መረፃ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ገዛኢ ውድብ ኤኤንሲ ዝበዝሕ ድምፂ ክስእን ይኽእል'ዩ

ገዛኢ ውድብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣብ ባይቶ ዝነበሮ ዓብላሊ ድምፂ ከም ዝስእን ተገሊፁ።

ፍርቂ ውፅኢት ሃገራዊ መረፃ ደቡብ ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ዝወፅአ ኰይኑ፡ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ዓብላሊ ውፅኢት ይስእን ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

መረፃ ካብ ዝተኻየደሎም ነቑጣታት 50 ሚእታዊት ውጽኢት ክቑጸር እንከሎ፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ ብ42 ሚእታዊት ይመርሕ ኣሎ፤ ዲሞክራቲክ ኪዳን (DA) ድማ ብ23 ሚእታዊት ይስዕቦ።

ናይ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ውድብ ‘ኡምኽሆንቶ ዊሲዝዌ (MK )፡ 11 ሚእታዊት ድምፂ እንትረክብ፡ ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተርስ ከኣ፡10 ሚእታዊት ረኺቡ።

ሓፈሻዊ ውፅኢት እቲ መረፃ፡ ቀዳምን ሰንበትን ወግዓዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ብዙሓት መረፅቲ፡ ንሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ብብልሽውና፣ ኣብታ ሃገር ብዝሰፈነ ገበንን ሸቕሊ ኣልቦነትን ይነቕፍዎ።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ንደቡብ ኣፍሪቃ ዘመርሐ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ ኣብ 2019 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ 57 ሚእታዊት ድምፂ ረኺቡ ነይሩ።

እንተዀነ ኣብ መረፃ ሎሚዘበን ካብ 42 ሚእታዊት ዘይሓልፍ ድምፂ ከም ዝረክብ ይግመት።

እዚ ማለት፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ምስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ውድብ ብምልፋን ኣብዝሓ ወናብር ባይቶ እታ ሃገር ክሕዝ ኣለዎ ማለት እዩ።

ውድብ ዲሞክራቲክ ኪዳን (DA) ነፃ ዕዳጋ ዘሰጉም ኰይኑ፡ ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተርስን (ኢኤፍኤፍ) ‘ኡምኽሆንቶ ዊሲዝዌን (MK) ድማ፡ ብኢድ ኣእታውነት መንግስትን ሃገራውነትን ይኣምኑ።

ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ምስ መን ክላፈን ይኽእል ዝብል ሕቶ፡ መፃኢ ዕጫ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝውስን እዩ።

ፕረዝደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እዩ ዝብል ጉዳይ ኣጠራጣሪ ኰይኑ፡ ውድቡ ትሕቲ 45 ሚእታዊት ድምፂ እንተድኣ ረኺቡ፡ ካብ ኣቦ ወንበርነት ይለዓል ዝብሉ ፀቕጥታት ይረኣዩ ኣለዉ።

ፈላማይ ዙር ውፅኢታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ካብ ውድብ ኤምኬ ከቢድ ንሕንሕ ኣጋጢምዎ ይርከብ።

ብፍላይ ኣብ ኩዋዙሉ ናታል ናይ ጃኮብ ዙማ ውድብ 43 ሚእታዊት ድምፂ ብምርካብ ይመርሕ ኣሎ፤ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ድማ 21 ሚእታዊት ድምፂ እዩ ኣምፂኡ።

ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብቲ ዝሓለፈ ታሕሳስ ንውድብ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ራሕሪሑ ንሓድሽ ውድብ ‘ኡምኽሆንቶ ዊሲዝዌ (uMkhonto weSizwe-MK) ከም ዝወዳደር ምስ ኣፍለጠ ከቢድ ስምባደ ፈጢሩ ነይሩ።

ትውልዲ ዓዲ ጃኮብ ዙማ ዝዀነት ኩዋዙሉ ናታል፡ ብዙሓት መረፅቲ ድምፆም ካብ ዝህብሎም ከባብታት እታ ካልአይቲ እያ።

እዛ ግዝኣት፡ ኣየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብላጫ ድምፂ ይረክብ ንዝብል ወሳኒት እያ።

ዋላ’ኳ ጃኮብ ዙማ ብገበን ቤት ፍርዲ ምድፋር ንባይቶ ከይወዳደር እንተተኣገደ፡ ኣብ መረፃ ወረቐት ግና ከም መራሒ ኤምኬ ኰይኑ ቀሪቡ።

ኣብ ሓፈሻዊ ውፅኢት፡ ውድብ ‘ኡምኽሆንቶ ዊሲዝዌ (uMkhonto weSizwe-MK) ኣብ ኩዋዙሉ ናታል እንተድኣ ዓብላሊ ድምፂ ረኺቡ፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ኣብታ ግዝኣት ዝነበሮ ፅልዋ ከም ዘብቅዕ ተንተንቲ ይገልፁ።

ኤኤንሲ ኣብታ ሕመረት ቁጣባ ትበሃል ግዝኣት ጉዋቴንግ’ውን ዓብላሊ ድምፂ ክስእን ከም ዝኽእል ስክፍታታት ኣሎ።

ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዋቴንግ ብ36 ሚእታዊት ዝመርሕ ዘሎ እንትዀን፡ ዲሞክራቲክ ኪዳን ድማ ብ29 ሚእታዊት ይስዕቦ።

ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ፀሓይ ክሳብ ትዓርብ ተሰሊፎም ድምፂ ክህቡ ተራእዮም።

ከም ሓበሬታ ኮሚሽን መረፃ፡ ነቑጣ መረፃ ሰዓት 9፡00 ናይ ለይቲ (3፡00) እዩ ተዓፅዩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ኮሚሽን፡ ብዙሓት ሰባት ድምፆም ምሃቦም፡ ነቲ ፀለምቲ ንፈለማ እዋን ክመርፁ ዝተፈቐደሎም መረፃ 1994 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዘዘኻኽር እዩ ክብል፡ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ 70 ውድባት ፖለቲካን 11 ውልቀ ተወዳደርትን ኣብዚ መረፃ ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ሓደሽቲ ኣባላት ባይቶን ትሽዓተ ሓገግቲ ግዝኣትን ክምረፁ እዮም።

ቀንዲ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዲሞክራቲክ ኪዳን (DA)፡ ኣብዚ መረፃ እኹል ድምፂ እንተረኺቡ ንሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣን ንምእላይ ምስ ካልኦት 10 ውድባት ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ከም ዝተሰማምዐ ይፍለጥ።

ዋላ’ኳ ሓደሽቲ ውድባት ፖለቲካ ንልዕልና ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) እንተበድህዎ፡ እቲ ገዛኢ ውድብ ኣብዚ መረፃ ብምዕዋት ልፍንቲ ናይ ምምስራት ስልጣን ክረክብ ከም ዝኽእል ይግመት።