‘ንግሰቲ ፒያኖ’ እነ ኢታይ ጽጌ ማርያም ገብሩ

ምንጪ ስእሊ, BUDA MUSIQUE
ንዓሰርተ ዓመት፡ ካብ ሰብ ተነጺለን፡ ኣብ ኣኽራናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራሕ እግረን እናተመላለሳ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝተቓለሳ እነ ኢታይ ጽጌ ማርያም ገብሩ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ህይወት እየን ኣሕሊፈን።
ነቲ ንሰን ዘወሃሃዳኦ ሙዚቃ ምስማዕ ናይ ብሓቂ መሳጥን ኣብ ውነ ዝሰርጽን እዩ። እቲ ውህደት ሙዚቃአን ንሓንሳብ ከምዚ ዝተሓዝ ነገር ኣብ ዘይብሉ ንእሽቶ ጃልባ፡ ሚዛንኩም ንምሕላው ትወዛወዙ ከም ዘለኹም ኰይኑ ይስምዓኩም። እቲ ምልክት ህርመት ዝቕየር ይመስል’ሞ እቶም ሙዚቃዊ ኖታታት ካብቲ ልሙድ ውጽእ እትው ይብሉ።
ድምጺ እተን ፈላሲት ፒያኒስት፡ ኣብ መንጐ ተማዓደውቲ ዓለማት ዝወዛወዝ ዝነበረ ህይወተን ዘንጸባርቕ’ዩ።
እነ ኢታይ ብምዕራባዊ ክላሲካዊ ሙዚቃ እየን ሰልጢነን፤ እንተዀነ ማዕረ ማዕረኡ ውጽኢት ባህላዊ ዜማታትን ቅኒታትን ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ነይረን።
ፍሉይ ሙዚቃዊ ድምጸን፡ ነታ ኬት ሞልሰን ዝተባህለት ሃያሲት ሙዚቃ፡ እማሆይ ከም ሓንቲ ካብቶም ዓበይቲ ኣወሃሃድቲ ሙዚቃ መበል 20 ክፍለ ዘመን ተባሂለን ጐኒ ጐኒ ዝያዳ ፍሉጣት ኣስማት ክካተታ ከም ዘለወን ንክትማጎት ምኽንያት ኰይኑዋ’ዩ።
መንእሰይ እንከለዋ ነጻ መንፈስ ዝነበረን ዘመናዊት ጓል ኣንስተይቲ’ኳ እንተነበራ፡ ዝበዝሕ ዳሕረዋይ ህይወተን ግን ተነጺለን’የን ኣሕሊፈን።
ንእስነተን ከይጸገባ፡ ኣብ መበል 19 ዓመተን ናብ መንፈሳዊ ህይወት ስለዝዘንበላ፡ ዓለም መኒነን ናብ ምንኩስና ኣምሪሐን። ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲመን ድማ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ወሎ ኣርሒቐን ከይደን።
ኣብኡ ኣብ ደብሪ ጊሸን-ማርያም፡ ውፍይቲ ፈላሲት ኰይነን ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተኣሊኸን።
ቅድሚኡ ግን ናብ ላዕለዋይ ሕብረተሰብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሰጋጊረን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ምርኢት ኣቕሪበን ነይረን።
መብዛሕትኦም ኣገደስቲ ሙዚቃዊ ስራሕተን ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ዝተቐርጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተሓላለኹ ግን ድማ ብዘይ ገለ ጸገም ዝተዳለዉ እዮም።
ሽዑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ናይቲ ግዜ ዘመናዊ ስነ ጥበባውያን፡ ህርመት ምዕራባውያን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፔንታቶኒክ ቅኒት - ሓሙሽተ ኖታ - ብምውህሃድ እቲ ድሒሩ ኢትዮ-ጃዝ ብዝብል ዝተጸውዐ ፍሉይ ምትሕውዋስ ድምጽታትን ቅዲታትን ዝፈጥሩሉ እዋን ነይሩ።
እዚ ኢትዮ-ጃዝ ብዝብል ዝተጸውዐ ኣገባብ፡ ‘ፋንኪ’ን ‘ሶል’ን ዝተባህሉ ዓይነት ሙዚቃታት ከምኡ’ውን ሓያል ህርመት ዘለዎ ‘ግሩፕ’ን ብምሕውዋስ ይፍለጥ።
ድርሰታትን ቅዲን እነኢታይ ጽጌ ማርያም ግን ፍሉይ’ዩ ነይሩ። እማሆይ ምስ ፒያኖአን ጥራይ ኰይነን’የን በቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረን ዘጋጠመ ኣገደስቲ ፍጻመታትን ብመሳጢ ህይወትን ዝተሰነየ ፍትው፡ ኣስተንትኖኣዊ - ከምኡ'ውን ዝርብሽን - ትካዘ ዝፈጥርን ሙዚቃ ዘፍርያ ዝነበራ።

ምንጪ ስእሊ, BUDA MUSIQUE
ኣብ ታሕሳስ 1923 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣባል ላዕለዋይ ደርቢ ሕብረተሰብ ዝዀኑ ስድራቤት ተወሊደን። ኣቦአን ከንቲባ ናይታ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር እትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ጎንደር ነይሮም።
እነ ኢታይ ስድራ ቤተን ዝሃብወን ስም የውብዳር "እታ ዝጸበቐት" ዝብል ነይሩ - መኒነን ክሳዕ ኣብ 21 ዓመተን ሽመን ናብ ጽጌ ማርያም ተቐዪሩ እማሆይ ዝበሃላ ድማ በዚ ስም ክጽውዓ ጸኒሐን።
ኣብ እዋን ንእስነተን ፍሉይ መሰልን ዕድላትን ረኺበን።
እነ ኢታይ ጓል 6 ዓመት እንከለዋ፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ክመሃራ ምስ ሓብተን ናብ ስዊዘርላንድ ተላኢኸን፤ ንመጀመርያ ግዜ ንትምህርቲ ንወጻኢ ካብ ዝተላእኻ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እየን።
ኣብ ስዊዘርላንድ ንመጀመርያ ግዜ ሓደ ሙዚቃዊ-ምርኢት ይርእያ'ሞ - ሓደ ዓይነ-ስዉር ዘቕረቦ - እቲ ምርኢት ኣብ ልበን ሰሪጹ ተረፈ።
ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ስዊዘርላንድ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ምዕራባዊ ክላሲካዊ ሙዚቃ ተላልየን። እቲ ብሓደ ብርሃን ዝሰኣነ ስነ ጥበባዊ ዝቐረበ ሙዚቃዊ-ምርኢት ኣብ ልበን ሰሪጹ ተሪፉ።
እነኢታይ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ቢቢሲ ራድዮ ፎር ኣብ ዝነበረን ጻንሒት፡ “ኣብ ስዊዘርላንድ እንከለኹ ኣብ ናይ ሓደ ዓይነ ስዉር ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ተዓዲመ። ከመይ ከምዝዀነ ኣይፈልጥን ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ተሪፉ። ካብ ሽዑ ንደሓር ናይ ሙዚቃ ግዝእቲ ኰይነ። ንኣቦ ልደት ቫዮሊን ክህቡኒ ሓቲተ፤ ዳሕራይ ኣብ ክፍለይ ቫዮሊን ረኺበ። ገና ሸሞንተ ዓመተይ ነይረ፡'” ኢለን ነይረን።
ጓል ሸሞንተ ዓመት ከለዋ ድማ ብጠርበሽበሽ ቫዮሊንን ፒያኖን ክጻወታ ጀሚረን።
“ኣብ ጥቓ መደቀሲየይ ፒያኖ ነይሩ። ስቕ ኢለ ክሃርሞ ጀሚረ። ሰባት እንትሓልፉ 'እንታይ ትጻወቲ ኣለኺ?' ኢሎም ምስዝሓቱኒ 'እቲ መብረቕ' ይብሎም ነይረ (ሰሓቕ)፤ እንታይ ከምዝኾነ ግን ኣይፈልጥን።”
ኣብ ኤውሮጳ ጓና ዝተጓነያ ኰይኑ ተሰሚዑወን። ሓወን ዳዊት ገብሩ ብዛዕባ ህይወት ኣቦአን ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ “ጽምዋ ከም መሓዛ ቑልዕነት ምሳይ ዓብዩ” ብምባል ዝነበረን ስምዒት ገሊጸን።
ስለዝዀነ ሙዚቃ መጽናንዒ ኰይኑወን።
ኣብ 11 ዓመት ዕድሚአን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰት ድሮ ንፋሽን ሸውሃት ዝነበረን ሕውስቲ (ምሕዝነታዊ) መንእሰይ ጓል እያ ነይራ። ድሓር ግን ኲናትን ሓዘንን ደበኽ በለ።
ብ1936 ብመሶሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ። ሰለስተ ኣባላት ስድራ ቤተን ተቐቲሎም፤ ኣብቲ ሓሙሽተ ናይ ወራር ዓመታት፡ ጥልያን ንእነ ኢታይ ስድረአንን ከም ምሩኻት ሒዙ ኣብ ኣሲናራን መርካልያኖን ዝበሃላ ደሴታት ጥልያን ክጸንሑ ገይሩዎም። ቅትለት ኣዝማደን ኣብ ልዕሊአን ሓያል ጦብላሕታ ገዲፉለን - ድሒረን ንዝኽሮም እታ ‘ባላድ ኦፍ ዘ ስፒሪትስ’ እትብል ደርፊ ሰሪሐን እየን።
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ጎበጣ ጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ወጺአን: ናብ ሃገረን ተመሊሰን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስራሕ ጀሚረን - ኣብኡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ኰይነን። መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያውያን ንመጓዓዓዚ ፈረስን ዓረብያን ኣብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዋን እነኢታይ መኪና ይዝውራ ነይረን - ኣብቲ እዋን መኪና ዝዝወራ ደቂ ኣንስተዮ ሳሕቲ እየን ዝረአያ።
ጓል ኣንስተይቲ ምዃነን ከም ዘየዐንቅፈን ቆሪጸን ተላዒለን።
"ኣብ እዋን ንእስነተን ከይተረፈ፡ 'ኣብ መንጐ ኣወዳትን ኣዋልድን እንታይ ፍልልይ ኣሎ? ማዕረ'ዮም’ ይብል ነይረ” ክብላ ኣብ 2017 ቢቢሲ ብዛዕባ ህይወተን ኣብ ዝሰርሖ ሰነዳዊ ፊልም ንጋዜጠኛ ሙዚቃ ሞሊሰን ገሊጸን።
እነ ኢታይ፡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዘጋጥም ዝነበረ ወጽዓ ዝምክት፡ ማዕርነት-ጠቀስ ሕቶታት ብርእሰ-ተኣማምነት ኣልዒለን ይሓታ ነይረን።
እነ ኢታይ፡ ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ዳግማይ ናብ ጕዕዞ ኣትየን፤ ኣብ ትሕቲ ፖላንዳዊ ተጻዋታይ ቫዮሊን ኣሌክሳንደር ኮንቶሮቪች ሙዚቃ ከጽንዓ ናብ ርእሰ ከተማ ግብጺ፡ ካይሮ ኣቕኒዐን።
ኣብ መዓልቲ ንትሽዓተ ሰዓታት ይለማመዳ ነይረን። ብናይ ሙዚቃ ትምህርተን እናማዕበላ ይኺዳ'ምበር እቲ ምቘት ካይሮ ክጻወርኦ ኣይከኣላን፣ ጥዕና'ውን ኣይረኸባን። ስለዝዀነ፡ ምስቲ ሓላፊ ባንድ ሓለዋ ሃጸይነት ኰይኑ ዝተሸመ መምህረን ናብቲ ዝሑል ኵነታት ኣየር ዘለዎ ኣዲስ ኣበባ ክምለሳ ተገዲደን።
ሞገስ ናይቲ ሙዚቃአን ዝጻወታሉ ዝነበራ ሃጸይ ዘስተማቕራ'ኳ እንተመሰለን፡ ካብቶም ላዕለዎት ደርቢ ሕብረተሰብ ግን ገለ ዘይተመሰጡ ኣባላት ነይሮም። ስለዝዀነ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሮያል ኣካዳሚ ሙዚቃ ትምህርተን ክቕጽላ ዕድል ምስ ተዋሃበን፡ ክገሻ ኣይተፈቕደለንን - ስድራአን፡ ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ከምኡ ከም ዝወሰኑ ይወቐሱ።
ብሰንኪ እቲ ውሳነ፡ ዑደት ህይወተን ተቐይሩ።
እነ ኢታይ፡ ልበን ተሰቢሩ፤ ብጓሂ ምብላዕ ኣብየን። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ድማ ነብሰን ደኺሙ፡ ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝበን። ኵነታተን እናኸፍአ ምስ ከደ፡ ቀሺ ተጸዊዑ ቅዱስ ቍርባን ተቐቢለን።
ብድሕሪኡ ናብ ዓሚቝ ሃይማኖት ጥሒለን። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንእስነተን ከይጸገባ ኣብ መበል 21 ዓመተን ሙዚቃ ገዲፈን ዓለም መኒነን ናብ ምንኩስና ኣምሪሐን። ጣዕሚ ዝነበሮ ህይወተንን ኣዲስ ኣበባን ራሕሪሐን ከኣ ናብ ወሎ ኣርሒቐን ከዳ።
ኣብ ደብሪ ጊሸን-ማርያም፡ ፈላሲት ኰይነን፡ ጸጉረን ላጽየን ጥራይ እግረን ክጓዓዛ ጀሚረን።
ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተኣሊኸን ንዓሰርተ ዓመታት ኣብቲ ደብሪ ናይ ባሕታውያን ህይወት ተቛደሳ። እቶም ኣቡን ናይቲ ደብሪ ምስ ሞቱን ኣብ ከብዲ እገረን ጸገም ምስ ኣጋጠመን ግን እማሆይ ኣብ 30ታት ዕድመኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመለሳ ሞሊሰን ትገልጽ።
ኣብታ ርእሰ ከተማ ድማ ዳግማይ ሙዚቃ ክጻወታ ጀሚረን። ሕምብርተ-ምርኢት ካብ ምዃን ይሃድማ’ኳ እንተነበራ ሙዚቃታተን ግን ዕውታት ክዀኑ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, BUDA MUSIQUE
ንዓመታት ዝነበረን ብሕትው ኣስተንትኖ ከምኡ'ውን ድራማዊ ፍጻመታት ህይወተን ኣብ ሙዚቃታተን ተንጸባሪቑ’ዩ። ከም ‘ዘ ሆምለስ ዋንደረር’ (መዕቖቢ ዘይብሉ ኮብላሊ)፡ ‘ማዘርስ ላቭ’ (ፍቕሪ ኣደ) ከምኡ’ውን ‘ሆምሲክነስ’ (ናፍቘት) ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣብ ኣእምሮአን እንታይ ይመላለስ ከም ዝነበረ የመልክቱ።
“ሓዘን ኵሉ ግዜ ከም መሓዛይ ካብ ጐነይ ኣይጠፍእን ነይሩ” ክብላ ኣብ መጽሓፍ ሓወን ስምዒተን ገሊጸን ነይረን።
ኢትዮጵያዊ ወሃቢ ርእይቶ ሙዚቃ ሰርጸ ፍረስብሓት ከም ዝብሎ፡ ቀዳሞት ሙዚቃታት እነ ኢታይ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝግብኦም ናእዳ ዝረኸቡ “ኣብ ንእስነተን [ዝተደርሱ] ዓሞቕትን ብሓሳብ ዝተዋሕጡን” እዮም።
እነ ኢታይ፡ ኣብ 1960ታትን መጀመርታ 1970ታትን ኣብ ጀርመን ሙዚቃታት ብምቕራጽ ንገዛ ዘይብሎም ሰባት ንዝሕግዙ ትካላት ግብረ ሰናይ ገንዘብ የተኣኻኽባ ነይረን፤ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ዕሉል ስም ዝረኸባ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ።
ልክዕ ከምቶም ኣብ እዋነን ዝነበሩ መዘና ሙዚቀኛታት ኢትዮ-ጃዝ፡ ብፈረንሳዊ ምሁር ሙዚቃ ፍራንሲስ ፋልቸቶ ምስ ሰፊሕ ሰማዕቲ ተላልየን። ‘ኢትዮፒከስ’ ዝብሉ ተኸታተልቲ ኣልበማት ፍራንሲስ ፋልቸቶ፡ ካብቶም ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ዝነበሩ ማህደር ሙዚቃታት ዝተኣከቡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, BUDA MUSIQUE
ኣብ 2006 ዝተዘርግሐት ኣልመን፡ ናእዳ ረኺባ፤ እዚ ድማ ስራሕተን ንፊልምታትን መወዓውዒታትን ክውዕሉ ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣብ እየሩሳሌም እስራኤል ኣብ ዝርከብ ገዳም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ይነብራ ነይረን።
ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማእከል ኲናት ሓድሕድን ኣብ ትሕቲ እቲ ንሃይማኖታዊ እምነተን ዘጥቅዕ ማርክሳዊ ወተሃደራዊ ስርዓትን እያ ነይራ። ስለዚ ኣብ 1984፡ ሞት ኣደአን ስዒቡ ናብ እስራኤል ተሰዲደን ዝተረፈ ህይወተን ኣብኡ ኣሕሊፈን።
ምልምማድን ሙዚቃ ምድራስን ቀጺለን፤ ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ዝረኸባኦ ዝና ድማ ሙዚቀኛታትን ሃየስትን ተቐቢለን ኣብ ዙርያ ስራሓተን ይዛተያ ነይረን።
ብተወሳኺ ናይ ሙዚቃ ኢደ-ጽሑፋተን (ድርሰታተን) ወሲዳ ክትሕተም ንእስራኤላዊት ፒያኒስት ማያ ዱኒትዝ ጻውዒት ገይረናላ። በዚ መሰረት 12 ዝዀኑ ናይ ፒያኖ ውሁድ ስራሕተን ብኖታ ተሓንጺጾም ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሞም እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ንግስቲ ፒያኖ” ተባሂለን ይጽዋዓ።
ቅኒታተን ኣብ ኵሉ ቦታታት ይርከብ - ገሊኦም ኣብ እዋን ሃገራዊ ሓዘን ዝድመጹ ክዀኑ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ከም መዐጀቢ (መሰነይታ) ድምጸ-መጻሕፍትን መደባት ራድዮን የገልግል ኣሎ።
ብዙሓት ግን ድርሰታት እነ ኢታይ ምዃኖም ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም።
ቅኒታት እነ ኢታይ ምስ ግዜ ዝሓልፉ ኣይኰኑን፡ ብዛዕባ ኣስታት ናይ 100 ዓመት ህይወተን ዝያዳ ክፈልጡ ዝህንጠዩ አእዛን ከም ዝረኽቡ ኣየጠራጥርን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







