ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ

ንኣፍሪቃ ብፍሉይ ክብሪ ብልበን ከምዝዝክራ ዝንገረለን ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ህይወተን ኣብ ኣገደስቲ እዋናት ኣብታ ኣህጉር በጺሐን ነይረን ።

እተን ኣብቲ እዋን፡ ጓል 25 ዓመት ልእልቲ ዝነበራ ኤልሳቤጥ፡ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ልሙዕ ነዋሕቲ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቦ ኣብ ገጠር ዝርከብ ሆቴል ኣዕሪፈን እንከለዋ፡ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ስለዝሞቱ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይነን ።

ኣብቲ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ንግስነት፡ ናብ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ገይረን።

 ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ፍሽኽታ ዝመልኦ ኔልሰን ማንዴላ ፡ ካብ "ኵሉ ሰብ" ንላዕሊ ንኣፍሪቃ ከም ዝበጽሓ፡ ምስተዛረባ እቶም ኣብ ከባቢአን ዝነበሩ ሰባት ብሰሓቕ ቱዋሕ ኢሎም።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዓሌታዊ ዕብለላ [ስርዓት ኣፓርታይድ] ቃልሲ ዝመርሐ ነልሰን ማንዴላ ምዉቕ ብሕታዊ ርክብ ነይሩወን።

ማንዴላ ምስ ሞተ ኣብ ዝሃበኦ ናይ ሓዘን ቃል ከኣ፡ ብስሞም እናተጸዋውዑ ብተደጋጋሚ ብስልኪ ይዘራረቡ ከምዝነበሩ፡ ርክቦም ከኣ መርኣያ ምክብባሮምን ሓድሕድ ተገዳስነቶምን ከምዝነበረ ገሊጸን ነይረን።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1995 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከዳ፡ ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ናይ ዝናብ ወቕቲ ስለዝነበረ፡ ማንዴላ ብኣኽብሮት፡ ብቋንቋ ዙሉ “ሞታለፑላ” ማለት “ንግስቲ ዝናብ” ክብል ይጽውዐን ነይሩ።

ንንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኩሉ ውርሻታቱ ስለዝተቐበለኦ፡ ናብ ኩለን እተን ካብ 1957 ካብ ጋና ጀሚሩ ናጽነተን ዝተጎናጸፋ 14 ግዝኣታት ብሪጣንያነ ነበር ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሐን እየን።

እተን ንግስቲ ምስ ኩለን እተን ዝበጽሐአን ሃገራት ኮነ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ምዉቕ ርክብ መስሪተን።

ዳሕራይ ብእተወሰነ መዳይ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ “ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ” 'ኮመንወልዝ' ዝብል ማሕበር ምስተፈጥረ ከኣ እቲ ርክብ መሊሱ ደልዲሉ።

ብ1961 ከኣ ምስቲ ንናጽነት ጋና ዝጐስጎሰን ዝመርሐን ዳሕራይ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዀነን ክዋመ ንኩሩማ ሳዕሲዐን ነይረን።

እታ ሃጸያዊት ግዝኣት እትብል ቃል ከኣ ብ1953 ኣብ እዋን ማሕላ ንግስነት ተኣልያ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ መራሕቲ ሃገራት፡ እታ መላእ ኣህጉር፡ ነታ ኣብ ብሪጣንያን ገለ ክፋል ሓባራዊ ሃብትን ዝነውሐ ዕድመ ስልጣን ንዝነበረን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይልእኹ ኣለው።

ፕረዚደንት ናይታ ጉዕዞ ንግስነተን ዝጀመራለ፡ ሃገረ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ "[ንግስቲ ኤልሳቤጥ] ንሰብኣውነት ዝለዓለ ርእሰ-መስዋእቲ ዝኸፈላ ንዓዲ ኢንግሊዝን ነቲ ኬንያ ኣባሉ ዝኾነት ማሕበር ሃገራት ኮመን ወልዝን ንመላእ ዓለምን ዝለዓለ ጸዳል እየን” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

ዋላ’ኳ ምስ ሮበርት ሙጋበ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ዚምባብወን ብሪጣንያን ንብዙሕ ዓመታት ዝሕቱል ርክብ እንተጸንሐ፡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ተኪኡ ዘገልግል ዘሎ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ "ዓሚቝ ጓሂ" ከምዝተሰመዖ ንንጉሳዊ ስድራ ቤትን ህዝቢ ብሪጣንያን ሃገራት ሓባራዊ ሃብትን ብትዊተር ገሊጹ።

መራሒ ናይታ ግዝኣት ብሪጣንያ ካብ ዝነበራ ግዝኣታት ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ብሞት ንግስቲ፡ “ሓያል ጓሂ" ከምዝተሰመዖ ኣብ ትዊተር ነዊሕ ጽሑፍ ጽሒፉ።

“ታሪኽ ዘመናዊ ናይጀርያ ብዘይካ ኣበርክቶ እተን ሓያል ዓለምለኻዊ ስብእና ዝነበረን ሓያል መራሒት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣይምተዛዘመን። ንሰን ንህዝበነንን ንሃገራት ሓባራዊ ሃብትን ንብምሉኡ ዓለምን ኣብ ዝሓሸ ቦታ ንምብጻሕ ህይወተን ዘወፍያ እየን "ኢሉ።

ንንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ከም ተካኢ ዝፋን ወላዲቱ ከኣ ዮሃና ኢሉዎ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ማሕበር ኮመን ወልዝ ዝተጸምበረ መራሕ እታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረ ዝነኣሰ ትሃገር ጋቦን ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።

ዋላኳ ካብ መራሕቲ እታ ኣህጉር [ኣፍሪቃ]ናይ ሓዘን መግለጺ እንተወሓዘ፡ ገለ ኣፍሪቃውያንግን ብስም ንጉሳውያን ስድራቤት እተስገደደ መግዛእቲ ብብሪጣንያ ብዙሕ ከምእተሳቐዩ ተዛሪቦም።

ገለ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ነገስታት እውን ሓዘኖም ገሊጾም እዮም ።

መስፍን ማንጎሱቱ ቡሸለዚ: ኣብ ክንዲ እቲ መራሒ ህዝቢ ዙሉ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮይኑ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተሾመ ንጉስ ሚሱዙሱዙሉ፡ ን50 ዓመት ኣብ ዝፋን ዝጸንሐ ወላዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስለዝሞተ ንጉስ ቻርለስ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ በዳሂ ኩነታት ከምዘሎ ከምዝርዳእ ተዛሪቡ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብ1947 መበል 21 ዓመት ልደተን ከብዕላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስበጽሓ፡ ኣብቲ ካብ ኬፕ ታውን ዝመሓላለፍ ውሩይ ሬድዮ ፡ ማዕረ ክንደይ ህይወተን ንሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ከምዝወፈያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ ልክዕ "ከም ኣብ ቤተን" ዘለዋ ኰይኑ ከም እተሰምዐን ገሊጸን ነይረን ።

እተን ብፖለቲካዊ መርገጺአን ኣብ መላእ ዓለም ፍልጥቲ ንግስቲ፡ ማንዴላ ነቲ ኣፓርታይድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገዛዝኣ ዓሌታውነት ዘወግድ ስርዓት ምስ መስረተ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብ1995 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምብጻሕ ፡ ሓያል መደረ ኣቕሪበን እየን።

ነታ ሃገር በቲ ዝገበረቶ ዕቤት ናእዳአን ብምግላጽ፡ "ንስኻትኩም በቲ ኣብነት ዝኾነና ንዓለም ዘንጸባርቕ መንፈስ ዕርቂ ሓደ ህዝቢ ኴንኩም ኣለኹም፤ ኣነ ከኣ ነቲ ተኣምራት ክበሃል ዝኽእል ነገር ክርኢ ተመሊሰ መጺአ ኣለኹ" ኢለን።