ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ 'ታሪኻዊ መስርሕ ፍርዲ' ብዅሎም ክስታት ገበነኛ ተባሂሉ

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ገበናዊ መስርሕ ፍርዲ፡ ብዅሎም ዝቐረብሉ 34 ክስታት ምትላል መዛግብቲ ቢዝነስ ገበነኛ ተባሂሉ።

ኣብታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ነበር ወይ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፕረዚደንት ብገበን ክፍረድ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ 11 ሓምለ 2024 ክፍረድ'ዩ - እቲ ፕረዚደንት ነበር ብማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝኽእል'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ትራምፕ ነቲ ብይን “ዘሕፍር” ብምባል ክነጽጐ እንከሎ፡ ነቲ ጉዳይ ንዝመርሐ ዳኛ ዘሊፉ።

እዚ ብይን ኣብቲ ኣብ ሕዳር እዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንጆ ባይደን ንምስዓርን ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስን ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝወሃብ ዘሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙናት፡ ነታ ምስ ትራምፕ ጾታዊ ርክብ ነይሩኒ እትብል ኮኸብ ፊልም ፖርኖግራፊ ዝነበረት ስቶርሚ ዳኒኤልስ እትርከቦም ን22 መሰኻኽር ሰሚዑ።

ትራምፕ፡ ቅድሚ’ቲ ብ2016 (ኣ.ኤ) ዝተኻየደ መረጻ፡ ነታ ተዋሳኢት ፖርኖግራፊ ዝነበረት ኣፍ መዕበሲ ገንዘብ ከፊሉ ብዝብል ተኸሲሱ ጸኒሑ ኣሎ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ጠበቓታት ትራምፕ፡ ጕጅለ ሕጊ ፕረዚደንት ነበር ይግባይ ዝብለሉ “ኵሉ ኣማራጺታት ይሓስበሉ ኣሎ” ክብል ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቡ።

ዊል ሻርፍ፡ “ኵሉ መዳያት እዚ ጉዳይ ይግባይ ዘብል’ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ይግባይ ክንብል ኢና” ኢሉ።

ካልእ ቀንዲ ኣባል ጕጅለ ሕጊ ትራምፕ ዝዀነ ቶድ ብላንቸ፡ ትራምፕ ፍትሓዊ ፍርዲ ከም ዘይረኸበ ክገልጽ እንከሎ፡ “ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማንሃተን ፍትሓዊ ፍርዲ ክንረክብ ኣይንኽእልን ክንብል ጸኒሕና ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ብላንቸ፡ ጠበቓ ትራምፕ ነበር ማይክል ኮሄን “ንትራምፕ ምጥፋእ ልኡኽ ህይወቱ” ዝገበረ’ዩ ኢሉ ብምንቃፍ፡ “ኣብዚ መስርሕ ፍርዲ፡ መሰኻኽር ኰይኖም ክቐርቡ ዘይግብኦም ገለ ሰባት ኣለው” ክብል ንፎክስ ኒውስ ገሊጹ።

ኮሄን ንኤምኤስኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ውሳነ “ከም ዝቐሰነ” ብምግላጽ፡ “ኣብ መወዳእታ ሓቂታት ስዒሮም፤ ተሓታትነት’ዩ፤ ሕጂ ብልክዕ ኣመሪካ እትደልዮ ነገር’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ስቶርሚ ምስ ትራምፕ ነይሩዋ ዝበሃል ጾታዊ ዝምድናታት ንምሕባእ ገንዘብ ክትክፈል ገይሩ’ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር መበል 45 ፕረዚደንት ኰይኑ ዝተመርጸን ፈላማይ ብገበን ተኸሲሱ ገበነኛ ዝተባህለን መራሒ’ዩ።

ጽልዋ እዚ ውሳነ ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኰነን።

ዝተፈላለዩ ዳያኑ ነበር ኣብ ዝህብዎ ዘለው ርእይቶታት፡ እዚ ውሳነ “ዳያኑ ስርሖም ገና ይጅመር ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ” ክብሉ እንከለው፡ ንዝዀነ ብመቕጻዕቲ ክፍረድ ምግባር ኣዝዩ ዝኸበደን ዘጸግምን ውሳነ ከም ዝዀነን ይሕብሩ።

ኣብዚ መሰርሕ ፍርዲ፡ 12 ዳያኑ ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ ኣሎ።