ኢጣልያ፡ ኣብ እዋን ኦሎምፒክ ዝተፈጸመ ሽርሒ

መንገዲ ባቡር

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጸወታታት ኦሎምፒክ ሓጋይ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ መርበብ ባቡር ሰሜን ኢጣልያ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ መገሻታት ከቢድ ምዝንባዕ ከምዘስዓበ ሰብመዚ ገሊጾም።

ፖሊስ ምስቲ ጸወታታት ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ዝበሎም መስመራት ባቡር ዕንወት ዘስዓቡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ቦሎኛን ቬኒስን ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ባቡር ዘጋጠመ ባርዕ ክሳብ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወስድ ምድንጓያት ከምዘስዓበ እዩ ፖሊስ ዝገልጽ።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኢጣልያ፡ ነቲ ፍጻመታት "ከቢድ ሽርሒ" ክብል ገሊጽዎ፤ ኣብ 2024 ኣብ እዋን ኦሎምፒክ ፓሪስ ንዝተፈጸመ ዕንወት ዘንጸባርቕ እዩ እውን ኢሉ።

ፖሊስ ኣብ ጥቓ ፔሳሮ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣድሪያቲክ መቐየሪ መንገዲ ባቡር ከምዝተቓጸለ ሓቢሩ። ድሕሪ እውን፡ ኣብ ጥቓ ቦሎኛ ዝተቖርጹ ገመዳት ኤሌክትሪክን ነታጒን ምርካቡ ሓቢሩ።

መደበር ባቡር ቦሎኛ ዓቢ ማእከል መጓዓዝያ ኰይኑ፡ ንከተማታት ሰሜንን ደቡብን፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ምብራቕን ምዕራብን እታ ሃገር ዘራኽብ መስመራት የጠቓልል።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ትራንስፖርትን ማቴዮ ሳልቪኒ፡ "እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕቱብ ተግባራት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኢጣልያ ኣብ ዓለም ንዘለዋ ጸወታታት ዝያዳ ኣገዳሲን እወታውን ክኸውን ዝገብር ምስሊ ዝጸልው ኣይኰነን" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣቐዲሙ፡ እቶም ፍጻመታት ይምርምሩ ከምዘለዉን፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ሰብ ከምዘየለን ገሊጹ'ዩ።

ሳልቪኒ ነቲ ፍጻመታት ምስቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ሓጋይ ኦሎምፒክ ኣነጻጺርዎ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ሸራሒታት ኣብ መርበብ ባቡር ፈረንሳ ጉድኣት ከምዘስዓቡ ይዝከር።

"ምስ ፍጻመ ፈረንሳ ብተግባርን ግዜን ተመሳሳልነት ኣሎ" ክብል እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ቦሎኛ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝውነንን ቅልጡፍ መንገዲ ባቡር ንግዚኡ ተዓጽዩ'ኳ እንተነበረ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ግን ትራፊክ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ውድድር ኦሎምፒክ ሓጋይ ዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማ ሚላኖ፡ ኣብ ኮርቲናን ካልኦት ክልተ ቦታታትን ተኻይዱ። ሚላኖን ኮርቲናን ካብ ቬኒስ ብባቡር ክብጽሓ ዝኽእላ ከተማታት እየን።

ፍጻመታት እቲ ውድድር ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ፡ ኣብ ኣኽራናት ኣልፕስን ዶሎማይትን ሓዊሱ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክካየድ እዩ።