እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ተፈጢሩ ዝብሃል ዘሎ 'ከቢድ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ' እንታይ'ዩ?
ገለ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንድሕነት እታ ሃገር ዘነጻጸረ "ከቢድ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ" ተፈጢሩ ከምዘሎ ይገልጹ ኣለዉ።
እቶም ኣባላት ኮሚተ ሃገራዊ ስለያ ናይቲ ባይቶ ዝኾኑ ወከልቲ ህዝቢ፡ እቲ ዝተነግሮም ምስጢራዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ዘይግለጽ ምዃኑ'ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣባላት ሪፓብሊካን ኣብ ባይቶ ከምዝገለጾ፡ ኣመሪካ "ከቢድ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ" ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ዋላ'ኳ እቲ ጉዳይ ጥቡቕ ምስጢር እንተኾነ፡ ገለ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ከምዝበልዎ፡ እቲ ሓድሽ ስግኣት ምስ ሩስያ ዝተሓሓዝ'ዩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ሩስያ ሓድሽ ኑክሌር ክዓጥቕ ዝኽእል ኣጽዋር ተማዕብል ኣላ።
እቲ ኣጽዋር፡ ኣብ ጠፈር ዝርከባ ሳተላይታት ብምውዳቕ፡ መራኸቢታት ከምዝቋርጽ ክገብር ብቕዓት ዘለዎ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ዛጊት እቲ ኣጽዋር ድሉው ከምዘሎ ዝገልጽ መርትዖ የለን ተባሂሉ'ሎ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ዋይት ሃውስ፡ ብወገኑ እቲ ስግኣት ህጹጽ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ንኣባላት ባይቶ ክንገር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቶም ኣባላት ባይቶ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ነቲ ብዛዕባኡ ዝገልጽ ስለያዊ ሓበሬታ ክግምግምዎ ትጽቢት ይግበር።
ሩስያ፡ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበትን ዘላ።
ኣቦመንበር ናይቲ ንትካላት ጸጥታ ኣመሪካ ዝቆጻጸር ኮሚተ ስለያ ታሕተዋይ ባይቶ ሪፓብሊካን ማይክ ተርነር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚተ "ነቲ ከቢድ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ ዝምልከት ሓበሬታ ኩሎም ኣባላት ኮንግረስ ከምዝርእይዎ" ገይሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ኮንግረስ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳርን መሓዙትና ብክፉት ምእንቲ ክዘራረብሉን ነቲ ስግኣት ዘድሊ ግብረመልሲ ክህብሉን ፕረዚደንት ባይደን ንኩሉ'ቲ ነቲ ስግኣት ዝምልከት ሓበሬታ ቅሉዕ ክገብሮ እምሕጸኖ" ኢሉ።
ከም ኩሎም መንግስታት ዓለም፡ መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ንሃገራዊ ድሕነት ይሃሲ'ዩ ዝበሎ ሓበሬታ ምስጢራዊ ኮይኑ ክዕቀብ ይገብር'ዩ።
ኣባላት ባይቶ ግን፡ ኣብ ሓደ ኣብ ህንጻ ኮንግረስ (ካፒቶል) ዝርከብ ውሕሱን ስቱርን ክፍሊ ኣትዮም ርእዮሞ ክወጹ ይፍቀደሎም'ዩ። ነዚ ሓድሽ ስለያዊ ሓበሬታ'ውን ብኸምዚ ኣገባብ ክሳብ ዓርቢ ክርእይዎ ዕድል ክወሃቦም'ዩ።
ምምሕዳር ባይደን ቅሉዕ እንተገይሩዎ ግን፡ እቶም ኣባላት ባይቶ ብወግዒ ክካትዕሉን ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ ግብረመልሲ ክዝትዩን ዕድል ይፈጥረሎም'ዩ።
ንሰልፊ ደሞክራሲ ዝውክል ላዕለዋይ ኣባል እቲ ኮሚተ ስለያ ዝኾነ ጂም ሃይምስ ብወገኑ ብዛዕባ'ቲ ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ ስግኣት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዓቢ" ምዃኑ'ኳ እንተጠቐሰ፡ "ሸበድበድ ዘብል ኣይኮንን" ክብል ህዝቢ ክሃድእ ተማሕጺኑ።
"ብዛዕባ ምቕላዕ እንተኾይኑ፡ ክንዛረበሉ ንኽእል ጉዳይ ኮይኑ ይስማዓኒ። እንተኾነ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትዛረበሉ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣፈኛ ባይቶ ሪፓብሊካን ማይክ ጆንሰን'ውን፡ "ህዝቢ ክነዓዓብ የብሉን" ክብል ተዛሪቡ'ሎ።
ኣቦመንበር ኮሚተ ስለያ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ማርክ ዎርነርን ምክትል ኣቦመንበር ሪፓብሊካን ማርኮ ሩብዮን ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ'ውን፡ ነቲ ኩነታት "ካብ ፈለማ ጀሚሮም" ክከታተልዎ ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ "ዝግባእ ግብረመልሲ ንምሃብ ምስቲ ምምሕዳር [ባይደን] ንላዘብ ኣለና" ኢሎም።
"ምንጭታትን ናይ ኣመሪካ ኣመራጺታት ግብረመልሲ ንምስታር ዘኽእሉ ኣገባባትን ከይነቃልዕ ክንጥቀቕ ይግባኣና"።
ብዛዕባ'ቲ ልዑል ኣቓልቦ ዝሰሓበ ስግኣት ዝተሓተተ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱሊቫን ነቶም "ብጭፍራ-8" ዝፍለጡ ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ላዕለዎት መራሕቲ ኮንግረስ ብውልቂ ክገልጸሎም ድልዉ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ታሕተዋይ ባይቶ ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ'ቲ ስግኣት መብርሂ ክወሃቦም ትጽቢት ይግበር።
"ኣባል ኮንግረስ [ማይክ] ተርነር፡ ኣነን ምስ ሰብሞያ ስለያን ምክልኻልን ጽባሕ ብኣካል ረኺብና መብርሂ ክንህቦም እናተዳለና፡ ሎሚ ብወግዒ ምዝራቡ ገሪሙኒ'ዩ ዘሎ" ክብል ሱሊቫን ተዛሪቡ።
ምምሕዳር ባይደን "ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ህዝቢ ኣመሪካን ንምሕላዉ'ዩ" እቲ ምስጢር ከይቃላዕ ተደልዩ ዘሎ።
"ኣመሪካውያን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንገጥሞም ዘለና ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ስግኣታትን ብድሆታትን ከምዘለዉ ይርድኡ'ዮም። እዞም ስግኣታትን ብድሆታትን ድማ ሽበራን ተግባራት መንግስታትን ዘጠቓለሉ እዮም" ድሕሪ ምባል፡ "ክንቃለሶም ድማ ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።