ህወሓት ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘኽእሎ መመሓየሺ ኣዋጅ ፀዲቝ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ “ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ትማሊ ኣፅዲቑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ብዓርቢ 31 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ዝቐረበሉ ምምሕያሽ ኣዋጅ ተቐቢሉ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምልኣኹ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ሃገራዊ ባይቶ ትማሊ 27 ግንቦት 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ነቲ ምምሕያሽ መርሚሩ ከም ዘፅደቐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቆይሙ ኣንፃራዊ ሰላም እንተሰፈነ'ኳ፡ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ውድብ ህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ከዘራርብ ፀኒሑ እዩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ብ2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኲናት ትግራይ ስዒቡ “ኣብ ተግባር ዓመጽ ተዋፊሩ” ብዝብል ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ተሰሪዙ ንብረቱ ክውረስን ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ቦርድ መረፃ፡ ኣብቲ "ኣዋጅ መረጻ ኢትዮጵያ፣ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ” ብዝብል ዝፍለጥ ነባር ሕጊ መረፃ፡ ኣብ ጎነፅ ተሳቲፉ ዝነበረ ውድብ መሊሱ ንምምዝጋብ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየለ፡ ክጠቅስ ፀኒሑ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ውሳነ "ሕጋዊ ዀነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት የብሉን” ክብል ነቲ ቦርድ ዝነቐፈ ዀይኑ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ዘዕንቅፍ ምዃኑ ስግኣቱ ገሊፁ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ቦርድ መረፃን እቲ ውድብን ፍሕፍሕ ክፈጥር ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ገዛኢ ውድብ ብልፅግናን’ውን፡ ኣብ ክሊ ‘ውድባዊ’ ኣጀንዳታት ብዝብል፡ ክልተ ሰለስተ ዙራት ኣኼባ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህወሓት ድሕሪ ኲናት ንፈለማ እዋን ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ ኣብ ምድላዋት ከም ዝርከብ ይገልጽ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣዋጅ መረጻ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ እቲ ብ2012 ዓ.ም ዝወጽአ ሕጊ መረጻ፡ ኣፍልጦ ዝተኸልሉ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዳግም ክምዝገቡ ኣብ ምግባር ዘሎ ሃጓፋት ንምዕባስ ምምሕያሽ ከምዝተገብረሉ ተገሊፁ።

“ካብ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ ኰይኖም ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ብሰላማዊ መገዲ ንምንቅስቓስ ድልየት ኣብ ዘርእይሉ እዋን፡ ኣብቲ ጽኑሕ ኣዋጅ እዞም ኣካላት ሕጋዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ጌርካ ንምምዝጋብ ዘኽእል ስርዓት ኣይሰፈረን” ብምባል ኣብ ዙርያ እቲ ነባር ኣዋጅ ዝተርኣየ ጕድለት ይገልጽ።

እቲ ሕጂ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገይሩዎ ዘሎ ምምሕያሽ፡ ንውድብ ህወሓት ሓዊሱ፡ ኣብ ግጭት ተሳትፎ ነይሩዎም ተባሂሎም ዝግለፁ ፖለቲካዊ ጕጅለታት፡ ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝጸደቐን ትማሊ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐርብን ረቂቕ፡ ኣብቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ ኣብ ሰለስተ ዓንቀጻት ሓደስቲ ንኡሳን ዓንቀጻት ወሲኹ ኣሎ።

ሓድሽ ንኡስ ዓንቀጽ ዝተወሰኸሉ ቀዳማይ ድንጋገ ናይቲ ኣዋጅ፡ እቲ ብዛዕባ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ዝምልከት ዓንቀጽ እዩ።

እቲ እማመ፡ "ብሓይሊ ዝተመርኮሰ ዓመጽቲ ተግባራት" ዝተዋፈረ ፖለቲካዊ ጉጅለ ከም ውድብ ክምዝገበሉ ዝኽእለሉ መስርሕ የቐምጥ።

ኣብቲ ኣዋጅ ዝተገብረ ምምሕያሽ "ነዚ ንጥፈት ደው ኣቢሉ ብመሰረት ሕገ መንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክዋሳእ ከምዝተሰማምዐ ብዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ እንተተረጋጊጹ፡ እቲ ፖለቲካዊ ጉጅለ ብፍሉይ ኩነታት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ክምዝገብ ይኽእል'ዩ" ይብል።

ኣብ ዓንቀፅ እቲ ኣዋጅ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ንምምዝጋብ ዝቐርብ መመልከቲ ዝድንግግ ሓዱሽ ንኡስ ዓንቀፅ ተወሲኹ ይርከብ።

ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ፡ ቦርድ መረፃ፡ እቲ ቦርድ መመልከቲ እቲ ጉጅለ ካብ ዝቐርብ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ነቲ ምዝገባ ብ 'ፍሉይ ኩነታት' ከም ዝፍጽም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መብርሂ ናይቲ ኣዋጅ "ብመሰረት እዚ ድንጋገ፡ ቦርድ መረፃ ነቲ መመልከቲ ናይ ምንጻግ ኣማራጺ የብሉን" ይብል።

እቲ ቦርድ ብስሩዕ ኣገባብ፡ ከም ውድብ ንኽምዝገቡ ካብ ዝሓቱ ጉጅለታት ዝቐርብ ሕቶታት ናይ ምንጻግ ስልጣን ኣለዎ።

እቲ መብርሂ ወሲኹ፡ "እቲ ቦርድ ነቲ ኣመልካቲ ብዘይ ምፍታሽ ብቐጥታ ይምዝግቦ፤ ንምክትታልን ምቁጽጻርን ዝሕግዝ ስርዓት ድማ ተዘርጊሑ'ሎ" ይብል።

ኣፈፃፅማ ቁፅፅር ቦርድ ብዝምልከት ዝተገበረ ምምሕያሽ ኣዋጅ፤ "ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ፖለቲካዊ ሰነዳት ናይቲ ዝተመዝገበ ውድብ ብመሰረት ድንጋገታት እዚ ኣዋጅ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ውድብ ሓፈሻዊ ኣኼባ የካይድ ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ መአረምታ ስጉምትታት ነቲ ውድብ ኣድላዪ ትእዛዝ ይወሃቦ" ኢሉ።

እቲ ቦርድ ዝተረፈ እዋን፡ እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ "ሰላማዊ ንጥፈታት የካይድ ድዩ" ዝብል ምክትታልን ግብረ መልሲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ።

እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ወሲኹ፡ እቲ ውድብ በቲ ዝተውሃቦ ግብረ መልሲ መሰረት ክእረሙ ዘለዎም ነገራት እንተዘይኣሪሙን ርኡይ ጥሕሰት ሕጊ እንተፈፂሙን፡ እቲ ቦርድ መዝገባ’ቲ ውድብ ናይ ምስራዝ ስልጣን ከም ዘለዎ ይሕብር።

እዚ ሕጂ ዝወጽአ ኣዋጅ መረጻ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ "ኣብ ስልጣን ዝተመርኰሰ ተግባራት ዓመጽ፡ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰር ገበናዊ ተግባራትን ተግባራት ምትላልን እንተፈጺሙ" ካብ ምዝገባ ክእለ ከም ዝኽእል ድማ ይገልጽ።