክለዉ ገዘፍቲ ኣካላትን ዝያዳ ዋህዮታትን ኣለዎም። እዚ ማለት ሓፈሻዊ ኣጠቓቕማ ጸዓት ወይ ከኣ ኣብ ዘዕርፉሉ እዋን ዘቃጽልዎ መጠን ካሎሪ ብዙሕ እዩ ማለት እዩ። ምንጪ'ዚ፡ ጆርናል ኦፍ ኑትሪሽን ሳይንስ እዩ።
ዓቢይ መቐመጫ ግድን ካብ ዓቢይ ከስዐ ይሓይሽ ማለት ኣይኰነን። ሓደ እዋን ተመራመርቲ ስነፍልጠት ሉል ዝቕርጹ ኣካል ዘለዎም ሰባት፡ ቅርጺ ቱፋሕ ካብ ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ጥዑያት ከምዝዀኑ ይሓስቡ ነይሮም።
ከም ቱፋሕ ኣብ ከስዐ ክብደት ዘለኩም ዲኹም ወይስ ከም ሉል ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ረጐድቲ ኢኹም? ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ልዑል ስብሒ ከብዲ ዘለዎም ሰባት፡ ስብሒ ከብዶም ነድሪ ዘጕህር፡ ጸቕጢ ደም ዘዛይድ ከምኡ'ውን ኢንሱሊን ከም ዝጻወር ዝገብሩ ከሚካላት (ንጥረ-ነገራት) ስለዘመንጩ ንጸቕጢ ደምን ሽኮርያን ዝተቓልዑ ከምዝዀኑ ይሕሰብ ነይሩ።
ብኣንጻሩ እቲ ኣብ መቐመጫ ዝርከብ ስብሒ ብተዛማዲ ጽቡቕ ተገይሩ ይርአ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዴቪስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ግን፡ እዚ "ብሉጽ" ስብሒ እዚ እቶም ጐዳእቲ ንጥረ-ነገራት ንኽምንጭዉ ዝገብር ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ቅርጺ ኣካላትና ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ ካብ መጠን ንላዕሊ ስብሒ ሳዕቤኑ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ቅርጺ "ቍጽሪ ሸሞንተ" ኰይነን ንኽርኣያ ዝፈትዋ'ኳ እንተዀና፡ ብ3D ስካን ኣካላት ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኽ እዩ ዝነግረና። ኣብ ማንቸስተር ዝነብሩ ተመራመርቲ ነዘን ማሽናት እዚኣተን ተጠቒሞም 240 ብሪጣንያውያን ደቀንስትዮ ስካን ምስ ገበሩ፡ 63 ሚእታዊት ካብዚኣተን ተመሳሳሊ መጠን ደረት፡ ሽምጢን መንኵብን ዘለወን፡ ዳርጋ ርቡዕ ኵርናዕ ኰይነን ተረኺበን። 13 ሚእታዊት ጥራይ "ቍጽሪ ሸሞንተ" ቕርጺ ዘለወን ክዀና እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ኸኣ 8 ሚእታዊት "ሉል"፡ 7 ሚእታዊት "ማንካ" (ተመሳሳሊ ቅርጺ ደረትን ሽምጢን ዘለወን)፡ 6 ሚእታዊት፡ "ዝተገልበጠ ስሉስ ኩርናዕ" ከምኡ'ውን 3 ሚእታዊት "ስሉስ ኵርናዕ" ቅርጺ ዘለወን እየን።
ብዘይካ'ዚ ደቀንስትዮ ብዕድመ እናደፍኣ ክኸዳ እንከለዋ፡ ቅርጺ ርቡዕ ኵርናዕ እናዀና እየን ዝኸዳ፣ 80 ሚእታዊት ልዕሊ 56 ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ ኣብዚ ምድብ እዚ ይኣትዋ።
ጋይናኮማስትያ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ “ጡብ ወዲ ተባዕታይ"፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ከብድን መንከስን ዝተሓሓዝ'ኳ እንተዀነ ከምቲ ዝርኣዮ ሉስሉስ ኣይኰነን።
መብዛሕትኡ ግዜ'ውን ብሰንኪ ዕቤት ጡብ እዩ ዝመጽእ። ሓደሓደ ግዜ እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ዘለዎም ሰብኡት፡ ናይ ኣንስተይቲ ሆርሞን ኦስትሮጅን ስለ ዘፍርዩ እዮም ነዚ ዘማዕብሉ።
እዚ ሆርሞን እዚ ኸኣ ንዕቤት ጡብ የነቓቕሕ። ቴስቶስተሮን መብዛሕትኡ ግዜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕብየት ዝዓግት'ኳ እንተዀነ፡ ዕድመ ደቂተባዕትዮ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ መጠን ቴስቶስተሮን ብኣንጻሩ ይንኪ እዩ። ምንጪ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ።
ኣብ ጾታዊ ርክብ ስቡሓት ሰብኡት ካብ ቀጠንቲ ንላዕሊ ነዊሕ ይጸንሑ። ዓበይቲ ሰብኡት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛድ ሓይሊ ኣለዎም።
ኣብ 200 ሰብኡትመጽናዕቲ ዝገበሩ ቱርካውያን ተመራመርቲ፡ እቶም ዝለዓለ BMIን ጽሩይ ከስዐን ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብገምጋም 7.3 ደቒቕ ከም ዝጸንሑ ይገልጹ። እቶም ቀጠንቲ ድማ 2 ደቒቕ ጥራይ እዮም ዝጸንሑ። ቀልጢፎም ድማ ይውድኡ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ክብደት ምስዝተሓሓዝ ናይ ቴስቶሰትሮን ምንካይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይዅን እምበር ዓበይቲ ሰብኡት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ'ኳ እንተዀኑ ፈለማ ግን ኣብ ምልዕዓል ይጽገሙ እዮም። ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ምስ ወሲባዊ ድኽመት'ውን ይተሓሓዝ እዩ። እዚ ካብ ኢንተርናሽናል ጆርናል ኦቭ ኢምፖንስ ሪሰርች ዝተረኽበ እዩ።