ዕሉል መራሒ ኣፓርታይድ ዝነበረ ኣብ 85 ዓመቱ ዓሪፉ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ውሑዳት ጸዓዱ ዝነበረ ዕሉል ሚኒስተር ፖሊስ ኣድሪያን ቭሎክ ኣብ መበል 85 ዓመቱ ዓሪፉ።

እዚ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ምትግባር ኣገዳሲ ተራ ከምዝተጻወተ ዝንገረሉ ሚኒስተር፡ ኣብ እዋኑ ፖሊስ ንደለይቲ ፍትሒ ይጨውዩን፡ የሳቕዩን ይቐትሉን ነይሮም።

ቭሎክ፡ ኣብ 1994 ኣፓርታይድ ምስተዛዘመ ገለ ካብ ገበናቱ ተናዚዙ ይቕረታ ከምዝተገብረሉ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ 2006 ንፍሉጥ ጸረ ኣፓርታይድ ዝነበረ ፍራንክ ቺካነ ከም ናይ ጣዕሳ ምልክት የእጋሩ ሓጺብዎ ነይሩ።

ቀንዲ ነቐፍቱ ግን እቲ ብስርዓት ኣፓርታይድ ዝተፈጸመ ገበናት ምሉእ ብምሉእ ንኸይግለጽ ዝዓለመን ድንጋጸ ንምርካብ ዘገብሮ ዘሎ መናውራን ገይሮም እዮም ርእዮምዎ።

ቀሺ ቺካነ ኣብ 1989 ፖሊስ ብመርዚ ክቐትሎ ፈቲኑ ድሒኑ ነይሩ።

ንልዕሊ 45 ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣብ 1994 ኔልሰን ማንዴላ ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ኮነ እዩ ኣብቂዑ።

ኣብ 2007 ቭሎክ፡ ብፈተነ ቅትለት ቀሺ ቺካነ ን10 ዓመት ክእሰር ፍርዲ ተዋሂብዎ ነይሩ።

"ብብዙሕ ዝገበርክዎ ነገራት ሕፍረት ይስምዓኒ" ክብል ኣብ ፍርዱ ተዛሪቡ።

ቭሎክ፡ ካብ 1986 ክሳብ 1991 ሚኒስተር ሕግን ስርዓትን ነይሩ።

ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚኒስትሪኡ ነቲ ኣንጻር ምሕደራ ውሑዳት ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢ ንምዕፋን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ኣሲሩ ምንባሩ ይገልጽ።

ቭሎክ፡ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሓልታት ጸጥታ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብያተ ክርስቲያናት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ መጥቃዕቲ ቦምባታት ከም ዘካየደ ተኣሚኑ ነይሩ፤ ነቲ ኑዛዜ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ይቕረታ ተዋሂብዎ።

ንሱ፡ ከም ምልክት ንስሓ ብፖሊስ ኣብ በረኻ ተወሲዶም ናይ ዝተቐትሉ 10 ደለይቲ ፍትሒ ኣደታትን መበለታትን ኣእጋር ሓጺቡ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 30 ዓመት መኸተምታ ስርዓት ኣፓርታይድ'ውን ገና ኣንጻር ዓሌትነት ትቃለስ ኣላ።

ክልተ ጸለምቲ መንእሰያት፡ ዕድመኦም 13ን 18ን ዓመት፡ ኣብ መዓልቲ ልደት ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ ብዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ኰይኖም እዮም።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ "ኣረግቶት ጸዓዱ ነዞም መንእሰያት ብኣፎም ደፊኦም ኣብ ቀላይ ከጥሕልዎም ክፍትኑ ምርኣይ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕፍር ተግባር የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ሓደ ጻዕዳ በቲ ፈተነ ቅትለት ክኽሰስ እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ብናይ ሓባር መጥቃዕትን ገበናዊ መጕዳእትን ተኸሲሶም ኣለዉ።