እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ከም ንጉስ ንመጀመርታ ግዜ ንህዝቢ መደረ ኣስሚዑ
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ምማተን ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 18፡00 ንፈለማ እዋን ንህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ መግለጺ ሂቡ።
"ዘፍቅራ ወላዲተይ፡ ግርማዊት ንግስቲ፡ ኣብ ምሉእ ሂወታ፡ ንዓይን ቤተሰበይን ኣርኣያ እያ ነይራ" ክብል ነተን ትማሊ ዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ።
"ንዝኽሪ ኣደይ ዘለኒ ናእዳን፡ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ሂወታ ዘለኒ ክብርን እገልጽ" ዝበለ እቲ ሓድሽ ንጉስ "ሞታ ከቢድ ሓዘን ከምዝፈጠረልኩም እፈልጥ፡ ኣነ'ውን ናይቲ መዐቀኒ ዘይብሉ ክሳራ ተኻፋሊ እየ" ኢሉ።
"ከምቲ እታ ንግስቲ ዝነበራ ነቕ ዘይብል ተኣማንነት፡ ኣነ'ውን፡ ኣብቲ ፈጣሪ ዝህበኒ ዝተረፈኒ ግዜ፡ ነቲ ማእከል ሃገርና ዝኾነ ሕገመንግስታዊ መትከላት ከኽብር ቃል እኣቱ" ኢሉ።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብ ፈላሚ መግለጺኡ፡ "ኣብ ብሪጣንያ ወይ ኣካላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዘለዋ ግዝኣታት፡ ኣብ ዝሃለኹሞ ሃልዉ፡ ድሕረባይታኹምን እምነትኩምን ዝኾነ ይኹን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርኩዎ ብተኣማንነት፡ ብኽብረትን ፍቕርን ከገልግለኩም እየ" ክብል ገሊጹ'ሎ።
ወዱ፡ ልኡል ዊልያም ንዝነበሮ መዝነትን መዓርግን ብምትካእ፡ መስፍን ኮርንዎልን ልኡል ዌልስን ብምዃን ወራሲ-ዘውዲ ክኸውን ምዃኑ'ውን እቲ ንጉስ ኣፍሊጡ።
"ሓቂ'ዩ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣብ ዝወስደሉ ዘለኹ እዋን ሂወተይ ክቕየር'ዩ" ድማ ኢሉ።
እቲ ዝተረከቦ ሓላፍነት ንኩነታት ስድራቤቱ ከምዝቕይሮ'ውን ብምግላጽ፡ "ደገፍ ናይታ ዘፍቅራ ብዓልቲቤተይ ካሚላ ኣለኒ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ፡ "ንዘፍቅራ ማማ ኸኣ፡ ናብ ክቡር ባባ ንክትከዲ ጉዕዞ ኣብ ዝጀመርክሉ እዋን ክብለኪ ዝደሊ፡ የቐንየለይ ጥራይ እዩ።
"ስለ'ቲ ንስድራቤትና ዘርኣኽዩ ፍቕርን ተኣማንነትን፡ ስለ'ቲ ንስድራቤት ሃገራት ብዘይምስልካይ ነዚ ኩሉ ዓመታት ዝሃብክዮ ኣገልግሎት፡ አመስግነኪ።
"በረርቲ መልኣኽቲ ብመዝሙር ናብ መዕረፊኺ የሰንዩኺ" ክብል ነተን ትማሊ ብሞት ዝተፈልያ ወላዲቱ ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተፋንዩወን።
ሎሚ፡ “ኲን ኮንሶርት” ዝብል መዓርግ ምስ ዝለበሰት በዓልቲ ቤቱ ካሚላ፡ ናብ ባኪንግሃም ፓላስ ተመሊሱ ኣብ ግዳም ንዝነበሩ ሓዘንተኛታት ረኺቡዎም።
ሓዘኖም ብምግላጽ “ጽንዓት ይሃብኩም” ክብሉዎ መስርዕ ንዝሓዙ ኣሽሓት ሓዘንተኛታት ንምጭባጥ አእዳዉ ዘርጊሑ ሰላም ኢሉዎም።
እተን ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ባልሞራል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዕረፍቲ ቤተን እየን ብሰላም ዓሪፈን።
ንጉስ ቻርለስ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ካብ መንግስታዊት ሉሞዚን ወሪዱ ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝጸንሑ ሓዘንተኛታት ብሰላምታ ክጭብጦም እንከሎ ጸሓይ ደሚቓ ተራእያ ነይራ።
እቶም ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረ ሓጹር ከይተረፈ ክሰግሩ እናፈተኑ፡ “ኣምላኽ ንንጉስና ይሓልዎ" እናበሉ ብሓጐስን ሓዘንን ይጭድሩ ነይሮም።
ንጉስ ቻርለስ ነቶም ኣማኢት ሓዘንተኛታት ሰላም ክብሎም እንከሎ ካሚላ፡ ቁሩብ ድሕር ትብል ነይራ።
እቶም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ነቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤተ መንግስቲ እተነብረ ብኣማኢት ዝቝጸር ኩምራ ዕንባባታትን ዘሰነዮ መልእኽትታትን ተዓዚቦም።
ብድሕሪኡ፡ በቲ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ናብ ቤተ-መንግስቲ ብእግሮም ኣትዮም፡ ህላዌ ንግስነት ንምምልካት ኣብ ናሕሲ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ደይቦም።
ጸብጻቢ ቤተንግስነት ሾን ካፍላን፡ "እቲ ግዜ፡ ናይቲ ንጉስ መጻኢ ኣካይዳ ዝእምት ክኸውን ይኽእል እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ንዘሎ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ ዓለም ኣብ ሓደ ካብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ስራሕ ክቕበል እዩ ኢሉ።
ኣባላት ፓርላማ፡ ኣብ ዌስት ምኒስተር፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ሓዘን ዝኽሪ፡ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሊዝ ትራስ ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ "ዓለም ካብ እትፈልጦም ዝዓበዩ መራሕቲ ሓንቲ እየን" ክትብል ገሊጻተን።
መራሒ ሰልፊ-ዕዮ፡ ሰር ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ ሞት ንግስቲ "ኣብቲ፡ ሃገርና ደገፍን ምጽንናዕን እንደልየሉ ሓያል እዋን ብምዃኑ ከቢድ እዩ” ኢሉ።
ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ከውርድ ዝሓለፈ ሰሉስ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ባልሞራል ዝረኸባ ቦሪስ ጆንሰን፡ ነተን ንግስቲ "ኤልሳቤጥ ዓባይ" ክብል ድሕሪ ምግላጹ "ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዚመጽእ ወለዶታት እውን ከይተረፈ ንሃገረን ብዙሕ ዝጸዓራ ንግስቲ እየን" ክብል ገሊጹወን።
ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 18:00 ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ናይ ዕረፍተን መዘከርታን ኣገልግሎት ጸሎትን ክወሃብ እዩ።
ኣብቲ ዝኽሪ ክሳተፉ ንዝደልዩ ሓዘንተኛታት ዝኸውን ኣቐዲሙ ዝመጽአ ዕድል ዝረኽበሉ ኣስታት 2,000 ትኬት ንህዝቢ ተቐሪቡ ኣሎ።
ቻርለስ፡ ቀዳም ሰዓት 10:00 ጸምበልቲ ሽማግለ ዓቛሮ-ዘውዲ (Accession Council) ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ብቴለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ስነ-ስርዓት፡ ብወግዒ ክነግስ እዩ ።