እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሬሳታት ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ተረኺቡ
ሰብመዚ፡ ሬሳታት ናይቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ ዝሞቱ ሸሞንተ ስደተኛታት ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ፡ ካብቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ 8 ስደተኛታት፡ 2 ህጻናት ከምዝነበርዎም ተገሊጹ።
ፖሊስ ትማሊ ዓርቢ ብሄሊኮፕተር ኣብ ዘካየዶ ፈተሻ ኣብቲ ሴንት ሎረንስ ዝበሃል ሩባ ክልተ ተወሳኺ ሬሳታት ረኺቡ ኣሎ። ካብቶም ዝሞቱ ካብ ሮማንያን ህንዲን ዝመጹ ክልተ ስድራቤታት ይርከብዎም።
ሰበስልጣን ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ንዝጠፍአ ኬሲ ኦክስ ዝተበሃለ ወዲ 30 ዓመት በዓል ጃልባ ይደልዩ ነይሮም፤ ክሳብ ሕጂ’ውን ደሃዩ ተሳኢኑ’ሎ።
ኣብ መንጎ ኬሲ ኦክስን እቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ ስደተኛታትን ዝኾነ ምትእስሳር እንተሃልዩ ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ሬሳ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ግዝኣት ሞሃውክ እዩ ኣብ ረግረግ ተረኺቡ።
እቶም ካልኦት ሬሳታት ድማ ካብቲ ከባቢ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ተረኺቦም። መንነቶም ግን ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ወግዓዊ ኣይተገበረን።
እቲ ሓደ ህጻን ዕድመኡ ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ፡ ፓስፖርት ካናዳ ነይርዎ። እቲ ካልኣይ ዕሸል እውን ብተመሳሳሊ ካናዳዊ ዜጋ ምዃኑ ሓላፊት ፖሊስ እቲ ከባቢ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረዲኣ።
እቶም ሬሳታት ካብ ክልተ ስድራቤታት ከምዝኾኑ ይእመን፤ ሓንቲ መበቆል ሮማንያ እታ ካልአይቲ ድማ መበቆል ህንዲ ዝነበረን ስድራቤታት ከምዝኾና ምክትል ሓላፊት ኣገልግሎት ፖሊስ እቲ ከባቢ ሊ-ኣን ኦብራይን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።
ኦብራይን፡ "ኩሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ይእመን" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ረቡዕ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ኩነታት ኣየር ጽንኩር ምንባሩ ገሊጻ።
እቶም ሬሳታት ኣብቲ ንገለ ክፋል ኦንታርዮ፡ ኩቤክን ግዝኣት ኒውዮርክን ዝሓቖፈ ከባቢ ኩቤክ-ኣክዌሳስነ ዝተረኸቡ ኮይ፡ ካብ ሞንትርያል ንኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 120 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ "ልቢ ዝሰብር ኩነታት'ዩ" ክብል በቲ ፍጻመ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ’ሎ።።
ወሲኹ፡ "እንታይ ከም ዘጋጠመን ብኸመይ ከም ዘጋጠመን ብግቡእ ክንርዳእ ከምኡ’ውን እዚ ፍጻመ ዳግማይ ዘጋጥመሉ ኩነታት ንምንካይ ዝከኣለና ክንገብርን ኢና" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ናይ ዝፈተኑ ሰባት ሬሳታት ተረኺቡ ነይሩ።
ኣብ ጥሪ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ጥቓ ኤመርሰን - ማኒቶባ ኣብ ዝርከብ ሜዳ በረድ፡ ሬሳ ሓደ ዕሸል ዝርከቦም ናይ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸበ ፖሊስ ካናዳ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ሽዑ ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣባላት ካብ ህንዲ ዝመጸት ስድራ ምዃኖም ከምዝእመን ገሊጾም።
ኣባላት ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ካናዳ ተመሊሶም ዶብ ዝሰግሩ ሰባት ምውሳኹ ይዛረቡ።
ኣብ ጥሪ ጥራይ ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ክሰግሩ ዝፈተኑ 367 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።