ትራምፕ፡ ንሓዳስ መራሒት ቬንዝወላ ኣፈራሪሑ -'ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ዶላርን ዝኸፍሎ ዋጋ'

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዶናልድ ትራምፕ ንሓዳስ መራሒት ቬንዙወላ ደልሲ ሮድሪገዝ "ቅኑዕ እንተዘይገይራ" ንሳውን "ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ - ምናልባት'ውን ካብ ናይ ማዱሮ ዝኸፍአ - ክትከፍል ከምትኽእል ምስ ኣትላንቲክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣጠንቂቝ።

ትራምፕ ነዚ ዘስምዐ፡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኒኮላስ ማዱሮ ሰኑይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ክቐርብ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን እዩ።

ኣመሪካ ነቲ ብገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ተኸሲሱ ዘሎ ማዱሮ፡ "ናርኮ-ሽበራዊ" መርበብ ከም ዝሃነጸ፡ ትኸስስ፣ ንሱ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጐ።

ኣብ ካራካስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ዝሰዓበ መጭወይቲን ናብ ኣመሪካ ምግዓዝ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣመልኪቱ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ እዚ ኲናት ከምዘይኰነን፣ በዚ ድማ ንኮንግረስ ኣመሪካ ምሕባር ኣድላይነት ከምዘይነበሮን ተኸራኺሩ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዝተኻየደ ስርሒት ኣሜሪካ ንምንታይ ፍቓድ ኮንግረስ ዘይተሓተተ ተባሂሉ ንዝብል ኣብ ኤቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እዩ፡ ሩብዮ፡ "እዚ ወራር ስለዘይኰነ ኣድላዪ ኣይኰነን" ኢሉ።

ንሱ፡ "ስርሒት ምኽባር ሕጊ" ክብል ብምግላጽ፡ ማዱሮ ብወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ከምዝተኣስረ ገሊጹ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትስ ግን እቲ ስርሒት "ተግባር ኲናት" ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ።

ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ንቬንዝወላ "ለውጢ ስርዓት፡ ዝዀነ ክትብሎ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፡ ካብቲ ዘሎ ይሓይሽ፤ ካብዚ ዝገደደ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።

ብቐዳም ትራምፕ፡ "ውሑስን ግቡእን ፍትሓውን ምስግጋር" ክሳብ ዝከኣል፡ ኣመሪካ ነታ ሃገር "ክትመርሕ" ምዃና ተሓንዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ'ውን ኩባንያታት ነዳዲ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ብምግዓዝ ትሕተ ቅርጺ ንምጽጋን "ነታ ሃገር ገንዘብ ምእካብ ክጅምራን" ቃል ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነዚ'ኳ እንተገለጸ፡ መሻርኽቲ ማዱሮ ግን ገና ኣብ ስልጣን ይቕጽሉ ኣለዉ።

መንግስቲ ኩባ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንማዱሮን በዓልቲ ቤቱን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ዝማረኹሉ እዋን 32 "ተባዓት ተቓለስቲ ኩባ" ከምዝሞቱ ገሊጹ። እታ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ማዱሮ ዝዀነት ማሕበርነታዊት መሓዛ ማዱሮ ዝዀነት ኩባ ንኽልተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጃ።

ሩቢዮ ብሰንበት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣመሪካ ኣብ ቬንዝወላ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ እቲ ስጕምቲ ምስታ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኣብ ውግእ ኣለና ማለት ከምዘይኰነ ኣስሚሩሉ።

ሩቢዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣንጻር መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ኢና ኣብ ኲናት ዘለና፤ እዚ ኣንጻር ቬንዝወላ ዝግበር ኲናት ኣይኰነን" ኢሉ።

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ቬንዝወላ "ቅኑዕ ውሳነታት እንተዘይወሲዳ"፡ ኣመሪካ "ረብሓታትና ንኽሕሎ ዘለዋ ኣማራጺታት ክትጥቀም እያ" ኢሉ።

ትራምፕ እውን፡ንጐረቤት ቬንዝወላ - ኮሎምብያ እውን ኣፈራሪሑ፣ ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንዝነበሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ዝዀነ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ኮሎምቢያ'ኳ እንተዘይተዛረበ፡ ንፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ግን "ሕሙም" ክብሎ ጽቡቕ ኰይኑ እስምዓኒ ኢሉ።

"ኮሎምብያ እውን ኣዝያ ሓሚማ እያ፣ ብሓደ ኮኬይን ሰሪሑ ንኣሜሪካ ምሻጥ ዝፈቱ ሕሙም ሰብ ትመሓደር፤ እዚ ግን ነዊሕ ኣይክቕጽልን እዩ።"

ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬንዝወላ ኰይና ዘላ ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ምሓዝ ማዱሮ ጭውያ እዩ ክትብል ኰኒና

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬንዝወላ ኰይና ዘላ ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ምሓዝ ማዱሮ ጭውያ እዩ ክትብል ኰኒና

ንሰልፊ ማሕበርነታዊ ሓድነት ቬንዝወላ ዝመርሕን ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ማዱሮ፡ ኣብ ቬንዝወላ ንተቓወምቲ ጕጅለታት ብምዕፋንን ተቓውሞታት ብምጭፍላቕን ብተደጋጋሚ ይኽሰስ።

ብተቓወምቲ ሃገሩ፡ ከምኡ'ውን ብመንግስታት ወጻኢ ኣብ መረጻ ቬንዝወላ 2024 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተዓወተ ብሰፊሕ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ማዱሮ፡ መራሒ ካርተል - መርበባት ዕጸፋርስ - ምዃኑ ብምኽሓድ፡ ኣመሪካ "ኣንጻር ሓሽሽ እትብሎ ኲናት" ከም መመኽነይታ ተጠቒማ ካብ ስልጣኑ ከተውርዶን ሃብቲ ነዳዲ ቬንዝወላ ኣብ ኢዳ ከተእቱን ትደሊ ምዃና ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ በቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ካብ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዘይተጐድአ ክገልጹ እንከለዉ፡ ምኒስተር ምክልኻል ቬንዝወላ ቭላድሚር ፓድሪኖ ግን "ሰፊሕ ክፋል" ኣሃዱታት ጸጥታ ማዱሮን "ወተሃደራትን ሰላማውያን ሲቪላትን" ኣብቲ ስርሒት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ምክትል ፕረዚደንት ማዱሮ ደልሲ ሮድሪገዝ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ሕጂ ግዝያዊት ፕረዚደንት ኰይና'ላ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር እውን ደገፍ ሂቡዋ ኣሎ። ሰኑይ ኣብ ካራካስ፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 08፡00 (12፡00 GMT) ፕረዚደንት ኰይና ቃለ መሓላ ክትፍጽም እያ።

ዕጡቓት ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ተኣሲሩሉ ዘሎ ከባቢ ብሩክሊን ኒውዮርክ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ሜትሮፖሊታን፡ ኣብ ሓለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ተኣሲሩሉ ዘሎ ከባቢ ብሩክሊን ኒውዮርክ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ሜትሮፖሊታን፡ ኣብ ሓለዋ።

ሩቢዮ፡ "ኣመሪካ ንሮድሪገዝ ከም ሕጋዊት ፕረዚደንት ቬንዝወላ ኣፍልጦ ትህባ ድያ?" ዝብል ሕቶ ካብ ማዕከናት ዜና ሕቶ ዝቐረበሉ፡ "እዚ ብዛዕባ ሕጋዊነት ፕረዚደንት ኣይኰነን - ኣመሪካ፡ ብመሰረቱ ነቲ ስርዓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይትህቦን እያ" ክብል መሊሱ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትስ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝወሰዶ ተግባር ኰኒኖምዎ ኣለዉ።

መራሒ ውሑዳን ኣባላት ባይቶ ሓኪም ጀፍሪስ፡ እቲ ብዘይ ፍቓድ ኮንግረስ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ "ስርሒት ዕጸፋርስ ጥራይ ኣይኮነን፤ ተግባር ኲናት እዩ" ኢሉ።

"እዚ ንደልታ ፎርስ ዘሳተፈ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እዩ ነይሩ፣ ሰራዊት ዘሳተፈ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ዘሳተፈ ይመስል፤ ብውሑዱ 150 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ዘሳተፈ፣ ምናልባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዝወላን ደቡብ ኣመሪካን ዝርከባ ዓሰርተታት መራኽብ ዘሳተፈ ክኸውን ይኽእል፡" ክብል ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምዃኑ መጕቱ።

ሰነተር ቻክ ሹመር ብወገኑ፡ ሕጋውነት እቲ ስርሒት ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ ተግባራት ማዱሮ ከምዘይቅበል ብምእማን "ንሕጊ ኣልቦነት ብኻልእ ሕጊ ኣልቦነት ኣይትሕዞን ኢኻ፡" ኢሉ።

"ኣመሪካ ብኸምዚ ኣገባብ ለውጢ ስርዓትን ህንጸት ሃገርን ክትገብር ኣብ እትፍትነሉ ዓመታት፡ ዋጋኡ ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ብዶላርን ከም ዝኸፍሎ ተማሂርና ኢና" ይብል ሹመር።