እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጃፓናውያን ዘደንጸወ ምስጢሩ ዘይተፈልጠ ደንጎላ ሓጺን
ኣብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ብማዕበል ተገፊዑ ዝመጸ ዓቢ ዶንጎላ ሓጺን ንብዙሓት ነበርቲ ዘስተንከረ ኮይኑ'ሎ።
ሰብመዚ እታ ሃገር እቲ ከቢብ ሓጺን እንታይ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣይክኣሉን ዘለዉ።
ነቶም ክምርምርዎ ዝተላእኩ ፖሊስን ኪኢላታት ቦምባን'ውን ሕንቅልቅሊተይ ኮይንዎም ይርከብ።
እንተኾነ ግና፡ ውሽጡ ባዶ ምዃኑን ዘስግእ ከምዘይኮነን ምርግጋጹ ንነበርቲ እቲ ዝተረኽበሉ ቦታ እፎይታ ፈጢሩ'ሎ። ብዙሓት ከምዝብልዎ፡ እቲ ሓጺን ኣብ ባሕሪ ዝንሳፈፍ ሓባሪ መራኽብ'ዩ።
ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ገማግም ከተማ ሃማማጹ ዝተረኽበ ግዛዕ "እንቋቑሖ ጎድዚላ" ("Godzilla egg") ዝብል ስም ከጠምቕዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ "መዐሸጊ መራኽብ" ይብልዎ ኣለዉ።
"ካብ ርሑቕ ጠፈር" ዝመጸ ከይከውን ዝብል ሓሳብ ዘለዎም ነበርቲ'ውን ኣይተሳእኑን።
መደበር ተለቪዢን ጃፓን ኤን-ኤች-ከይ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ክልተ ሰብመዚ፡ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበረ 1.5 ሜትሮ ዝስፍሓቱ ዝመረተ ከቢብ ሓጺን እናመርመርዎ የርኢ።
ሓደ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ነቲ ዘይንቡር ዶንጎላ ኣብቲ ገምገም ምስራኣዮ'ዩ ንፖሊስ ሓቢሩ።
ናብቲ ቦታ ዝተላእኩ ኪኢላታት ናይ ኤክስ-ረይ መርመራ'ኳ እንተኣካየድሉ ዝረኸብዎ ነገር ኣይነበረን- እንትርፎ ሓደገኛ ዘይምዃኑ ምርግጋጽ። ኣብ ዙርያኡ ግን ናይ ፖሊስ ሓጹር ዘርጊሖምሉ ኣለዉ።
ሓደ በቲ ገማግም ዝጎዪ ዝነበረ ነባሪ ግን ነቲ ዋዕዋዕ ዝብል ዝነበረ እኩብ ሰብ ብምርኣይ ከምዝተገረመ ብምግላጽ፡ ነቲ ደንጎላ ኣቐዲሙ ርእይዎ ምንባሩ ተዛሪቡ።
"ክደፍኦ ፈቲነ ነይረ፡ ግና ምንቕ ኣይበለን" ክብል ነቲ መደበር ተለቪዢን ገሊጹ።
ሰብመዚ'ቲ ከባቢ ነቲ ሓጺን ካብቲ ቦታ ክኣልዩዎ መደብ ከምዘለዎም ሓቢሮም ኣለዉ።
ከምዚ ዓይነት ነገራት ምርኣይ ጥርጣረ ዘሕድር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ኣመሪካ ዝበረረ ዓቢ ባሎን ስለያ ቻይና ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑን ተመሳሰልቲ ነገራት ምርኣዮምን ምጥርጣራት ሰባት ክልዕል ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ካብ 2019 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ጃፓን፡ ናይ ስለያ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ባሎናት ሰለስተ ግዜ ተራእዮም ብምንባሮም፡ ጃፓን ዘለዋ ስክፍታ ብረቡዕ ንቻይና ገሊጻ ነይራ። ቤዢንግ ግን ኣብቲ ዝብሃል ናይ ስለያ ንጥፈታት ኢድ ከምዘይብላ'ያ ትምጉት።
ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ብረቡዕ ተራኺቦም ነይሮም'ዮም። እቲ ናይ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ርክብ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ካብ ዝመጽእ ኣየት ጀሚሮም ሓደጋ ከወግድ ዝኽእል ናይ ህጹጽ እዋን መስመራት ርክብ ክኸፍቱ ተሰማሚዖም ኣለዉ።