እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘መናፍስቲ ምዉታን’ ሻቕሎት ዝፈጠሩሉ ገዛ
ፔኒፎርድ ፋርም፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል መንበሪ ገዛ ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዚ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛ፡ ሃገራዊ ሽፋን ማዕከናት ዜና ክረክብ ክኢሉ’ዩ።
ታሪኻዊ ቅርሲ ስለዝዀነ ግን ኣይነበረን።
ኣብ ጀርዲን ዝርከብ መቓብር ህጻን፡ ኣብ ልዕሊ ዝደቀሰ ህጻን ተራእዩ ዝበሃል ፈላሲ ዝመስል ኣካል፡ ኣብ መንደቕ ዝተቐርጹ ቃላት ... እዚኦም ኵሎም ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ መንበሪ ገዛ ከምዝተረኣዩ ዝተነግሩ እዮም።
ብዘይካ እዚኦም ኣስታት 300 ክንዮ-ባህርያዊ ተርእዮታት ከምዘጋጠሙ ተሰኒዱ እዩ።
ብሰንኪ እዚኦም ኣብቲ ገዛ ከምዝተረኣዩ ዝተዘርበሎም ፍጻመታት ተገዳስነት ሆሊዉድ ከበግሱ ክኢሎም ኣለዉ።
እዚ ዝዀነሉ ድማ ሓንቲ ስድራቤት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፔኒፎርድ ፋርም ዝሓልፍዎ መባህረር ህይወት ምዝራብ ድሕሪ ምጅማራ'ዩ።
ኣብ ባዶ ክፍልታት ዘዕጐምጕም ድምጺ፡ ገለ ዝቕልቀሉ ኣካላት፡ ዝደርፉ ህጻናት፡ ኣብ መንደቕ ዝተቐርጹ ቃላትን ገለ ርስሓትን ከምዝተረኣዩ ዝገልጹ ጸብጻባት ሃገራዊ ኣቓልቦ ክረኽቡ ዝገበረት ሮዝ-ሜሪ ጎወር እያ።
እታ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነት፡ ሮዝ-ሜሪ፡ ነቶም ፍጻመታት መልሲ ክትረኽበሎም ዘይከኣለት ትገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ዓባይ ጉንጓ ባዕላ ኣብቲ ገዛ ትንቀሳቐስ ከምዝነበረትን ከምኡ’ውን ሓንቲ ነፍሰጾር በረንዳ እቲ ገዛ ተራእያ ድሕሪኡ ከምዝጠፍአትን ዝገልጹ ጸብጻባት’ውን ነይሮም።
ሮዝ-ሜሪ ነቶም ዘይተገልጹ ተርእዮታት ኢላ ዝኣመነትሎም ፍጻመታት ሰኒዳ፤ ኣዝያ ድማ ስለዝተሰናበደት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ መጽናዕቲ ክገብር ናብ ገዛኣ ዓዲማ። ይዅን’ምበር እቲ ክኢላ ዝዀነ ርትዓዊ መግለጺ ክረክብ ኣይከኣለን።
ኣቕራቢት ራድዮ-1 ዝዀነት ስያን ኤለሪ ነቲ ኣብ መጀመርታ ተራ ዝመስል ኣብ ሰሜን ዌልስ ዝርከብ ገዛ መርሚራ።
እዚ ድማ ፍሉይ ስእሊ ቪድዮ፡ ድምጺ ቃለ መሕትት፡ ኣሳእል መሰኻኽር ዓይኒ የጠቓልል።
ብድሕሪኡ ‘ፓራኖርማል: ዘ ገርል፡ ዘ ጎስት ኤንድ ዘ ግሬቭስቶን’ ብዘርእስታ ሓዳስ ተኸታታሊት ሰነዳዊት ፊልም ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ኣቃሊዓ ኣላ።
ትሕዝቶ ሰነዳዊት ፊልም ቢቢሲ እንታይ እዩ?
ስያን ኤለሪ፡ ዛንታታት ናይቶም ኣብ ፔኒፎርድ ፋርም ብዙሓት መናፍስቲ ገለ ነገር ክገብሩ ከምዝተረኣዩ ዝገልጹ ሰባት ሰሚዓ።
እቶም ጸብጻባት ናይቶም ክግለጹ ዘይክእሉ ዝተበሃሉ ክንዮ-ባህርያዊ ተርእዮታት እውን መርሚራ።
ነቶም ፍጻመታት ኣብ መወዳእታ 1990ታት ክትስነድ ዝጀመረት ሮዝ-ሜሪ ጎወር፡ "ሓደ መዓልቲ ገለ ቅሩብ ዝነቐጹ ዕምባባታት ስለዝነበሩ ክድርብዮም ወሲነ" ክትብል ጽሒፋ።
"ካብ ሳሎን ናብ ክሽነ ወሲደ ኣብ ጠረጴዛ ኣቐሚጠዮም፡ እዚ ክገብር እንከለኹ ገለ ጽላተ-ዕንባባታት ይወድቁኒ ነይሮም።"
"ዝዀነ ሰብ ናብቲ ማዕጾ መጺኡ፤ ድሕሪ ኣስታት 30 ካልኢት ክምለስ ከለኹ ጽላተ-ዕንባባ ዝበሃል የለን። ብዝሞቱ ወይ ዳርጋ ዝሞቱ ዕኮታት ተተኪኦም ነይሮም" ትብል።
"ገለ ምልክት ሰፈር ዕኮት ኣይነበረን፡ ኵሎም መዓጹን መሳኹትን ድማ ዕጽዋት’ዮም ነይሮም። እዚ መግለጺ ዘይብሉ ነገር’ዩ።"
ስድራቤት ጐወር ካብ እንዳ ጓሎም ዝነበረ ድግስ ሓድሽ ዓመት ምስ ተመለሱ ኣብ ውሽጣዊ መንደቕ ገዛኦም ዝተቐረጸ ናይ ዌልስ ቃል ድሕሪ ምርካቦም እቶም ጸብጻባት መልኣከ-ሞታዊ ፍጻመታት ከምዝጀመሩ እታ ሓዳሽ ሰነዳዊት ፊልም ሰሚዓ።
ብመሰረት እታ ስድራቤት፡ ኣብቲ መንደቕ ዝተቐረጸ ቃል "tangnefedd" ዝብል ናይ ዌልስ ቃል ኰይኑ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣምር ሰላም ማለት እዩ።
ብድሕሪኡ ከም "hir am aros" (ነዊሕ ትዕግስቲ) ከምኡ'ውን "erlidiau" (ስደት) ዝኣመሰሉ ካልኦት ናይ ዌልስ ቃላት እውን ክረኣዩ ጀሚሮም።
ሮዝ-ሜሪ፡ እቶም ኣብ መናድቕ ዝረኣዩ ቃላት ዘይልሙዳት ቃላት ዌልስ ምዃኖም ሰኒዳ’ያ - ስድራቤታ ድማ ካብ እንግሊዝ ስለዝዀኑ ቋንቋ ዌልስ ኣይዛረቡን ወይ ኣይርድኡን።
እምኒ-መቓብር ብኸመይ ኣብ ቀጽሪ ተረኺቡ?
እታ ስድራቤት ከምእትብሎ፡ መበገሲ ናይቶም ክንዮ-ባህርያዊ ዝተበሃሉ ፍጻመታት፡ ኣብ ቅድሚት ገዛኦም ዝነበረ እምኒ-መቓብር ድሕሪ ምንቅስቓሱ እዩ።
እቲ ናይ ጄን ጆንስ ዝተበሃለት ጓል 15 ዓመት ጐርዞ እምኒ-መቓብር፡ ስድራቤት ጐወር ኣብ 1997 ናብቲ ገዛ ካብ ዝግዕዙ ጀሚሩ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ እዩ፤ እንተዀ ኣብቲ ጀርዲን ንመርዓ በዅሪ ጓሎም ኒኮሌት ኣቀባብላ ንምግባር ክብሉ ናብ ዝያዳ ዘይረኣየሉ ቦታ ኣግዒዞሞ።
እታ ሰነዳዊት ፊልም፡ ጄን ካብ ሞርጋንን ሜሪ ጆንስን ብ1763 ከምዝተወልደትን፡ ኣብ 1778 ምስሞተት ድማ ኣብ ግራት ከምዝተቐብረትን ረኺቡ።
"ብዛዕባኣ ኣጻሪና፡ ብሓቂ ድማ ዘመድና ኰይና ረኺብናያ" ይብል ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ ፔኒፎርድ ፋርም ነባሪ ዝነበረ ሞሪስ። ንሱ እቲ እምኒ-መቓብር ስለምንታይ ኣብቲ ጀርዲን ከምዝነበረ ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ይገልጽ።
"ኣብ ሕርሲ እያ ሞይታ፡ ኣብ 14 ዓመት ዕድመኣ ቈልዓ ብምውላዳ ውርደት ኣስዒባ ብምባል ድማ ኣብ ዝተቐደሰ መሬት ክትቅበር ኣይፈቐዱላን። ጄን ኣብቲ መሬት ተቐቢራ ክትከውን ዘሎ ተኽእሎ ዘእምን'ዩ።"
መሰኻኽር እንታይ ይብሉ?
ጓል ጐወር ዝዀነት ኒኮሌት ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ እምኒ-መቓብር ምስ ገዓዘ "ኵሉ ዓይነት ዝገርም ነገራት ከምዝተጀመረ" ትገልጽ።
ሮዝ-ሜሪ ኣብ 2002 ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኢስትቦርን ምስ ገዓዘት፡ ኒኮሌት፡ በዓል ቤታን ወዳ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ፔኒፎርድ ፋርም ይነብሩ ነይሮም።
"ሓደ ለይቲ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ውላደይ ዝደቀሰሉ ዓራት ገለ ኣካል ደው ኢሉ ርእየ" ትብል።
"ድንን ኢሉ ናብቲ ዓራት ይጥምት ነይሩ። ገጹ ክርኢ ኣይከኣልኩን - ከምቲ ፈለስቲ ዝኽደንዎ ጉልቡብ ቆብዕ ለቢሱ ነይሩ" ክትብል ትውስኽ።
"በርደግ ኢለ ትኽ ኢለ ኮፍ ምስ በልኩ ግን ድሮ ከይዱ ነይሩ። ብስንባደ ህይወት ካብ ውሽጠይ ሰንጢቓ ወጺኣ።"
"ከምቲ ኣብ መንደቕ ዝረኣዩ ቃላት ዝኣመሰሉ ቀጻሊ መዓልታዊ ዝገርሙ ነገራት” ከምዝነበሩ ኒኮሌት ወሲኻ ትገልጽ።
ንሳ ከምትብሎ ስም ወዳ እውን ኣብቲ መንደቕ ተራእዩ እየ። “ብሓቂ ድማ ደስ ኣይበለንን። ኮፍ ኣብ ዝበልካሉ ከመይ ኢሎም ቃላት ኣብ መንደቕ ይረኣዩ?”
"ቈልዑ ክደርፉን ኣብ ዓራት ኰይኖም ክደርፉን እቲ መሸጎር ክእለይ እንከሎን ዝስማዓሎም ሓጸርቲ ህሞታት ነይሮም፡ ቁርብ ዕርፍ ይብሉ’ሞ እቲ መሸጎር መሊሱ ይወድቕ ነይሩ።"
"ወጥሪ ይስመዓኒ ነይሩ። ዘፍርሕ እዩ ነይሩ።"
በዓል ቤት ኒኮሌት ኢዋን እውን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት እታ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ጉንጓ ዓርሳ ክኢላ ከምዝተገዓዘት ይዝክር።
ሕሳስ ጓል ጐወር ዝዀነት ኣድሪያን እውን ኣብ ፔኒፎርድ ፋርም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ነቲ ፈላሲ ከምዝረኣየቶ ትዛረብ፤ ሮዝ-ሜሪ ብወገና እቲ ፈላሲ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እናጨደረት ካብ ድቃሳ ከምዘበራበራ ሰኒዳቶ ኣላ።
"ደቂሰ ነይረ፡ ካብ ድቃሰይ ድማ ተበራቢረ ዝዀነ ህላወ ናይ ሓደ ነገር ኣብ ልዕለይ ደው ኢሉ ተሰሚዑኒ - ፈላሲ ይመስለኒ" ክትብል ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ገሊጻ።
እዛ ስድራቤት እዚኣ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ክንዮ-ባህርያዊ ዛንታታቶም ከምዘይኣምኑ ትርዳእ እያ፡ ሮዝ-ሜሪን ደቃን ግን እዚ ኣቓልቦ ንምርካብ ዝተገበረ ሽጣራ ከምዘይኰነ ኣጽኒዐን ይገልጻ።
እቲ ዛንታ ክንዮ-ባህርያዊ ሽጣራ ድዩ?
ሮዝ-ሜሪ ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ገለ ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ክመስሎም ይኽእል’ዩ፤ ግን ከምዘይኰነ የረጋግጸልኩም" ኢላ።
"ጆን-ፖል ዳውንዝ ሲንድሮም ኣለዎ፡ ኣብ ትምህርቲ ድማ ይጽገም እዩ፤ ስለዚ ክከናኸኖ ስለዝነበረኒ፡ ብሓቂ ስራሕ ይበዝሐኒ ነይሩ። ዝዀነ ሰብ ዕሽነት ዝመልኦ ጸወታ ቈልዑ ዝጻወት ዘሎ መሲሉና ነይሩ።"
ኒኮሌት፡ "ኣሕዋተይ ክዀኑ ኣይክእሉን - ነገራት ክፍጸሙ ከለዉ ኣብቲ ገዛ ኣይነበሩን" ክትብል ትውስኽ።
"ወለደይ እውን ዝዀነ ርክብ ክህልዎም ኣይክእልን - ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሒቘም እዮም ነይሮም።"
ሓፍታ ኣድሪያን "ብመናፍስቲ ትኣምን” ሰብ ከምዘይኰነት ትገልጽ፤ እንተዀነ "ዘጋጠመኒ ኣነ’የ ዝፈልጦ" ኢላ።
ንሳ፡ "ዝያዳ ኣጻሪና ኣይፈለጥናዮን" ክትብል ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ተዛሪባ።
"ሕጂ ብዛዕባኡ ክዛረብ ከለኹ'ውን፡ 'ብዛዕባኡ ክዛረብ ይደሊ ድዩ? ቅሩብ ጽልልቲ’ዶ ይመስል?' ኢለ ይሓስብ፤ ግን እቲ ዘጋጠመኒ’ምበር ካልእ ኣይኰነን።"
ሆሊዉድ ኣብቲ ዛንታ ዘለዎ ተገዳስነት
እቲ ሓቂ ዝዀነ እንተዀነ፡ ኣመሪካውያን ዳይረክተራት ፊልም እቲ ዛንታ ንሓንቲ ፊልም ድርኺት ክኸውን ድሌት ከምዘለዎም ምግላጾም ሮዝ-ሜሪ ትዛረብ።
ንሳ ነታ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ፊልም ክሰርሑ ደልዮም፡ ክንደይ ምዃኑ ኣምላኽ ይፈልጦ ድማ ኣሽሓት ፓውንድ ከምዝኸፍሉና ነጊሮሙና።"
"[ግን] ብልክዕ ከመይ ገይሮም ክሰርሕዎ ከምዝሓሰቡ ምስ ፈለጥና 'ኣይፋልን የቐንየልና፡ ኪዱ ደኣ፡ ሰሰናዩ ንዓኹም' ኢልናዮም" ትብል።
"ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ተመርኲሶም ብዙሕ ነገራት ክፈጥሩ እዮም ሓሲቦም፤ እዚ ድማ ትርጕም ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ኣነ ከምኡ ክገብሩ ፈጺመ ኣይምደገፍኩን። ወይ እተቕርቦ ሓቀኛ ዛንታ ኣለካ ወይ የብልካን።"
ስድራቤት ጐወር ኣብ 2012 ካብ ፋርም ፔኒፎርድ ወጺኦም። ኣብዚ እዋን እዚ ወናኒ እቲ ገዛ ዝዀነ ማይክል ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ገዛኡ መናፍስቲ ዝሰፍርዎ ምዃኑ ከምዘይኣምን ይገልጽ።
"እቲ ክንዮ-ባህርያዊ ሓቂ ክኸውን ዘሎ ዕድል ዜሮ ጥራይ'ዩ" ይብል።
"እዚ መንደቕ ብርስሓት ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ፤ ብርስሓት ዝተዓብለለ መንደቕ ድማ ዝተመራስሐ እዩ። ፈጠራዊ እንተዄንካ ድማ 'ኦ ኣምላኸይ፡ እዚ'ሞ ስእሊ ርእሲ ሰብ'ዩ' ክትብል ትኽእል ኢኻ።"
ስድራቤት ጐወር ካብ ፋርም ፔኒፎርድ ድሕሪ ምግዓዞም፡ እቲ ክንዮ-ባህርያዊ ተመኵሮታቶም እውን ምስኦም ዝጠፍአ ይመስል።