ኣዝዩ ሃብታም ዝዀነ መራሒ ሕብረት ሰራሕተኛታት ነበር ሲሪል ራማፎሳ መን'ዩ?

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ልዑል ርእሰ ተኣማንነትን ግርማ ሞጐስን ዝተላበሰ ሰብ’ዩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ዝጸንሐ ራማፎሳ፡ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ትሕቲ ሰብ ክዀኑ ዝገበረ ግዝኣት ኣፓርታይድ ኣብ ምቅላስ ርኡይ እጃም ዝነበሮ ውልቀሰብ’ዩ።

ንሱ፡ ብመንጽር ኣብታ ሃገር ንዘመናት ዘበርከቶ ፖለቲካዊ እጃም፡ ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኻልኣይ ግዜ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ክምረጽ’ዩ ዝብል ትጽቢታት ኣሎ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ቀረባ ዝተኣከቡ ርእይቶታት ህዝቡ፡ መራሒ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ራማፎሳ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ትሕቲ 50 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ወዲ 71 ዓመት ራማፎሳ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሮ ምምሕዳር፡ ኣዝዩ ተስፋ ብዘቝርጽ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምጣነ ሃብታዊ ዘይምዕሩይነትን፡ ልዑል ምቍርራጽ ኣገልግሎት መብራህትን ብልሽውናን ክብዳህ ጸኒሑ።

ብፍላይ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ምእላይ ዓቢይ እጃም ዝነበሮ ኤኤንሲ ብ1994 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ፕረዚደንት ክኸውን ይብህግ ነይሩ ንዝበሃል ራማፎሳ፡ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝርሓቐ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ።

ራማፎሳ፡ ብ1952 ዓ.ም ኣብ ጥቓ ማእከላይ ጆሃንስበርግ እዩ ተወሊዱ። ቍልዕነቱን ንእስነቱን ኣብ ውሽጢ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ’ዩ ኣሕሊፉዎ።

ጭቈና ይዅን ዘይፍትሓውነትን ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ።

ቈልዓ እንከሎ፡ ወለዱ ብኣስገዳድ ናብ ሰዌቶ ተወሲዶም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ጸዓዱ ሰብ መዚ፡ ኣብ ሰዌቶ ሓዊሱ ቍጠባዊ ጸጋታት ናብ ዘይብሎም ቦታታት ብኣስገዳድ ክሰፍሩ ይግበር ነይሩ።

ታሪኽ ህይወት ራማፎሳ ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ኣንቶኒ በትለተር፡ ተምሃሪ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እንከሎ ፍልጠት መምሃራኑ ብምፍታን ዕዮ ገዛ ካብ ዝህቡ ንፉዓት ተምሃሮ ሓደ’ዩ ነይሩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣዝዩ ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎን ፍቱውን ነይሩ” ክብል ብዛዕባ ራማፎሳ ምስክርነት ይህብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓሳት ጸለምቲ ይሳተፍ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ምሕረት ዘይነበሮ ግዝኣት ኣፓርታይድ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ክጸንሕ ገይሩ።

ራማፎሳ፡ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሓለፍቲ ፋብሪካ ዕደና ዝተላዕለ ሃገራዊ ሕብረት ሰራሕተኛታት ዕደና ካብ መንጐ ዝመርሑ እዩ።

እቲ ሕብረት፡ ብሕብሪ ቈርበቶም ዝሓሸ ክፍሊት ዘይረኽብሉ ኣድልዎ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ሰራሕተኛታት ዝተጻዕኑ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓታት ንምእላይ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተላዕሉ ዓበይቲ ናዕቢታት ኣዳልዩ እዩ።

ኣፓርታይድ ኣብ ምእላይ ልዑል እጃም ናብ ዝነበሮ ሰልፊ ኤኤንሲ ብምጽንባር ድማ፡ ጨቋኒ ግዝኣት ንኸብቅዕ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ከምኡ’ውን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ድርድር ምስ ኔልሰን ማንዴላ ብቐረባ ሰሪሑ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ማንዴላ ፈላማይ ጸሊም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡ ራማፎሳ ምኽትሉ ክኸውን ባህጊ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።

ይዅን’ምበር፡ እዚ ባህጊ ኣይሰመረን፤ እቲ ቦታ ንታቦ ምቤኪ ተዋሂቡ።

ራማፎሳ፡ በዚ’ኳ እንተሓዘነ ኣባል ባይቶ ብምዃን ኣብ ዓለምና ሰጐምቲ ካብ ዝበሃሉ ሓደ ዝዀነ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምርቃቕን ምጽዳቕን ልዑል እጃም ከም ዝነበሮ ይዝረበሉ።

ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተቐባልነት ዘትረፈ ራማፎሳ፡ ንብዙሓት ብዘደንቕ መልክዑ ካብ ፖለቲካ ርሒቝ ናብ ናይ ቢዝነስ ዓለም ኣተወ።

“ኣብ ማንዴላን ካልኦትን እምነት ስለ ዝነበሮ’ዩ ኣንፈቱ ቀይሩ፤ ኣብቲ እዋን ብተዛማዲ መንእሰይ ነይሩ” ይብል ፕሮፌሰር በትለተር።

ራማፎሳ፡ ኣብቲ ኣብታ ሃገር ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተባሕተ ባይታ ቢዝነስን ንግድን ብምእታው ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተዋፊሩ።

ኣብ ቴሌኮም፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ልስሉሳት መስተታት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰንሰለት ኣመሪካዊ ፈጣን መግቢ ማክዶናልድስ ናቱ ኰነ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ዕደና ተዋፊሩ። ንግዲታቱ ኣትራፊ ዝዀነሉ ራማፎሳ፡ ብ2015 (ኣ.ኤ) ኣስታት 450 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ብምውህላል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃብታም ፖለቲከኛ ኰይኑ።

ብ2012 ግን፡ ፖሊስ ኣብ ዕደና ማሪካና ፕላቲንየም 34 ሰራሕተኛታት ብምቕታሉ፡ ሽም ራማፎሳ ተደዊኑ።

ድሕሪ ምእላይ ግዝኣት ጸዓዱ፡ ኣብታ ሃገር ክፉእ ስጕምቲ ፖሊስን ቅትለት ብዙሓትን ዝተፈጸመ ኣብ ማሪካና’ዩ።

ኣብ ማሪካና ቅትለት ክፍጸም እንከሎ፡ ራማፎሳ ዳይሬክተር ዋና እቲ ዕደና ናይ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ትካል ሎንሚን ነይሩ።

ኣብ ሓደ እዋን ዝቃለሰሉ ንዝነበረ ሰራሕተኛ ክሒዱ ተባሂሉ ድማ ተነቒፉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ዕደና ኣድማ ምግባሮም ስዒቡ “ተግባራት ገበን ደው ንምባል” ስጉምቲ ንክውሰድ ትእዛዝ ምሃቡ ዘርእዩ መልእኽቲታት ኢመይል ምውጽኦም’ዩ።

ዳያኑ ዝመርሑዎ ነዚ ጉዳይ ዘጻሪ ጕጅለ ኣብቲ ክስተት ነይሩዎ ካብ ዝተባህለ ተሳትፎ ናጻ’ዩ እኳ እንተበሎ፡ እቲ ዝተደወነ ሽሙ ግን ክጸሪ ኣይክኣለን።

ኣብ ሓደ እዋን ንመሰል ሰራሕተኛታት ይቃለስ ዝነበረን ድሒሩ ዕሉል ሃብታም ዝዀነን ራመፎሳ፡ ምኽትል ኤኤንሲ ኰይኑ ምስ ተመርጸ’ዩ ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ።

ኣብቲ እዋን ምኽትል እቲ ብኣዝዩ ልዑል ብልሽውና ዝኽሰስ ዝነበረ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ምኽትል ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ዙማ ዝመርሖ ኤኤንሲ ክልተ ዓመት ክተርፎ ምስ ተረፎ ኣንጻር ዙማ ኰይኑ ናብ ውድድር ቀሪቡ።

ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ዙማ ዝተስፋሕፈሐ ብልሽውና ከጥፍእ ድማ ተመጻብዐ።

ሽዑ፡ ዙማ ዘሎን ዘየሎን ደገፉ ንበዓልቲ ቤቱ ዝነበረትን ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረትን ንኮሳዛና ድላሚኒ ስለ ዝገበረ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓያል ንሕንሕ ኣጓኒፉ።

ድሕሪኡ፡ ንኮሳዛና ድላሚኒ ተዓዊታ ብ2017 መራሒት ኤኤንሲ ኰይና።

ዙማ፡ ክሳብ እቲ ብ2019 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኰይኑ ንምጽናሕ ትጽቢት ነይሩዎ።

እንተዀነ፡ ራማፎሳ ሓዊሱ ኣመራርሓ ኤኤንሲ ብዝገበርዎ ዕቱብ ጸቕጢ ኣብ ትሕቲ ሓያሎ ነቐፌታታት ዝወደቐ ዙማ ስልጣኑ ክለቅቕ ተገዲዱ።

ድሕሪ 25 ዓመታት ድማ፡ ሕልሚ ራማፎሳ ተጋሂዱ። ንዙማ ተኪኡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኰይኑ ከም ዝሽየም ብባይቶ ክእወጅ እንከሎ፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ብደርፍን ዕልልታን ታሕጓሶም ገሊጾም።

እዚ ሓድሽ መራሒ ኣብ ዘስምዖ ፈላማይ መደረ፡ ብልሽውና ብትሪ ክቃለሶ’የ እኳ እንተበለ፡ ብዙሕ እንከይጸንሐ ንሱ’ውን ብብልሽውና ዝተቘማጥዐ እዩ ክብሃል ጀሚሩ።

ራማፎሳ፡ ብ2018፡ ንፕረዚደንትነት ኤኤንሲ ዝገብሮ ዝነበረ ጐስጓስ መረጻ፡ ኣዝዩ ኣካታዒ ካብ ዝተባህለ ኩባንያ ናይ ልግሲ ገንዘብ ከም ዝተቐበለ ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ ነይሩ።

ድሕሪኡ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ ግጉይ ሓበሬታ ሒዙ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ እንስሳት ካብ ዘዳቕል ፋላ ፋላ ዝተባህለ ናይ ሕርሻ ቦታኡ፡ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ወሲዱ ሓቢኡ’ዩ ብዝብል ተኸሲሱ ነይሩ።

እቲ ፕሬዝደንት ዝዀነ ዓይነት ጌጋ ከም ዘይፈጸመ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኣብ ሳሎን ተሓቢኡ ዝተረኽበ ገንዘብ ብ2020 ዝተወስደ ምዃኑ ተኣሚኑ።

እቲ ገንዘብ ክኣ፡ ኣርባዕተ ሚልዮን ዘይኰነ 500 ሽሕ ዶላር’ዩ ኢሉ። እዚ ድማ እንስሳ ሸይጠ ዝረኸብኩዎ ገንዘብ’ዩ ኢሉ ሞጒቱ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እታ ሃገር ብልዑል ሕጽረት ቀረብ ማይን ኤሌክትሪክን፣ ሽቕለት ኣልቦነትን ብልሽውናን ኣብ እትፍተነሉ ዘላ እዋን ኰይኑ ዳግማይ ምረጹኒ ይብል ኣሎ።

ብምኽንያት እዞም ብድሆታት ተቐባልነት ኤኤንሲ እኳ እንተኣንቈልቈለ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ሪቻርድ ካላላንድ፡ ንሱ ካብ ዝሓለፉ መንግስታት እታ ሃገር እናተዋህለሉ ዝመጽኡ ጸገማት’ኳ እንተወረሰ፡ “ዘይብዳህን ዘገርምን” ፕረዚደንት’ዩ ይብል።

“ብቍጠባን ካልኦት መለክዒታትን ምስሊ እታ ሃገር ኣሉታዊ’ኳ እንተዀነ፡ ምስ ድኽመታቱ እታ ሃገር እትደልዮ ጽቡቕ መራሒ’ዩ ኢለ ይሓስብ” ኢሉ።

ኤኤንሲ፡ በቲ ፕሬዝደንት ካብ መንጐ ዝተወስዱ ስጉምቲታት እቲ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን “ምጽናት ዓሌት” ትፍጽም ኣላ ብዝብል ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሲ የጉልሕ።

ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ኲናት ቓዛ፡ ራማፎሳን መንግስቱን ኣብ ጐኒ ፍልስጤማውያን ብምዃን፡ ንሰብ መዚ እስራኤል ብትሪ ይቃወሙ ኣለው።

እቲ ፕሬዝደንት ብ2019፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ፍርቂ ሚኒስትራቱ ደቂ ኣንስትዮ ብምግባር ሓድሽ ካቢኔ ብምውዳብ ናእዳ ረኺቡ።

ሕብረት ሰራሕተኛታት ዕደና ካብ ምምስራት ክሳብ ኣዝዩ ሃብታም ደቡብ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ነዛ ሃገር ንምምራሕ ዝበቕዐ ራማፎሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ መረጻ፡ ኤኤንሲ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ዝፈጸሞም ተጋድሎታት የዘኻኽር ኣሎ።

“30 ናይ ናጽነትን ዴሞክራስን ዓመታት ኣብ እነኽብረሉ እዋን፡ ብደቡብ ኣፍሪቃውነትና ንሕበን፤ ብዘመዝገብናዮም ዓወታት ድማ ንሕጐስ። እዚኦም ካብቶም ብድሆታት ዝዓበዩ’ዮም” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።