እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ደንጎላት፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር 5 ሰባት ከምዝሞቱ ሓካይም ሓቢሮም
ኣብ ትግራይ ደንጎላት ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱን 37 ከምዝቖሰሉን ሓደ ዶክተር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ትማሊ ብዓርቢ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ደንጎላት ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ።
ላዕለዋይ ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረ ስላሰ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ካብቶም ዝተጎድኡ እቶም ሸውዓተ ዓብዪ መጥባሕቲ ዘድልዮም እንትኾኑ፡ እቶም ካልኦት ድማ ዝተፈላለዩ ደረጃ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ገሊጹ።
ኣብቲ ክልል ብዘሎ ምቁራፅ መራኸቢታት፡ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንሚኒስተር ዲኤታ መራኸቢታት ዶክተር ለገሰ ቱሉ፣ ኣፈኛ ሓይሊ ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነንን ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩምን ከዛርብ ፈቲኑ ምላሽ ኣይረኸበን።
መራሕቲ ትግራይን ምንጭታት ዓለም ለኻዊ ትካላት ረድኤትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ እኳ እንተገለፁ ካብ መንግስቲ ዝተብሃለ ነገር የለን።
ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝተባህለ ቦታ ተመዛበልቲ ዝተዓቖብሉ ኣብ ዝተብሃለሉ ቦታ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት ትካል ረድኤት ንቢቢሲ ከምዝገለፁ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰራዊት ዝፍፅም ደብዳብ ነፈርቲ ንወተሃደራዊ ማእከላት ጥራሕ ዒላማ ዝገብርን ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ ዳሮ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ "ኣብ ልዕሊ ዝተመርጹ ወተሃደራዊ ዒላማታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ" ገሊጹ።
መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ግን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ይኸሱ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንኣዋርሕ ሃዲኡ ዝፀንሐ ኩናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምስ ተጎሃሃረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።
ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝገበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብዘተ ንከብቅዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጻውዒት ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም ነይሮም።
እንተዀነ፡ ሮይተርስ ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ ሰንበት ክጅምር ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ዕርቀ ሰለም፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝተናወሐ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም መንጎኛታት ዝኾኑ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር'ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።