ኣብ ጀርመን ንኽልተ ትሕተ ዕድመ ኣዋልድ ብኻራ ዝሃረመ ኤርትራዊ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ኣብ ጀርመን ንክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ብኻራ ዝሃረመ ኤርትራዊ መንእሰይ ንሕለፍት ተፈሪዱ።

እዚ መንእሰይ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሓቲቱ ክነብር ጸንሐ ኰይኑ፡ ካብተን ብኻራ ዝወግአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ህይወታ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ።

እዚ ብ'ዑቕባ ቢ' ብዝብል ስም ጥራይ ተጠቒሱ ዘሎ ገበነኛ፡ ወዲ 27 ዓመት ኰይኑ፡ ነቲ ገበን ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ኢለርኪርቸበርግ ኣብ እተብሃል ከተማ’ዩ ፈጺምዎ።

እቲ ገበን ንብዙሓት ጀርመናውያን ዘቘጥዐ ኰይኑ፡ ኤስ ዝተበሃለት ጓል 14 ዓመት 23 ግዜ ብኻራ ወጊኡ ህይወታ ከሕልፋ እንከሎ፤ ጓል 13 ዓመት መሓዛኣ ከኣ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱላ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ እዚ ንሕልፈት ተፈሪዱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ነቲ ኻራ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሜግረሽን ሒዝዎ ብምእታው ገበን ክፍጽመሉ ሓሲቡ ምንባሩ ሓቢሩ።

እንተኾነ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ካራ እተን ክልተ ኣዋልድ ስለዝርኣየኦ ኣብ ልዕሊአን ሓደጋ ከምዝፈጸመ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ መንእሰይ፡ እዘን ኣዋልድ ንፖሊስ ክሕብራ ይኽእላ’የን ኢሉ ብምስጋእ ኣብ ልዕሊአን ገበን ከምዝፈጸመ’ውን ኣብሪሁ።

እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ንክምሮዖ ንሰብ መዚ ጀርመን ዝሓተቶ ሰነዳት ጉዕዞ ክማልኣሉ ስለዘይክኣለ ብሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ተበሳጭዩ ምንባሩ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ገበን ‘ኣዝዩ ከቢድ’ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ገበነኛ 15 ዓመታት ምስ ተኣሰረ፡ ብኣሞክሮ ናይ ምውጻእ ዕድሉ’ውን ኣዝዩ ጽቢብ ከምዝዀነ’ዩ ገሊጹ።

እዚ ብዑቕባ ቢ ዝተባህለ ገበነኛ፡ ኣብ 2015’ዩ ናብ ጀርመን ኣትዩ።

ዑቕባ ቢ፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ቋንቋ ጀርመን ተማሂሩን ስራሕ ጀሚሩ ምስቲ ሕብረተሰብ ጀርመን ተዋሂሂዱ ክነብር ዝጸንሐን ህዱእ ስብእናን ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ ንጉዳዩ ክርኢ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ዑቕባ ቢ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ከምዝተጠዓሰ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ይቕሬታ ሓቲቱ።

ዑቕባ፡ ናይ ይግባይ መሰሉ ዝተሓለወ ኰይኑ፡ ሕቶኡ ቅቡል ኰይኑ እንተዘይተረኺቡ ግን ኣብ መንጐ ማእሰርቱ ናብ መበቈል ሃገሩ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ከምዝኽእል ኣኽባሪ ሕጊ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እዘን ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝተፈጸመ ገበን ኣብ ብዙሓት ሰባት ቍጠዐ’ኳ እንተኣለዓዓለ፡ ስደራ እዘን ግዳያት ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቈም ዝተፈጸመ ገበን፡ እቶም ጸረ-ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ወገናት መጋበሪ ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ክገብርዎ ፍቓደናታት ከም ዘይኰኑ ገሊጾም።

እታ በቲ መጥቃዕቲ ካራ ዝሞተት ኤስ ቱርኪ ካብ ዝመበቈሎም ስድራ ዝተወልደት ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።