እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፍልሰት ድኽነት'፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ
ካብ ማእከላይን ደቡባውን ኣመሪካ ዝነቐሉ ሰባት ዝሓቘፈ ቃፍላይ ስደተኛታት፡ ብሜክሲኮ ኣቢሉ ናብ ሰሜን - ናብ ዶብ ኣመሪካ ተጓዒዙ።
ብቐንዱ ካብ ቬንዙዌላ፡ ኩባን ሜክሲኮን ዝተበገሱ ኣስታት 8 ሽሕ ዝዀኑ ካብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት፡ "ፍልሰት ድኽነት" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ባነር ኣምሪሖም እዮም፡ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ከተማ ሜክሲኮ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሒደት መዓልታት እዩ።
ሚስተር ብሊንከን ‘ዘይስሩዕ’ ስደት ንምቍጽጻር ሓድሽ ስምምዓት ክገብር ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ፡ ኣብ 2022ን 2023ን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።
ኣብ መስከረም 2023 ጥራይ፡ ፓትሮል ዶባት ኣመሪካ፡ ንዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰግሩ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣሃዛት ድሕነት ውሽጢ-ሃገር ኣመሪካ ይሕብሩ።
እቲ ኣብ ድሮ ልደት [ክሪስማስ] ዝተምም ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ፡ ካብታ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር ምስ ጓቲማላ እትርከብ ደቡባዊት ከተማ ታፓቹላ ሜክሲኮ እዩ ተበጊሱ።
ሓደ ኣብቲ ሰልፊ ዝተጸንበረ ሆንዱራሳዊ ስደተኛ፡ ካብቲ ‘ክቐትለካ እየ’ ኢሉ ዘፈራርሕ ሓደ ጕጅለ ገበነኛታት ከምልጥ ይሃድም ከምዘሎ ገሊጹ።
ጆሴ ሳንቶስ፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፈሪሐ ስለዝነበርኩ ‘ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ ክፍቀደለይ እዩ’ ዝብል ተስፋ ገይረ እየ ናብ ሜክሲኮ ክመጽእ ወሲነ" ኢሉ።
ብዓርቢ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፐዝ ኦብራዶር፡ ብዛዕባ ስደት ዝምልከት ተፈጢሩ ዘሎ ስክፍታታት ንምፍታሕ ዳግማይ ምስ ኣመሪካ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ መራሒ ሜክሲኮ፡ ዝመጽእ ረቡዕ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክራኸብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚስተር ብሊንከን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ "ተራእዩ ዘይፈልጥ” ዝበሎ፡ ዋሕዚ “ዘይስሩዕ ስደት" ክዘራረብ ምዃኑን፡ ክልቲአን ሃገራት "ንብድሆታት ጸጥታ ዶባት ዝፈትሓሉ" መንገድታት ከምዘናድያን ገሊጹ።