ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሱዳን ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምስፋን ንዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ ናብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ከም ዝኣተወ ተገሊጼ።

ቤት-ፅሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር “እቲ ምብጻሕ፡ መቐጸልታ ናይቲ ንሱዳን ንምርግጋዕ ዝገብሮ ፃዕሪ’ዩ” ኢሉ።

ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን እንትበፅሕ፡ ኣቦ ወንበር ስግግር ባይቶን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ካልኦት ሰብመዚን ከም ዝተቐበልዎ ወኪል ዜና ሱዳን-ሱና ጻብጺባ።

ንሱ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝገበሮ መገሻ፡ ሱዳን ኣብ ሕድሕድ ኵናት ካብ ትሽመም ንነዘ ብብርኪ መራሒ ሃገር ዝተገበረ ፈላማይ ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ጻንሒቱ ምስ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ከም ዝዘራረብ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ገፍን ብሰንኪ ዝተወልዐ ኵናት ሕድሕድ ኣብ ቅልውላው ትርከብ።

ዕላማ ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ብዝርዝር ኣይተገለጸን።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰን ዶባትን ዋላ’ኳ ዘይምርድዳእ እንተሃለወን፡ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንነዘ ግና እዞም ዘሰሓሕብወን ጉዳያት ተላዒሎም ኣይፈልጡን።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኵናት ሱዳን ምስ ዝኾነ ኣካል ከም ዘይትውግን ክትገልፅ ጸኒሓ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ “ምስ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት 100 ሚእታዊት ዘይሻራዊ ቅዋም ብምሓዝ፡ ክልቲኦም ናብ ሰላም ክመፅኡ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና” ምባሉ ይዝከር።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምስ ኢጋድ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኹሉ ዘካተተ ፖለቲካዊ ዝርርብ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ ነይሩ።