እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽልማት ኖቤል ሰላም 2023 ኣብ ቀይዲ ንእትርከብ ተሓላቒት መሰላት ተዋሂቡ
ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል እዚ ዓመት ወግዓዊ ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ። ሽልማት ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት ዝተዓወተት ድማ ኢራናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ናርገስ መሓማዲ ኰይና።
ናርገስ መሓማዲ ምኽትል ሓላፊት ናይቲ ብተዓዋቲት ኖቤል ሰላም 2003 ዝነበረት ሽሪን ኤባዲ ዝተመስረተ ማእከል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እያ።
ንሳ፡ ካብ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ሓያሎ ማእሰርቲ ከጋጥማ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ "ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ" ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ተኣሲራ ትርከብ።
ቢቢሲ፡ ሓንቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሞንጐ ዘለዋ 100 ኣነቓቓሕን ጸለውትን ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓመት ገይሩ ሓርዩዋ ነይሩ።
ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል “ተባዕ ቃልሲ ናርገስ መሓመዲ ብኣዝዩ ዓብዪ ዋጋ ዝመጽአ’ዩ ሒዙ'ዩ” ኢሉ።
ሓላፊት ኮሚቴ ኖርወጂያን ኖቤል በሪት ረይስ-ኣንደርሰን፡ "ስርዓት እታ ሃገር (ኢራን) ብድምር 13 ግዜ ኣሲሩዋ፤ ሓሙሽተ ግዜ ፈሪዱዋ፡ ብድምር ን31 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዋ'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ናርገስ መሓማዲ "ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እያ ዘላ” እውን ኢላ።
ኮሚቴ ኖቤል ሽልማት ሰላም ንናርገስ መሓመድ ክሽልም ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ልዕሊ ዓመት ዘቑጸረ ተቓውሞታት ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም 2022፡ ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይቲ ዕሉል ፖሊስ ሞራል ኢራን ድሕሪ ምሟታ እቶም ተቓውሞታት ከም ዝበርትዑ ይዝከር።
እቲ ናዕቢ ኣብ መላእ ሃገር ብቕልጡፍ ተዘርጊሑ፡ ካብ ናጽነት ክሳብ ምፍራስ መንግስቲ ዝበጽሕ ጠለባት ክጋዋሕ ተሰሚዑ።
ኢራናውያን ደቂ ኣንስትዮ ንመሸፈኒ ርእሰን ብሓዊ ብምቅጻል “ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት" ዝብሉ ጭርሖታት ዘስምዓሎም ምስልታት ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ኰይኖም ምንባሮም ይዝከር።
ሰበስልጣን ነቲ ተቓውሞ ብጭካነ ክጭፍልቑዎ ብምኽኣሎም ድማ ሕጂ ሃዲኡ ይርከብ።
ኮሚቴ ኖቤል፡ ኢራን ንናርገስ መሓማዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት ክትሳተፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፈትሓ ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።
በሪት ራይስ-ኣንደርሰን፡ "ሰበስልጣን ኢራን ቅኑዕ ውሳነ እንተወሲዶም ነዚ ክብሪ ክትረክብ ኣብቲ ቦታ ክትህሉ ምእንቲ ክፈትሕዋ እዮም፤ ነዚ ድማ ተስፋ ንገብር” ኢላ።
ኣብዚ ዓመት፡ ኮሚቴ ኖቤል 352 ሕጹያት ቀሪቦምሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዓወት ትብዓት ምፍርራሕ፡ ምግፋዕ፡ ዓመጽን ማእሰርትን ተጻዊረን ዝተቓለሳ ኢራናውያንደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ምዃኑ ገሊጹ።
ወሃቢት ቃል እቲ ውድብ ኤልዛቤት ትሮሰል፡ "ብዝገብርኦ ነገር ይኹን ዘይተኸድንኦ ተጋፊዐን እየን። ኣብ ልዕሊአን ዘቕንዐ ጽኑዕ ሕጋዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ስጉምትታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ብሓቂ ትብዓትን ቈራጽነትን ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ዘርኣየን ንዓለም ዘለዓዓላ ምዃነን ዘጉልሕን’ዩ” ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተት ሓላፊት ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬይን ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ፡ ንዓወት ናርገስ መሓማዲ ዘለዋ ሓጐስ ገሊጻ።
“ኣብ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ሰባት ንናጽነት ይቃለሱ ኣለዉ። መጻኢና ኣብ ዓወቶም'ዩ ዝምርኮስ” ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
ከምኡ'ውን ኣብ ስደት ዘላ መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ስቨትላና ቲካኖቭስካያ፡ "እታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘላ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዋላ'ውን ብድሕሪ መቑሕ ስቕ ዘይምባላ ንኹሉ ምትብባዕ ይፈጥር። ልክዕ ከም ተዓዋቲት ኖቤል እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነት ቤላሩስያዊት ኣለስ ቢያልያትስኪ፡ ንሳ'ውን ክትፍታሕ ኣለዋ” ብምባል ሰናይ ተምኒታ ገሊጻ።