እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ዙር ዋሎነ ናይ ነጥቢ ማልያ ንምውሳድ ክወዳደር’ዩ
ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዙር ዋሎነ - ቤልጂየም፡ ምስቲ ብ28 ነጥቢ ቀዳማይ ዘሎ ተቐዳዳማይ ትሬክ ስጋፍረዶ ጀንሰን ማትያስ ብማዕረ ነጥቢ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ’ዩ ውድድሩ ከካይድ።
ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን መድረኻት ብዘመዝገቦ ውጽኢት’ዩ ብነጥቢ ንዝተዓወተ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ንምውሳድ ምስ ቀዳማይ ክመዓራረ ክኢሉ ዘሎ።
ቢንያም፡ ካብ ቪዝ ተበጊሱ ኣብ ሮክፎር ኣብ ዝተዛዘመ 195.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ፡ ንቤልጂማዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ሎቶ ሳውዳል ዲ ኣርኖድ ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ ብምእታዉ'ዩ 20 ነጥቢ ክረክብ ክኢሉ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻደ 200.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኸ’ውን ቢንያም ነቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ንምርካብ፡ ነታ ዓባይ ጕጅለ ንነዊሕ ኪሎሜተራት ብምስሓብ ግዜ ከይከሰረ ካብታ ካልኣይቲ ዓባይ ጕጅለ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ውድድሩ ሓሙሻይ ኰይኑ ዛዚሙ።
ኣብ ራብዓይ መድረኽ 8 ነጥቢ ክርክብ ዝኸኣለ ቢንያም፡ ነጥቡ ናብ 28 ክብ ብምባል፡ ምስቲ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ራብዓይ ኰይኑ ዝኣተወ ጀነስ ማትያስ፡ ብማዕረ 28 ነጥቢ [ብመዓልቲ ተበሊጹ] ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ።
ኣብ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣልፔሲን ኣውስትራልያዊ ስታናርድ ሮበርት ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ንቢንያም ቪልጀን ሎይክ ብ4 ካልኢት ተፈንቲቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብዚ ውድድር ንብጫ ማልያ'ውን፡ እቲ ኣብ መበል 14 ተሰሪዑ ዘሎ’ውን ካብቲ ቀዳማይ ዘሎ ናይ 52 ካልኢት ጥራይ ፍልልይ ስለዘለዎ፡ ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ዙር ዋሎነ ንብጫ ማልያ መን ክዕወተላ ይኽእል ንምግማት ዘሸግር እዩ።
ቢንያም ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቒቕን 35 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 25 ክስራዕ እንከሎ፡ ኣብቲ ንመንእሰይ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ዝግበር ውድድር’ውን ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቒቕን 35 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ታሽዓይ ተሰሪዑ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ቢንያም ሎሚ ኣብ ዝካየድ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ናይ ነጥቢ ማልያ ንምውሳድ’ዩ ክወዳደር።
ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ዋሎኒ እታ ዝነወሐት መድረኽ ኰይና፡ ተቐዳደምቲ 214.8 ኪሎ ሜተር ክዝውሩ’ዮም።
ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ቀዳማይ ወጺኡ፣ ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዓይኑ ተሃሪሙ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ተሰሊፉ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ክሳብ'ቲ ብሰንኪ ማህረምቲ ዓይኑ ካብ ጸወታ ዝተኣለየሉ ዓሰርተ መድረኻት፣ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ሓምሻይ፡ ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሻምናይ መድረኽ ሓምሻይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ከኣ ቀዳማይ ምውጽኡ ይዝከር።
ቢንያም፡ በቲ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ንሱ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ዝካየድ፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታኡ ኰይኑ ኣብ ዘካይዶ ናይ ግዜ ውድድራት፡ ብብንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ’ዩ ውድደራቱ ከካይድ።