ዝዓጸኻዮ ማዕጾ ከምዘይዓጸኻዮ ዘጨንቐካ ሕማም ኣእምሮ - 'ኦሲዲ'

ማዕፆ ዝዓፀው ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

አዚ ዝዓጸኻዮ ማዕጾ ከይመይትዓጽወ ከጨንቐካ ዝግበር ሕማም ኣእምሮ OCD (Obsessive Compulsive Disorder) ይበሃል።

 ምስራቕ* (ነዚ ዛንታ ክበሃል ስማ ዝተቐየረ) "ኣእምሮይ ንሰለስተ ዓመት ዝሓሰብክዎ ንኹሉ ክጽሕፍ የገድደኒ ነይሩ" ትብል።

ንሳን ድቃስን ካብ ዝራኸቡ ቀንዮም እዮም።

"ኣብ ደፍተር፡ ወረቐት፡ ሞባይል፡ ኣብ ዝኾነ ነገር ጥራይ ይጽሕፍ ነይረ" ክትብል ንኹነታታት ትገልፅ።

እቲ እትጽሕፎ ነገር ንኣንባቢ ትርጉም ዘይህልዎ ክኸውን ይኽእል። ግን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኣ ዘሎ ነገር እንተዘይጸሒፋቶ ሰላም ኣይትረክብን።

"ጸጉረይ ቅብኣት ተቐቢአ ጽቡቕ እንተመሲሉኒ ክጽሕፎ ኣለኒ" ክትብል ትዛረብ።

እዚ ናይ ምጽሓፍ ድፍኢት ግን ሓደ መዓልቲ ተዓጊቱ።

"ሓደ መዓልቲ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢለ ክጽሕፍ ሓዲረ። እዚ ስምዒት፡ ኣብታ መዓልቲ ዝወጸለይ ይመስለኒ"

ምስራቐ ብ 'ባይፖላር ዲስኦርደር' ዝበሃል ሕማም ኣእምሮ ትሳቐ ነበረት።

“ኣዝዩ ከቢድ እዋን ኣሕሊፈ፤ ሕጂ ብህይወት ምህላወይ ይገርመኒ ኣሎ። ስራሐይ ኣቋሪጸ ነይረ። ንነብሰይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን፡ ጭንቀት ድማ ኣሕዲሩለይ" ብምባል ንዘሕለፈቶ ትዝክር።

ምስራቕ ብዛዕባ ሕማማ ንኻልኦት ክትነግር ኣይደለየትን። ምኽንያታ ድማ ‘መን ይሕግዘኒ?’ ዝብል ነይሩ።

ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እዚ ሕማማ ዳግማይ ተመሊስዋ።

"እቲ ዝዓጸኽዎ ማዕጾ ዘይዓጸኹዎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብፍላይ ብዛዕባ ሓዊ ይጭነቕ ነይረ። ምድጃ ወሊዐ ዝሓደግክዎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብሰንኪ እዚ ምሉእ መዓልቲ ተደናጊረ እየ ዘሕልፎ" ክትብል ተረድእ።

ንነዊሕ እዋን እቲ ኣብ ኣእምሮኣ ዝመጽእ ዝነበረ ሓሳብ ሕማም ከምዝኾነ ዝፈለጠት ኣብ ተለቪዥን ብዝረኸበቶ ሓበሬታ እዩ።

ቢቢሲ "ቴራፒ ኣይወሰድክን ዲኺ?" ክብል ሓተታ።

"ሕክምና ክወስድ ከለኹ፡ ኣእምሮኺ ስቕ ክብል ግበርዮ ይብሉ፡ ከምኡ ክገብር እንተዝኽእል ግን ንምንታይ ናብ ሕክምና ምኸድኩ" ዝብል መልሲ ሂባ።

ሓኪም እንታይይብል?

ሓኪም ዝተብሃለ ብሰብሞያ ሕክምና ዝተመስረተ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ "ኦሲዲ ብሓጺሩ ክግለጽ ከሎ፡ ጥርጣረ ዝፈጥር ዘሰክፍ ሓሳብ ነቲ ሓሳብ ንምዕፋን ዝውሰድ ተደጋጋሚ ስጉምቲን'ዩ" ክብል ነቲ ሕማም ይገልጾ።

ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣእምሮ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ክኽሰት ይኽእል እዩ። ጠንቂ እቲ ሕማም እንታይ ምዃኑ ግን ብርግጸኝነት ዝፍለጥ ነገር የለን።

ዶክተር ዮናስ ባህረጥበብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መምህር ስነ-ኣእምሮን ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ድማ ሓኪም ስነ-ኣእምሮን እዩ።

ርእሳ ብጭንቀት ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሓኪም ነዚ ሕማም ክገልጾ ከሎ፡ "ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ ሓሳብ ወይ ንሓደ ተግባር ብተደጋጋሚ ክንፍጽም ምድላይ፡ እንተላይ ኣብ ግብሪ ምውዓል" ከምዝኾነ ይሕብር።

ዶክተር ዮናስ ከም ዝብሎ፡ በዚ ሕማም ኣእምሮ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ብዘይ ድሌትና ዝመጽእ ሓሳባት ክቆጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም።

"እዚ ብዘይ ድሌትና ዝመፀና ሓሳብ ባህ ዘየብልን ዘጨንቕን ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኣእምሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ብዓበዩ ነዚ ሕማም ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።

“ገለ ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ዝመጽእ ተደጋጋሚ ሓሳብ ጥራይ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ካልኦት ከኣ ሓደ ነገር ደጋጊሞም ናይ ምግባር ብርቱዕ ድሌት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ከምኡ ክገብሩ እንከዉ ድማ ቁሩብ እፎይታ ዝረኽቡ ይመስሎም" ይብል እቲ ዶክተር።

ዶክተር ዮናስ ነዚ "ሓደ ሰብ ኣእዳው ዝረስሐ ዝመስሎ" ብምባል ይገልጾ። ምኽንያቱ እዚ ሓንሳብ ወይ ክልተ ግዜ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ስለዘጋጥም፡ ኣእዳዉ ጽሩያት ምዃነን እኳ እንተፈለጠ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 30 ግዜ ክሕጸበን ይኽእል'ዩ።

“ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ዝመስሎም ሰባት ኣለዉ። እቲ ሰብ ዋላ ተመርሚሩ እቲ ሕማም ኣብ ደሙ ከምዘየለ እንተተረጋጊጸ’ውን ነዚ ሓሳብ ደው ከብሎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ብኣብነት የቐምጥ።

ዶክተር ዮናስ ከም ዝብሎ፡ እዚ 'OCD' ዝበሃል ሕማም ኣእምሮ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን ወይ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ህይወትና ክመጸና ስለ ዝኽእል ብሓሳብ ክንጽመድ ክገብረና ይኽእል።

“ዘይንደልዮ ንፈጣሪና ዘሕዝን ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ይመጽእ። ደው ከነብሎ ኣይከኣልናን እናበሉ ንሕክምና ናባና ይመጹ" ይብል እቲ በዓልሞያ።

እዚ ኩነታት መዓስ እዩ ናብ ሕማም ዝቕየር?

ዶክተር ዮናስ፡ እዚ ኩነታት ሕክምና ክሳብ ዘድሊ ክሰጋገር ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ምልክታቱ ምርዳእ ኣገዳሲእዩ ይብል።

  • ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዘይተደልየ ሓሳባት ወይ ተደጋጋሚ ሓሳባት እንተሃልይዎ፡
  • ኢድ ምሕጻብን ተመሳሳሊ ንጥፈታትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እንተኾይኑ፡
  • ብሰንኪ እዚ መዓልታዊ ስርሑ ክፍጽም እንተዘይክኢሉን እዚ ድማ ዘሰክፍ ስምዒት እንተፈጢሩ፡።
  • ምስ ስድርኡን ፈተውቱን ዘለዎ ርክብ እንተተዛቢዑን
  • ከምኡ’ውን እዚ ተግባርን ኣተሓሳስባን ሰላምን ሓጎስን ዘስዕን እንተኾይኑ እዚ ሰብ እዚ ሓሚሙ ኣሎ ክንብል ንኽእል።

ካብዚ ወፃኢ እዚ ኩነታት ከም ባህሪ ጥራሕ ዘለዎም ሰባት ብዓብዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይገልጽ።

እንፍጽሞ ተደጋጋሚ ተግባራት ግን ጭንቀት ከስዕበልና ከም ዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይገልጽ።

እዚ ሕማም ዝፍውስ ሕክምና እኹል ከምዘይኮነ ትገልጽ ምስራቕ፡ ሕጂ ብጸሎትን በቲ ዝተዋህበኒ መድሃኒትን ለውጢ የርኢ ኣለኹ ትብል።

ንሕማማ ዝተዋህባ መድሃኒት ኣብ መጀመርታ ሕማማ ከምዘግደዶ ትዝክር።

"ብሰንኪ እዚ ልዕሊ ክልተ ግዜ ነቲ መድሃኒት ቀይረዮ" ክትብል ትዛረብ።

እዚ ሕማም ንዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ሕክምና ኣሎ።

ሓደ ካብኡ ኣገልግሎት ምኽርን እንትኾን ንዘይተደልየ ሓሳባትካ ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮ ክትመሃር ዘኽእል ሜላ እዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ንኣእምሮን ኣካልን ንምዝንጋዕ ዝግበር ሕክምና እዩ።

"ንኣብነት ኣስተንትኖ፡ ከም ዮጋ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ኣካላትን ማሳጅን ይርከብዎም።"

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሕማም ደው ከብሎ ዝኽእል መፍትሒ፡ ነቲ ንሕማም ዝተዳለወ መድሃኒት ምውሳድ እዩ።

ከከም ዓይነትን ደረጃን ሕማም ናይቲ ሰብ፡ እዞም ዓይነታት ሕክምና ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይዛረብ።

ሕጂ ትሓዊ ምህላዋ ትዛረብ ምብራቕ፡ ሰባት ከምዚ ዓይነት ምልክታት እንተ ኣጋጢምዎም ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ትመክር።