ብዓል ስነጥበባዊ አማኑኤል 'ስርዓት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንምቕያር ተንቀሳቒሶም' ብዝብል ተኸሲሶም

ስነ-ጥበባዊ ኣማኑኤል ሃብታሙ፣ ኣዳላዊ ትያትር ዳግማዊ ፋይሳን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፍልጥቲ ዝዀነት ፍላጎት ኣብርሃምን ዝርከብዎም 20 ውልቀሰባት "ንጉጅለ ኣሸበርቲ ዝኸውን ሎጂስቲክስ ንምምላእ ገንዘብ ብምውጻእ" ከምኡ’ውን "ብዕጥቃዊ ቃልሲ ቅዋማዊ ስርዓት ንምቕያር ብምንቅስቓስ" ብዝብል ተጠርጢሮም ንፈለማ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ኣራዳ፡ ኣብቶም ጥርጡራት መርመራ ንምክያድ ናይ 13 መዓልታት ፍቓድ ከምዝሃበ ጠበቓ ኣያሌው ቢታኔ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብ 10 ክሳብ 70 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ እቶም ጥርጡራት ትማሊ ረቡዕ 28 ግንቦት 2016 (ግእዝ) እዮም ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ተዋሳኣይ ኣማኑኤል ሃብታሙ ሓደ ካብቶም ኣብ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት እዩ።

ንሱ፡ ኣብ 2006 ኣብ ዝወጽአ "ረቡኒ" ዝብል ርእሲ ዘለዎ ፊልም ብምውስእ ዝለዓለ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፊልምታትን ተዋስኦታትን ተሳቲፉ።

ነታ ቅድሚ ማእሰርቱ ከቕርባ ዝጀመረ ናይ መወዳእታ ስራሑ ዝዀነት “እብደት በህብረት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ትያትር ከርእይ ብዕለት 14 ሚያዝያ 2016 [ግ] ናብ እስራኤል ክኸይድ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ኣዳላዊ ትያትር ፋይሳ ዳግማዊ እውን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ብፖሊስ ተኣሲሩ። “የቃቄ ውርደት"ን "የኮከቡ ሰው"ን ዘርእስተን ተዋስኦታት ካብ ሞንጎ ስራሕቱ ይጥቀሳ።

ካልእ ምስቶም ስነጥበባውያን ብሓባር ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ፍላጎት ኣብርሃም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "የልጅ ማኛ" ብዝብል ስም ትፍለጥ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ጸላዊት እትፍለጥ ፍላጎት ኣቕራቢት መደብ ተለቪዥንን እውን እያ። ኣብ ቲክቶክ ኣስታት 600 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዋ።

ፍላጎት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ 9ይ መድረኽ ሽልማት ጉማ ['ጉማ ኣዋርድ'] ኣብ ገጻ ብዘስፈረቶ መልእኽቲ ሓዘል ቅብኣን ኣከዳድንኣን ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒባ ነይራ።

ኣብቲ ምርኢት ዝተለኸየቶ ሜክኣፕ ኣብ ግንባራ ብጥይት ዝተሃረመትን ከንፈራ ንኸይትዛረብ ዝተሰፈየን ዘምስል ነይሩ። እቲ ዝለበሰቶ ጻዕዳ ክዳን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ነይርዎ።

ካብዞም ፍሉጣት ሰባት ብተወሳኺ ሓሙሽተ መዓርግ ፖሊስ ዘለዎም ውልቀሰባት እውን ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ኣማኑኤል፣ ፍላጎትን ያሬድ ገብረጻድቅን (ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ያያ ዘልደታ ብዝብል ዝፍለጥ) ብሰለስተ ጠበቓታት ከምዝተወከሉ ጠበቓ ኣያሌው ገሊጹ። ካልኦት ሰለስተ ጠበቓታት ንኣዳላዊ ዳግማዊን ካልኦት ክልተ ጥርጡራትን ብተናጸል ከምዝወከሉ’ውን ጠቒሱ።

እቶም ካልኦት ጥርጡራት ብዘይ ጠበቓ ከምዝቐረቡ ዝገለጸ ኣያሌው፡ በዚ ምኽንያት እቶም ሰለስተ ጠበቓታት ነቶም ካልኦት ውልቀሰባት ኣብ "ሞያዊ ግቡእ" ተመርኲሶም ከምዝውክሉ ገሊጾም።

መርማሪ ፖሊስ፡ "ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም፡ ኣብ [ኣዲስ ኣበባ] 'ቦምብ ክፈንጀር እዩ፤ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም’ዩ' ዝብሉ ራዕዲ ዝፈጥሩ ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ዝዘርግ ተግባር ፈጺሞም'ዮም" ብምባል እቶም 20 ሰባት ዝተጠርጠሩሉ ምኽንያት ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

እቶም ጥርጡራት፡ "ነቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ሎጂስቲክስ ንምዕዳግ ዝውዕል ገንዘብ ብምውጻእ፤ ነቲ ቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን ብሓይልን ብብረትን ንምቕያር ክንቀሳቐሱ" ከምዝተረኸቡ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ መመልከቲ ፖሊስ ይጠቅስ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ዓቢ ዓመጽን ዕግርግርን ንምልዕዓል" ብምዕላም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝርከብ "ተልእኾ ኣኽረርቲ ጉጅለ" ተቐቢሎም ይንቀሳቐሱ ምንባሮም እውን ኣመልኪቱ።

መርማሪ ፖሊስ፡ ቴለፎናትን ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታትን እቶም ጥርጡራት ምስ ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኰይኑ ንምጽራይ ተወሳኺ 14 መዓልታት ክፍቀደሉ ንቤት ፍርዲ ከምዝሓተተ እቲ ጠበቓ ገሊጹ።

ብኣንጻሩ ነቶም ጥርጡራት ዝወከሉ ጠበቓታት፡ ዓማዊሎም ካብ 10 ክሳብ 70 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሑን ተወሳኺ ናይ መርመራ ግዜ ምሕታት ድማ "ፖሊስ ስርሑ ከምዘይሰርሕ" ዘርእይ ምዃኑን ብምሕባር ተኻቲዖም።

"ዓማዊልና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍዎም መዓልታት መርትዖ ንምእካብን ክሲ ንምቕራብን ልዕሊ እኹል እዩ" ኢሎም ተቓዊሞም።

እቶም ዕስራ ውልቀሰባት ፈጺሞሞ ዝተብሃለ ገበን ብተናጸል ከምዘይተዘርዘረ ዝሓበረ ኣቶ ኣያሌው፡ "ሽበራዊ ጉጅለ" ተባሂሉ ዝተጠቐሰ ኣካል መን ምዃኑ ከምዘይተነጸረን ጠበቓታት ንቤት ፍርዲ ከምዝገለጹ ጠቒሱ።

"ጉዳይ ግብረሽበራ እንተዀይኑ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ጉዳይ ክሰምዕ ስልጣን የብሉን። ብመሰረት ሕጊ ግብረሽበራ ነዚ ክርኢ ዘለዎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል እዩ” ኢሉ እቲ ጠበቓ።

እቲ ጉዳይ ምስ ዓመጽን ዕግርግርን ዝተኣሳሰር እንተዀይኑ፡ እዚ ዓይነት ጉዳይ "መሰል ዋሕስ ዝኽልክል ኣይኰነን" ብዝብል መሰል ዋሕስ እቶም ጥርጡራት ክኽበር ሕቶ ቀሪቡ'ሎ።

ኣይተ ኣያሌው ከምዝብሎ፡ ፖሊስ ነቶም ዝቐረቡ ክትዓት ዝሃቦ ምላሽ፡ “ንሕና ክሲ ኢና ነቕርብ። ብግብረሽበራ ድዩ ወይስ ብዓመጽ ዝብል ምፍላይ ተራ ኣኽባሪ ሕጊ እዩ" ዝብል እዩ።

እንተ እቲ ተግባራት ተጠርጠርቲ ብተናጸል ኣይቀረበን ንዝብል ሞጎተ ግን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተጠርጠርቲ መርትዖታት ከምዝኣከበ መርማሪ ፖሊስ ይገልጽ።

ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክፍሊ ኣራዳ ነቲ መርማሪ ፖሊስ ካብ ዝሓተቶ 14 መዓልታት መርመራ ብምንጻግ ን13 መዓልታት ጥራይ ከምዝፈቐደ ኣይተ ኣያሌው ኣብሪሁ።