እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ሸርፊ ወጻኢ እንታይ ከስዕብ እዩ?
ኣመሪካዊ ትካል 'ፊች ረይቲንስ'፡ ዓቕሚ ምምላስ ልቓሕ ሃገራት ዝግምግም ትካል እዩ። ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝጥቀሱ ሰለስተ ትካላት ዓለም ሓደ ምዃኑ እውን ይንገረሉ።
እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዓቕሚ ምኽፋል ዕዳ ወጻኢ ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ደረጃ ኣውሪድዎ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ልቓሓ ናይ ምምላስ ዓቕማ ከምዝነከየ እቲ ገምጋም ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ግምት ፊች፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ብ30 ሰነ ዝዛዘም በጀት ዓመት፡ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክትከፍል ትጽቢት ይግበረላ።
ብተወሳኺ ኣብ መወዳእታ 2025 እቲ ክፍሊት ናብ 2 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ከምዝኽእል ገሚቱ።
በዚ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ከጋጥማ ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ ትካል ወሲኹ፡ ውህሉል ዓለምለኻዊ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ክሳብ 2023 ናብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክወርድ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ንሓደ ወርሒ እውን እንተዀነ ልቓሕ ንምኽፋል እዅል ከምዘይኰነ የመልክት።
ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ግን እንታይ እዩ?
ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ሃገራት፡ ብዓለምለኸ ገንዘብ ዝትመን፡ ጥረ ገንዘብ፡ ወርቂ፡ ቦንድ ወይ ካልእ ክቡር ንብረት ክኸውን ይኽእል።
እቲ ኣብ ዓለም ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ባጤራ ዶላር ኣመሪካ ስለዝዀነ፡ ውህሉል ሸርፊ ወጻኢ ሃገራት እውን ብዶላር ይዕቀን።
ሓይሊን ጥዕናን ቍጠባ ሓንቲ ሃገር፡ ብዘለዋ ውህሉል ሸርፊ ወጻኢ ይዕቀን። እዚ ድማ ንልቓሕ፡ ንንግድን ወፍሪን ዘለዋ ተኣማንነት ዘርኢ እዩ።
ኣማኻሪ ቢዝነስን ኣቶ ጥላሁን ግርማ፡ እዚ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ፡ ብዙሕ ብልጫታት ከምዘለዎ ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ ክኢላ፡ እዚ ዕቍር ሸርፊ ወጻኢ፡ ልቓሕ ወጻኢ ንምኽፋል ዘኽእል እዩ።
ኣብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ወሰኽ ዋጋ ፍርያት እንተጋጠመ ንኣብነት፡ ዋጋ ነዳዲ ሃንደበት እንተወሲኹ፡ ወይ ድማ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ግጭት ዋጋ ኣቝሑ ብዓቢኡ ምስ ዝውስኽ ንዝፍጠር ጸገም ንምፍታሕ የገልግል።
ንኣውፈርቲ እውን ውሕስነትን ርእሰ-ምትእምማንን ዝፈጥር እዩ።
ኣውፈርቲ ብዛዕባ ወፍሪት ክሓስቡ ከለዉ፡ ቀዳማይ ዝርእዩዎ ነገር፡ ዓቕሚ ውህሉል ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ምዃኑ የረድእ።
ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ፡ ኣገደስቲ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ማሽነሪታት ንምዕዳግን ንምእታውን የኽእላ።
"እዚ ዕቑር ሃብቲ፡ ብፍላይ ነቲ ልቓሕ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ዝፈታተን እንተዀይኑ፡ እታ ሃገር ዘድልያ ኣቑሑ ካብ ወጻኢ ከተእትዎ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ሓደገኛ ደረጃ በጺሓ ማለት'ዩ" ይብል ጥላሁን።
ሃገራት ከከም ዓቕመንን ሓይሊ ቍጠባአንን ንሰሙናት፡ ኣዋርሕ፡ ንዓመታት ከይተረፈ ዝጸንሕ ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ክህልወን ይኽእል እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ካብ ሒደት ኣዋርሕ ንላዕሊ ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ሃሊይዋ ኣይፈልጥን።
ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዕቝር ባጤራ ወጻኢ ክበሃል እንከሎ፡ ድሕሪ 30 መዓልቲ ግን እቲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ይሃልኽ ማለት ኣይኰነን።
ምኽንያቱ፡ ሸርፊ ወጻኢ ብሓዋላ፡ ብረድኤት፡ ልቓሕን ሰደድን እውን ይርከብ እዩ።
ክንደይ ዝኣክል ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ እዩ ዘተኣማምን?
ነዚ ሕቶ እዚ ውዱእ መልሲ የለን። ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ሃገራት ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ክሕዛ ይመክር።
እቲ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ግዜ ክመሓየሽ ኣለዎ፡ ኵሉ ግዜ ድማ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ክድረት የብሉን።
ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ብውሕዱ ናይ ሰለስተ ወርሒ ውህሉል ዓቕሚ ክህልወን ይምከር።
ብመሰረት መረዳእታታት ትሕቲ ሰለስተ ወርሒ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ግን፡ ንቝጠባ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣይኰነን።
ዕቑር ሸርፊ ወጻኢኣ ብኣጻብዕ ካብ ዝቝጸሩ መዓልታት ሓሊፉ ከምዝፈልጥ'ውን ይንገር።
ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ብኸመይ ይጐድል?
ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ሃገራት ይፍለጥ እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ብዛዕባ እተእትዎም ፍርያት እውን ሓበሬታ ኣሎ።
ዓመታዊ ወጻኢታት ብምስላሕ፡ ኣብ ወርሒን መዓልትን ክንደይ ከም ዝውዕል፡ ከምኡ’ውን እቲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፅንሕ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ እቶት በብዓመቱ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዝዛረብ ክኢላ ቍጠባ ኣቶ ጥላሁን፡ "እቲ ናይ ሰደድ ቢዝነስ ዕብየት ግን እናንቈልቆለ ዝመፀሉ ኵነታት እዩ ዘሎ" ይብል።
ካብ ወጻኢ ዝኣቱ እዩ ዝበዝሕ። ነዚ'ውን ሸርፊ ወጻኢ የድሊ። ስለዚ እታ ሃገር ካብቲ እትረኽቦ ንላዕሊ ወጻኢታት ስለ እትገብር፡ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ይወድቕ።
እዚ ክፍተት ብልቓሕ፡ ዕድጊ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ብዝለኣኽ ሓዋላ ዝሽፈን እዩ።
"እዚ እንተዘይኰይኑን እቲ ዝጐደለ መከላኸሊ ሸርፊ ወጻኢ እንተዘይተማሊኡን፡ እታ ሃገር ኣብ ዕዳ ክትወሓት ትኽእል" ክብል፡ ጽልዋ ሕጽረት ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ይገልጽ።
ክኢላ ቍጠባ ኣቶ ጥላሁን፡ "ካብዚ ተበጊሱ'ዩ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ሃገራት ጥዑይ ድዩ ኣይኮነን ዝዕቀን" ይብል።
ሃገራት ባጤራ ወጻኢ ዝረኽባሉ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ስፍሓትን ተኣማንነትን፡ ኣብቲ ዕቑር ሃብቲ ይንጸባረቕ።
"ኣንፈት ንግዲ ሰደድ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘየላ እዩ ዘርኢ። ነዚ ድማ እዩ ደረጃኣ ናብ ትሑት ወይ ልዑል ሓደጋ ኣብ ዝህልወሉ ደረጃ ወሪዱ ዘሎ" ኢሉ።
ከም ኣብነት፡ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ልቓሕ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ይጥቀስ።
ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ እንተወሓደ፡ ለተረ ኦፍ ክረዲት (ናይ ባንክ ትራስት ሰነድ) ከፊትካ ኣቝሑ ካብ ወጻኢ ክተእቱ ኣይከኣልን።
“ኣገደስቲ ነገራት ከም መድሃኒትን መግብን ክትገዝእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ልቓሕ ንምኽፋል ከቢድ ክኸውን እዩ ማለት'ዩ።"
ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ፊች ረይቲንስ፡ ዓቕሚ ምኽፋል ዕዳ ኢትዮጵያ እናንቈልቆለ ይኸይድ ኣሎ፡ ብምባል ኣብ ምድብ ሓደጋ ዘእተዋ።
ሕጽረት ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ብኸመይ ይንጸባረቕ?
ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናነከየ መጺኡ እዩ። በብእዋኑ ድማ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።
ሓደ ካብቲ መርአያ ናይዚ ድማ፡ ኣምጻእቲ ከም ዝደለይዎ ባጤራ ወጻኢ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎምን ሓቲቶም ምኽልካሎምን ዩ።
ከም ውጽኢቱ፡ ኣቝሑ ካብቲ ንኽገዝእዎ ዝጽበዩዎ፡ ብዕጽፊ ወይ ብሰለስተ ዕጽፊ ይሽየጥ።
“ምውዳቕ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ናብቲ ባንኪ ናይ ምሕታት መመልከቲ ምስ ዝቐርብ እዩ ዝረአ።
ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ፡ ንሕክምና፡ ንዑደትን ትምህርትን ዶላር ምርካብ እንተዘይተኻኢሉ፡ ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ" ይብል ጥላሁን።
ብዘይ ዕቝር ባጤራ ወጻኢ ካብ ናይ ወጻኢ ትካላት ዝተወሰደ ልቓሕ ምምላስ ኣይከኣልን።
በዚ ምኽንያት ድማ ገለ ዕዳአን ክኸፍላ ዘይክእላ ሃገራት ካብ ከም ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉ ትካላት ተወሳኺ ልቓሕን ናይ ምምላስ ግዜ ክፍቀደለን ይሓታ።
ምስ ኣለቃሕቲ ክዘራረቡን ነገራት እንተተዓርዮም ካብ ናይ ወጻኢ ኣቝሑት ምዕዳግ ክቝጠቡን እውን ይመርጹ።
ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ኢትዮጵያ ከም ዝተጋደደ መርኣያታት ሓደ፡ 38 ፍርያት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ምእጋዶም እዩ።
በዚ ውሳነ፡ እቲ ውሱን ወጻኢታት ባጤራ እታ ሃገር ንህጹጽ ዘይኮነ ፍርያት ከምዘይውዕል፡ "እዚ ማለት ነቲ ዘለዎም ባጤራ ወጻኢ ባጤራ ንኣዝዮም ዘድልዩ ፍርያት ጥራይ ምጥቃም ማለት'ዩ" ይብል ጥላሁን።
ይዅን እምበር ሕጽረት ባጤራ ወጻኢ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንኢንዱስትሪታት ዝኸውን እታወታት ካብ ደገ ንምእታው የጸግም።
ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ሃገር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ትሕቲ ዓቕሞም ዘፍርያን፡ እኹል እታወታት ክረኽባ ዘይኽእላን ኰይነን፡ ገሊአን ድማ ናብ ምዕጻው ገጸን ቀሪበን ኣለዋ።
ቅልውላው ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ቀልጢፉ እንተዘይተፈቲሑ፡ ሓደጋ ምኽፋል ልቓሕ ክውስኽ እዩ።
ኣለቃሕቲ ገንዘብ ኣብ ምልቃሕ ርእሰ ተኣማንነት ይስእኑ። እዚ ድማ ንዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምወላ ምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
መፍትሒኡኸ እንታይ እዩ?
ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ ምስ ዘንቈልቁል፡ ዝተፈላለዩ ስጕምቲታት ክውሰዱ ይኽእሉ።
ኣብ ሓጺር ግዜ ሰደድ ምውሳኽ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተዀነ እታ ሃገር ኣብ ሓጺር እዋን ክትከፍሎ ዘለዋ ልቓሕ ኣሎ።
ካብ ሓደ ተለቂሕካ ንኻልእ ምኽፋል ግን፡ ቀጻሊ ኣብ ዕንክሊል ልቓሕ ምንባር እዩ ዝፈጥር።
ስለዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ’ታ ሃገር ንምዕባይ እቲ ቀንዲ መፍትሒ፡ ካብ ደገ ዝኣትዉ ምንካይን ሰደድ ምውሳኽን እዩ።
ኢንዱስትሪታት ምድጋፍን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክፈርዩ ዝኽእሉ ምትብባዕን’ውን ጽቡቕ ምዀነ።
እቲ ክኢላ፡ ካልእ ጉዳይ ፖሊሲ እውን የልዕል።
ዋጋ ብር ኣንጻር ዶላር ዝከታተል ሃገራዊ ባንክ እዩ። ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ዶላር ብብር ክቕየር ከሎ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንባንክታት ይሕብር።
ዶላር ብባንክታት ዝሽየጠሉ ዋጋ ንሓቀኛ ዋጋ ዶላር ዘንጸባርቕ ኣይኰነን፤ እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዶላር ነቲ ክውንነት ብልክዕ ዘርኢ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ኣለዉ።
"ናይ ብር ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ እንተነክዩ እቲ ቢዝነስ ክመሓየሽ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ከምኡ እንተገይረ ድማ፡ ዋጋታት ንብረት ከይውስኽ መንግስቲ ስክፍታ ኣለዎ። እዚ ውሳነ ፖሊሲ መንግስቲ እዩ። ዝተሓላለኸ ነገር እዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ እቲ ክኢላ፡ ኣዕናዊ ኲናት ደው ምባል ከም ፍታሕ ጠቒሱ።
“ነፍሲ ወከፍ ጥይትን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ብባጤራ ወጻኢ እዩ ዝዕደግ። ኣብ ክንዲ ንትራክተር ንጥይት እንተተኸፊሉ ጸገም እዩ።"