ዕዙዝ ኣበርክቶ ዓርከ መሓዛ ኣብ ጥዕናና

ፍቕራዊ ዝምድና፡ ኣብ ምውሳኽ ዕድመን ጥዕናና ኣብ ምምሕያሽን ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብመጽናዕቲ ዝተረጋግገጸ እዩ። ምሕዝነት’ከ ተመሳሳሊ ጥቕሚ ወይ ረብሓ ይህልዎ'ዶ?

ሒደት ካብቲ ብዙሕ ረብሓታት ምሕዝነት

ምስጢረ ምሕዝነት ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈት ጋዜጠኛ ስነፍልጠት ሊድያ ደንዎርዝ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ ንዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ገሊጻ ኣላ። ንኣብነት ጽምዋ ክስማዓካ እንከሎ ጸዓዱ ዋህዮታት ደምካ ባህሪኦም ይልውጡ'ሞ ዝያዳ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ተጥሪ።

“ኣካላትና ከመይ ኢሉ ከምዚ ከም ዝሰርሕ ከኣ ኣዝዩ ዝገርም እዩ” ትብል።

ኣካላትና ብጽምዋ ይማስን ጥራይ ዘይኮነ እቶም ምስ ማሕበራዊ ሂወት ጽቡቕ ምተስስሳር ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ነዊሕ ዕድመ ናይ ምጽናሕን ጥዑይ ሂወት ናይ ምምራሕን ተኽእሎ ዝያዳ ዕዙዝ እዩ። መሓዙትን ኣዕሩኽን ዘለዎም ሰባት ዝበለጸ ክድቅሱን ቀልጢፎም ክሓውዩን ይኽእሉ።

ብኣንጻሩ ዝዛሕተሉ ምሕዝነትን ዕርክነታትን መበገሲ ሕዱር ሕማማት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገለ ገለ ተመኵሮታት ከም ዝተራእየ፡ ማሕበራዊ ተንጽሎ ዘስዓቦ ሞት ካብቲ ሽጋራን ሕማም ኮለስትሮን ዘስዓቦ ሞት ብዕጽፍታት ይዛይድ።

ክፋል ናይዚ ኣብቲ ኣብ መንጐ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ዘሎ ዝተፈላለየ ምትእስሳርን ዝምርኮስ እዩ።

ዶና ተርንቡል፡ ኣካያዲት ልምዓት ማሕበረሰብ ናይቲ ኣብ ሰሜን ለንደን ንዝርከባ ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይ ዝድግፍ ወለንታዊ ትካል ግብረ ሰናይ እያ፤ ንሳ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ መዳያት ጥዕና ዘሎ ምትእስሳር ርዱእ ምዃኑ ተመልክት።

"ማሕበራዊ ተነጽሎ ንዝኾነ ጉዳይ ጥዕና ዳርጋ ከምዘጋድዶ ድማ ብሓፈሻ ቅቡል'ዩ። ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትካ ንጡፍ እንተዘይኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ'ውን ንጡፍ ኣይትኸውንን ኢኻ" ትብል ተርንቡል።

ካልእ ኣብ ኣሜርካ እትነብር ሳዒዳ ሓሽማቲ ዝተባህለት ክኢላ ስነኣእምሮ መጽናዕታ ከም ዘረድኦ፡ "እዘን ንኣሽቱ ተግባራት ፍቕሪ ካበይ ከም ዝመጻ፡ ወይ ካበየናይ ዝምድና ከም ዝተበገሳ ብዘየገድስ፡ ጥዕና ናይቶም ርክባት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ትብል።

ንኣብነት ኣብ እትሓምመሉ ግዜ ካብ ሓደ ኣባል ስድራቤት ክንክንን ሓልዮትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤ እንተዀነ ካብ ዓርከ ምሓዛ እውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።" እዚ ዅሉ ድማ ፍቕሪ እዩ ዝገልጽን ዘንጸባርቕን ትብል።

ክሳብ ክንድዚ ዓቢ ጥቕሚ'ኳ እንተሃለዎ ተራ ምሕዝነትን ኣገዳስነቱን ግን ንነዊሕ እዋን ተወንዚፉ እዩ ጸኒሑ። "ምሕዝነት ኣዝዩ ዓቢ ክብሪ ዝግባኦን ጠቓሚ ረብሓ ዘለዎን ስለዝዀነ ከም ኣገዳሲ ባእታ ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖ እምበር ካብቶም ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነትና ከነዋስኖ የብልናን" ብምባል ድማ ደንዎርዝ የጠንቅቕ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ምሕዝነታት ካብ መርዓን ሓዳርን ወይ'ውን ካብ ስድራቤትካ ንላዕሊ ምሕብሓብ ክህልዎ ይርአ እዩ። ኣብ 97 ሃገራት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ ምስ ስድራቤትካን ምሓዙትካን ዘለካ ጥቡቕ ቅርርብ ጥዕናን ሓጐስን ኣብ ምምንጫው ዓቢ ግደ ከም ዝጻወት ብፍላይ ድማ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብጥዕናን ሓጐስን ንኽነብሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የረደእ።

ዝተፈላለየ ዓይነት ምሕዝነታት

ኣብ ዝተፈላልዩ ባህልታት ሕብረተሰባት ዘለዉ ምሕዝነታት ዝተፍላለዩ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዝምስረት ምሕዝነት ብወለንታ ዝምስረት እዩ። እቲ ኣብ መንጐ እቶም ዝተቐራረቡ/ባ ሰባት ዘሎ ዝምድና ምስ ግዜ ክቀያየር ዝኽእል ኰይኑ እቶም ውልቀሰባት ማሕበራውን ስምዒታውን ዕላማታቶም ዘተግብሩሉ መድረኽ እዩ።

እቲ ዝምድና በቶም ዝተሰርዑ ኣካይዳታት ዝምእከል ድዩ ክኸውን ወይስ እቲ ዘሎ ምትእምማን ካብቲ ዘሎ መሳርዕ ርክባት ክዕብልል ይኽእል ንዝብል ግን፡ በቲ ዘሎ ባህሊ ናይ ምጽላው ተኽእሎኡ ዝሓየለ ከም ዝዀነ እያ ሓሽማቲ ትገልጽ።

"መንእሰይ ከለኻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ዕርክነትን ዝምድናታትን ግዜ ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ፡ ምኽንያቱ ትድህስስ ስለ ዘለኻ። ዕድመ እንዳወስኽካ ክትከይድ እንከለኻ ግና ብዙሕ ካብቲ ንዓኻ ዘይጠቕመካ ዝምድናታት ክትቆርጾ ኢኻ" ብምባል ሓሽማቲ ሰባት እናዓበዩን ናይ ግዜ ስምዒቶም እናተቐየረን ምስ ከደ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ርክባቶም ዝያዳ ጥንቁቓት ይዀኑ ትብል።

ኣብ ምሉእ መስርሕ ህይወት ሰብ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕርክነት ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ ብርግጽ ርኡይ ፍልልያት ይርአ። ደንዎርዝ ከም ዝጸብጸቦ፡ ዕርክነት ንህንጸት መንነት መንእሰያት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ድማ ብመጠኑ ኣገዳስነቱ ይጐድል፡ ኣብ ኣረጋውያን ድማ እቲ ዕዙዝነቱ እናወሰኸ ይኸይድ።

ብፍላይ ጥዕና ዕርክነትናን ምሕዝነትናንን ኣገዳሲ'ኳ እንተዀነ ዝዀነ ይዅን ምሕዝነት ግን ኣብ ሂወትና ጠቃሚ እዩ። ዝሕቱል ዕርክነት ዝተፈላለየ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድልና ዝያዳ ንምስፋሕ ሓጋዚ ክኸውን ከሎ፡ ድልዱል ዕርክነት ድማ እቲ ቀንዲ ሓገዝን ደገፍን ዝህብ እዩ።

ብዙሕነት ዕርክነት/ምሕዝነት እውን ጽቡቕ እዩ። ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዝምድናታት ምህላው ንጥዕናና ዝሓሸ እዩ፣ ሰዓል ናይ ምክልኻል ዓቕምና ከይተረፈ ከዕብዮ ይኽእል እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ምስ ሰባት ዘሎና ዕርክነት/ምሕዝነት ኣብ ዝደልደለሉ እዋን፡ ባእሲ ንጕድኣትና ስለዘጋድዶ እቲ ምቅርራብና ሚዛኑ ዝሓለወ እንተዀነ ይምረጽ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ዝምድና ክበላሾ ክዕረን ወይ ካልእ ኣንፈት ክማዕብል ስለዝኽእል። ብተዛማዲ'ውን ኣብ ዙርያኻ ኣእላፍ ዓርከ ምሓዛ እንከለዉኻ ክጽምወካ ይኽእል እዩ።

ናብ ሕክምናዊ መዳይ ምስ እንመጽእ'ውን፡ ሓካይም ብሕማም ረሲዕ ንዝተጠቕዑ ኣረጋውያን ብዘይካቲ ዝህብዎም ኣፋውስ ናብ ማሕበራዊ መዘናግዒታትን ኣኼባታትን ክኸዱ ይእዝዝዎም። ንኽሕግዝዎም ድማ ናይ ንእስነትን ናይ ዕርክነቶምን ድሕረባይታ እንታይ ከም ዝመስል ከጽንዑ ይረኣዩ ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዝምድና ክንርድኦ ዘለና፡ ብሓደ መዓልቲ ከምዘይህነጽን ንምምስራቱን ማዕሙቑን ክሳብ ብሂወት ዘልና ክንኩስኩሶ ዘሎና ነገር ምዃኑ እዩ።

ገለ ሰባት እውን ሕጂ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን ብምባል፡ ክሳብ 50ታት 6ታት ዕድመኦም ዝበጽሑ የወንዝፍዎ እሞ፡ ኣብቲ ዕድመ ምስ በጽሑ ግን ከም ሓሳቦም ብቐሊሉ ምስ ሰባት ዝምድና ክምስርቱ ስለዘይክእሉ ይጠዓሱ።

ገለ ገለ ሰባት'ውን ጕጅለ ጕጅለ ብምዃን፡ ከም ከባቢኻ ምጽራይ ዝኣመሰለ ወለንታዊ ስራሕ ምስታፍ፡ እግሪ ጕዕዞ ምጉዓዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ንጥፈታትትን ሓያሎ ረብሓታት ኣለዎ ይብሉ እዮም። ምኽንያቱ ንሓንሳብ ጥራይ ዝካየድ ንጥፈታት ዘይኮነስ፡ ነባሪ ዕርክነት ክሃንጽ ዝኽእል ነዊሕ ዝጸንሕ መደባት ስለዝዀነ ማሕበራዊ መራኸቢታትካ ክትሃንጽ ርሒብ ዕድል ይፈጥሩልካ።

ሓቂ እዩ ምስ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ክብሪ መነባብሮን ከምዚኦም ዓይነት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ምፍጣርን ምስታፍን ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ግዜ እዩ። እዚ ድማ ንሰባት ወላ'ውን እናደልዩ ኣብኡታት ዘይጽንበሩ ክገብሮም ይኽእል'ኳ እንተዀነ ነቲ ዓቢ ረብሓኡ ንምኽሳብ ግን ወላ ተራኺብካ ኩባያ ሻሂ ምስታይ ዝኣመሰለ ቅልል ዝበለ ንጥፈታት ምዝውታር ግን ኣገዳሲ እዩ።

ብሓፈሻ፡ ንጥዕና ዘተባብዕ ዕርክነት ኣብ ዝምልከት፡ ኣየኖት ዓይነት ምትእትታዋት ዝበለጸ ከም ዝሰርሑ ዝያዳ መርትዖታት የድሊ። እንተዀነ፡ ዳርጋ ኩላትና ሕጂ ክንወስዶም እንኽእል ቀለልቲ ስጕምትታት ኣለዉ።

ሓደ ካብዚ እንወስዶ መሰረታዊ ትምህርቲ ግን፡ ኣዕሩኽ ምጥራይ ኣቃሊልካ ክርአ ከምዘይብሉ እዩ። ከምቲ ደንዎርዝ ዝብሎ፡ "ኣብ መዓልቲ ውሱን ግዜ ኣለና፡ ዕርክነት ድማ ወፍሪ ይሓትት።"

ብርግጽ ድማ እቲ ወፍሪ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ረብሓ ኣለዎ። እምበኣር ንዝምድናታትና ነቕልበሎም።