እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳይንስ ብዛዕባ መናፍስቲ ምውታን እንታይ ይብል?
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዊንስተን ቸርችል ናብ ዋይት ሃውስ ዘይተለምደ ተጓንፎ ከምዘጋጠሞ ይንገር።
ቸርችል፡ ስኮች ዊስኪ እናሰተየን ሽጋራ እናትከኸን ኣብ ባስካ ነዊሕ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ናብቲ ኣብ ጐድኒ ዝነበረ መደቀሲ ክፍሊ ይኣቱ - ኣብኡ ድማ ምስ መንፈስ ኣብርሃም ሊንከን ከምዝተራኸበ ይንገር።
ቸርችል ዋላ’ኳ ምሉእ ብምሉእ ዕርቃኑ እንተነበረ፡ ገለ ከይተረበጸ፡ “ከመይ ኣምሲኻ ክቡር ፕረዚደንት። ኣብ ዘይኰነ ሰዓት ረኺብካኒ” ይብሎ። ሽዑ እቲ መንፈስ ክምስ ድሕሪ ምባል ካብቲ ከባቢ ተሸርበ።
እዚ ተጓንፎ: ውሩይ ተመኵሮ ቸርችል ከምዝዀነ ይንገር። ደራሲ ኣርተር ኮናን ዶይል ምስ መናፍስቲ ዝዘራረበሉ ኣገባብ ከምኡ’ውን ኣላን ቱሪን ድማ ተለፓሲ (ሓደ ሰብ ኣብ ኣእምሮ ዘሎ ሓሳብ ናይ ምፍላጥ ወይ ብኣእምሮ ጥራይ ናይ ምርድዳእ ክእለት) ከምዝነበሮ ይእመን ነይሩ።
እዚኦም ሰለስተ ዉሩያት ሰባት ብበሊሕ ኣተሓሳስባኦም እዮም ዝፍለጡ፤ እንተዀነ ግን ብክንዮ-ባህርያዊ ክስተታት ካብ ምእማን ኣይረሓቑን።
በይኖም ድማ ኣይኰኑን፤ ገለ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ፡ ክሳብ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ብገለ መልክዕ ብክንዮ-ባህርያዊ ክስተታት ክኣምኑ እንከለዉ፡ ዳርጋ 20 ሚእታዊት ድማ ብሓቂ መናፍስቲ ምዉታን ከም ዝረኣዩ ይዛረቡ።
ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ገለ ሰባት ስለምንታይ ናይ ቀደም ኣጉልን ድሑርን እምነታትን ክገድፉ ከምዘይከኣሉ ክፍትሹ ጀሚሮም ኣለዉ።
ርኽበታቶም ከምዘመልክቶ ድማ ብክንዮ-ባህርያዊ ክስተታት ምእማን ገለ ሕቡእ ረብሓታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተወሓደ ሰባት ብዛዕባ ዓለም ዝያዳ ሰላሕታዊ እምነት ከምዘለዎምን ዘይብሎምን ክሓቱ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።
ገለ ክንዮ-ባህርያዊ ተመኵሮታት፡ ኣብ ስሕተት ንጥፈታት ሓንጐል ዝምርኰሱን ብቐሊሉ ክግለጹ ዝኽእሉን እዮም።
መናፍስቲ ብዘይርአ መንገዲ ነገራት ከንቀሳቐሱ ከምዝተረኣዩ ዝገልጹ ጸብጻባት፡ ኣብቶም ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት የማናይ ንፍቀ ክቢ ዝርከቡ መስርሕ ርእየት ዘካይዱ ኣካላት ዝበጽሐ ጉድኣት ዘስዓቦም ይመስሉ፤ ገለ ዓይነታት ሕማም ምንፍርፋር ድማ፡ ገለ ኣካል ይስዕበና ከምዘሎ ኰይኑ ክስምዓና ክገብሩ ተኽእሎ አሎ። እዚ ድማ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ገጽ ዘይብሎም “ጽላሎት ሰባት” ከምዝሰዓብዎም ዝገልጹሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
ተመኵሮ ካብ-ኣካል-ወጻኢ (out-of-body experiences) ሓደ ካብቶም ክንዮ-ባህርያዊ ክስተታት ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ። እዚ ማለት ሰባት ካብ ስጋዊ ኣካላቶም ወጺኦም ብደገ ንዓለም ዝርድእሉ ተርእዮ እዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ ተመኵሮታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ክስተታት ከምዝዀኑ ተፈሊጡ እዩ፤ ገለ ምስልታት ምሕላም ንሓንጎል ከደናግሩን ጽውጽዋያዊ ፍጥረታት ዝተረኣዩ ከምስሉን ይኽእሉ።
ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ኣብ መስትያት ክጥምት እንከሎ ሓደ ዝኣረገ ሰብኣይ ክረኣዮ ይኽእል። ኣብዚ ዝተገብሩ መርመራታት፡ እቲ ምሕላም ምሉእ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ንነጸብራቕና ክንጥምት እንከለና ብዘገርም መልክዑ ክረኣየና ዝኽእል ልሙድ ክስተት ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሓንጐልና ቅርጺ ገጽና ንምህናጽ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን፡ ነቲ ዝጐደለ ሓበሬታ ወይ ድማ ብሕጽረት ብርሃን ዘይተረኣየና ክፍሊ ገጽና ክመልእ ክፍትን ስለዝጅምር እዩ። እዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዓጽሚ ርእሲ፡ ኣረጊት ገጽ ወይ ገለ ዘጸይፉ እንስሳታት ዝረኣና ክመስለና ይገብር።
ስለዚ ዝዀነ ድኻም፡ ሓሽሽ ወይ መድሃኒት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ከምኡ’ውን ምርኢተ-ጥበብ ብርሃን ክውስኾ እንከሎ፡ ከምቲ ቸርችል ዝጸብጸቦ፡ ርእየት ናይ ገለ ዝተፈልየን ዝተነጸለን ኣካል ንኽንርኢ ኣበርክቶ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።
ግን ተመኵሮ እቶም መዓልታዊ ናይ ካልእ ዓለም ርእየት ዝረኣዩ ዝመስሎም ሰባትከ ብምንታይ ይግለጽ?
ዋልታ ምክልኻል
ኣብ ሃይማኖት መጽናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ብክንዮ-ባህርያዊ ምእማን ንሰባት ካብ ተረርቲ ሓቅታት ናይዚ ዓለም ዝከላኸል ዋልታ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጥሩ ነይሮም። እዚ ማለት፡ ሰባት ከም ሞትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝኣመሰሉ ዘይተጸበይዎም ነገራት ምስ ዘጋጥሞም፡ ሓንጐሎም ብዛዕባ እቲ ኵነታት መልሲ ንምርካብ ይህንደድ።
"ኣዝዩ ደስ ዘይብል ኵነታት ስለዝዀነ፡ [ኣእምሮ] ቅኑዕ ቍጽጽር ክረክብ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ቅርጽታት ብምርዳእ - ዋላ'ውን እንተዘይሃለዉ፡ ቍጽጽር ክረክብ ይፍትን" ትብል ጀኒፈር ዊትሰን - ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ቅዲ ርድኢት፡ ፍርዲን ውሳነን እተጽንዕ ክኢላ እያ። ብተወሳኺ ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀኑሉ እዋን ክዝክሩ ምሕታት ከይተረፈ ምናባዊ ሓይልታት ክርእዩ ክገብሮም ከምዝኽእል ትገልጽ።
እዚ ኣብቲ ብሃንደበት ዝፍጠር ምንቅስቓስ ዝዀነ ቅዲ ምርኣይ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ክልተ ርክብ ዘይብሎም ፍጻመታት ብምትእስሳር እውን ክግለጽ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ንህቢ ናብ ከባቢና እንተመጺኣ፡ ኣብ ኣለሻ ስራሕ ጽቡቕ ዕድል ተምጽእያ ዝብል እምነት ሓደ ካብዚኦም እዩ።
‘ኣንትሮፖሞርፊዝም’ ካልእ ፍጻመታት ንምርዳእ እንፍትነሉ ልሙድ መገዲ እዩ ይብል ኣብ ኖርዝዌስተርን ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ ዝሰርሕ ክኢላ ኣዳም ዋይትዝ።
ኣንትሮፖሞርፊዝም፡ ዝዀነ ሰባዊ ክስተት ናብ ኣምላኽ፡ እንስሳ ወይ ካልእ ዝዀነ ነገር ምልጋብ እዩ ዝገልጽ። ንኣብነት ህቦብላ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ገለ ሰባት ኣብቲ ጉዳይ ቍጽጽር ከምዘይብሎም ኣብ ክንዲ ምእማን እቲ ህቦብላ ዝዀነ መንፈስ ወይ ጋኔን ዘስዓቦ እዩ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ኣብነት ድማ ዝዀነ ንፋስ ዘወዛውዞ ጨንፈር ገረብ ንመስኮት መንበሪኦም እናተንከፈ ድምጺ ከስምዕ እንከሎ፡ መንፈስ ምዉት ዝዀነ መልእኽቲ ዝህቦም ዘሎ መሲሉ ዝስምዖም ሰባት ኣለዉ።
“ብመናፍስቲ ምውታን እምነት ነሕድር፣ ምኽንያቱ ክስተታት ዓለም ዘይስሩዕ ምዃኖም ክንኣምን ኣይንደልን” ይብል ዋይትዝ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወትና ዘለና ቍጽጽር ከምዝተሓተ ክስምዓና እንከሎ ዝያዳ ዘጋጥም ልሙድ ነገር እዩ።
እቶም ዘገርሙ ምልውዋጣት ኣእምሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገለ ሰባት ብተፈጥሮኦም ሕቡእ ቅዲታትን ድራኸታትን ንምርኣይ ዝንባለ ከሕድሩን እዚ ኸኣ ስለምንታይ ካብ ካልኦት ሰባት ዝያዳ ኣጉል እምነት ከምዝህልዎም ክገልጽ ይኽእል ድዩ?
ነዚ ሕቶ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክምልስ ዝፈተነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ፊንላንድ ዝሰርሕ ታፓኒ ሪኪ፡ ብክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝኣምኑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንመጽናዕቱ ብሓጐስ ከም ዝቕበልዎ ይዛረብ። ናይዚ ምኽንያቱ ድማ ካልኦት ስለምንታይ ከምቲ ናቶም እምነት ከምዘይብሎም ንምርዳእ ስለዝጽገሙ እዩ።
“ካልኦት ሰባት ስለምንታይ ከምቲ ኣነ ዝስምዓኒ ዘይስምዖም፡ ወይ’ውን ነቲ ኣነ ዝኣምኖ ዘይኣምኑ?” ኢሎም ከምዝሓትዎ ድማ ወሲኹ ይገልጽ።
ዘይንጹር ገጽ
ሪኪ፡ ብክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝኣምኑን ዘይአምኑን ሰባት ገለ ቀለልቲ ተንቀሳቐስቲ ቅርጽታት እናረኣዩ እንከለዉ ሓንጐሎም ‘ስካን’ ገይሩ።
እቶም ብክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝኣምኑ ሰባት ብድሕሪ እቲ ምንቅስቓሳት ገለ ዓይነት ዕላማ ናይ ምርኣይ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ድማ ተረዲኡ። እዚ ድማ ኣብቶም ንቡር ምስ “ክልሰ-ሓሳብ ኣእምሮ” ዝተኣሳሰሩ ክፍልታት ሓንጐል ብዘሎ ልዑል ንጥፈታትን ርድኢት ድራኸ ካልኦትን ዝንጸባረቕ እዩ።
ብተወሳኺ እቶም ብክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝኣምኑ ሰባት ኣብ ንቡር ኣሳእል ዘይንጹር ገጻት ናይ ምርኣይ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ከምዝረኸበ እቲ ክኢላ ይዛረብ።
እዚ ርኽበት ብኻልእ ጕጅለ ዩኒቨርሲቲ ኣምስተርዳም ዝተረጋገጸ እዩ፤ ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ጕጅለ፡ ብክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝኣምኑ ሰባት ብንቡር ብርሃን ኣብ ዝርአ ስእሊ ገለ ዝስጕም ሰብ ከምዝረኣዩ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ የመልክት።
ካብዚ ብተወሳኺ ሪኪ፡ ኣመንቲ ክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ምስቶም ዝጠራጠሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝደኸመ ተገንዝቦኣዊ “ርእሰ-ሕላኸ” ክህልዎም ከም ዝኽእል እውን ክፈልጥ ክኢሉ እዩ።
እዚ ገለ ዘይተደልዩ ሓሳባት ክንስርዝ ዝሕግዘና ክእለት እዩ። ስለዚ ምናልባት ኵላትና በብእዋኑ ዘገርሙ ፍጻመታትን ቅዲታትን የጋጥመና ይኸውን፣ እቶም ክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት ዝጠራጡ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት ግን ነቶም ዘይተደልዩ ሓሳባት ንጐድኒ ኣብ ምድፋእ ዝሓሹ’ዮም።
ሪኪ ኣብዚ ሓደ ኣብነት ይህብ፤ ሓደ ብዛዕባ ኣደኡ እናሓሰበ ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኣደኡ ተሌፎን ትድውል። “ተጠራጠርቲ ወይ ዘይኣመንቲ ሰባት ኣጋጣሚ እዩ ክብሉን ክስሕቑን ይኽእሉ” ይብል።
ካልእ መጽናዕቲ ድማ ኣመንቲ ክንዮ-ባህርያዊ ፍጻመታት፡ ኣብ ዘይንጹር ሓበሬታ ተመርኲሶም ኣብ ዝውስንሉ እዋን ከይተረፈ፡ ኣብ ውሳነታቶም ዝያዳ ርእሰ-እምነት ከምዘለዎም ይሕብር። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ድማ ሓደ ግዜ ኣብቲ እምነት እንተተጣቢቘም፡ ካብኡ ክፍለዩ ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ምንቃፍ ኣመንቲ?
እንተዀነ ግን መብዛሕትኦም ተመራመርቲ፡ እቶም ተጠራጠርቲ ወይ ዘይኣመንቲ ሰባት ነቶም ኣመንቲ ብዙሕ ክነቕፉ ከምዘይብሎም ይሰማምዑ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዝተፈላለየ ኣጉል እምነታት ገለ ክእለትን ብቕዓትን ክመሓየሽ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ፈተነ፡ ገለ ዕድል ከምዘምጽኣሎም ዝኣምንዎ ነገር ሒዞም ናብ ፈተና ዝመጹ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝኽሮም ልዑል ምምሕያሽ ኣመዝጊቦም እዮም። ኣብቲ ዝሓዝዎ ነገር ዘለዎም እምነት፡ ዓቕሞምን ርእሰ-ምትእምማኖም ንኽውስኽ ዝሓገዘ ይመስል።
ይዅን’ምበር መጽናዕትታት፡ ደቂ ሰባት ርግኣት ኣብዘይስምዖም ኵነታት ምስ ዝርከቡ፡ ዘይተለምዱ ፍጻመታት ንኽሓስቡ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ የመልክቱ። ሓደ ሰብ ተስፋ ክስምዖ ምግባር ኣብቲ ክንዮ-ባህርያዊ፡ ወይ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘለዎም እምነት ክውስኽ ከም ዝኽእል እውን ይሕብሩ።
“ንነብስና ከም ርትዓዊት ገይርና ምሕሳብ ቀሊል’ዩ፤ እንተዀነ ነፍሲ ወከፍና ቍጽጽር ኣብ ዝጐደለና እዋን ነቶም ጌጋታት ንምፍጻም ክንቃላዕ ከምንኽእል ምርዳእ ዝያዳ ምልባም’ዩ” ትብል ጄኒፈር ዊትሰን።
ከምቲ ቸርችል፡ ቱሪንን ኮናን ዶይልን ዘርኣዩና ድማ፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም በላሕቲ ኣእምሮታት ከይተረፉ በብእዋኑ ንኸምዚ ዝበሉ ኵነታት ክቃልዑ ተኽእሎ ኣሎ።