እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀርመን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ፖሊስን ብዝተለዓለ ዕግርግር 26 ፖሊስ ተሃሪሞም
ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝድግፉ ኤርትራውያን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ዝተኣኻኸቡ መንእሰያትን ፖሊስ እታ ከተማን ብዝተፈጠረ ዕግርግ፡ 26 ፖሊስ ከምዝተሃረሙ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ጀርመን ነቶም ነቲ ፈስቲቫል ንምብታን ዝተንቀሳቐሱ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት ንምብታን ኣማኢት ፖሊስ ብምውፋር ኣባትርን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝተቐሙ ተገሊጹ።
እቶም ተቓወምቲ መንእሰያት ኣቐዲሞም እቲ ፈስቲቫል ንመጎሳጎሲ ኵናትን ንፕሮፖጋንዳን’ዩ ዘገልግል ብምባል’ዮም ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም።
ምምሕዳር እታ ከተማ’ውን ዕግርግር ንምውጋድ እቲ ፈስቲቫል ከይካየድ’ኳ ከልኪሉ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማሕበረኮማት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕጊ መጒቶም እቲ ፈስቲቫል ክካየድ ንምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝረትዑ ይፍለጥ።
ፖሊስ ጀርመን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዕግርግር ትማሊ ቀዳም ንሰዓታት ከምዝተኻየደን ከም ውጽኢቱ 26 ካብ ኣባላቱ ከምዝተሃረሙን ገሊጹ።
ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣስታት 100 ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ደው ንምባል ዕግርገር ዘለዓዓሉ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ተሳተፍቲ ፈስቲቫልን ሓደጋ ዘውረዱ ከምዝተኣሰሩን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ምንቅስቓስ መካይን ደው ከምዝበለን ሓቢሩ።
እቶም ነቲ ፈስቲቫል ክካየድ የብሉን ብምባል ተቓውሞኦም ዘልዓሉ መንእሰያት፡ ናብ ፖሊስ እምንን ጠራሙስን ብምድርባይ ሓደጋ ከምዘውረዱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ መካይንን ንሓጹር እቲ ኣዳራሽን ከምዘፍረሱን ፖሊስ ገሊጹ።
መግለጺ ፖሊስ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እተን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ጽዒነን ዝነበራ ኣውቶቡሳት’ውን የእማን ከምዝደርበዩ ኣብሪሁ።
ኣብ ትዊተር ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስልታት፡ እቶም የእማን ዝድረብዩ ዝነበሩ መንእሰያት ምስ ፖሊስ እናተጓየዩ እንከለዉ የርኢ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፈስቲቫል ዕግርግር ተላዒሉ ካብኣቶም ኣብቲ ፈስቲቫል ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ሓያለ ከምዝተሃረሙን ካብቶም ነቲ ዕግርግር ዘለዓዓሉ ሰባት ሓያለ ተኣሲሮም ጉዳዮም ይርአ ምህላዉን ይፍለጥ።
ሰብ መዚ እታ ከተማ ተመሳሳሊ ክስተት ከየጋጥም ብምስጋእ እቲ ፈስቲቫል ከይካየድ’ኳ ከልኪሎም እንተነበሩ፡ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ግን ንውሳነ ምምሕዳር እታ ከተማ ብምንጻግ እቲ ፈስቲቫል ንኽካየድ ኣፍቒዱ።
ከተማ ጊሰን ካብ ፍራንክፈርት ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ 84 ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ከተማ’ያ።
እቲ ፈስቲቫል በቲ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝንገር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ዝተወደበ ኰይኑ፡ ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሰለስት ፍሉጣት ደርፍቲ ነቲ ፈስቲቫል ንምድማቕ ከምዝሳተፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስእሊ ዝተሰነየ መወዓውዒታት ክዝርጋሕ ቀንዩ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀርመን ንሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መሰል ዑቕባ ዝሃበት ሃገር’ያ።
ብሓፈሻ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ዑቕባ ዝተወሃቦምን ብቝጽሪ ምስ ዝርአ ካብ ሃገራት ኣፍሪቓ ዝበዝሐ ኣሃዝ ይሽፍኑ።